settings icon
share icon
ሕቶ

ዕላማ ቤተ-ክርስትያን እንታይ እዩ?

መልሲ


ግብሪ ሃዋርያት 2፡ 42 ከም መግለጺ ዕላማ ናይ ቤተ-ክርስትያን ክሕሰብ ይክኣል እዩ። ብትምህርቲ ሃዋርያትን ብሕብረትን ብምቚራስ እንጌራን ብጸሎትን ጸኒዖም ነበሩ ። ብመሰረት እዛ ጥቕሲ ፡ ዕላማ/ንጥፈታት ቤተ-ክርስትያን ክኸውን ዘለዎ ድማ፡ (1) መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምህሮ ምምሃር (2)ንኣመንቲ ስፍራ ሕብረት ምቕራብ (3) ድራር ጎይታ ምክፋል (4)ምጽላይ

ኣብ እምነት ክንስረት ክንክእል ምእንቲ ፡ ቤተ- ክርስትያን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምህሮ (ዶክትሪን) ክትምህር ኣለዋ። ኤፌሶን 4፡14 ከምዝነግረና፡ “ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ከይንኸውን።”ቤተክርስትያን እቶም ኣመንቲ ንሓድሕዶም ዝውፈዩሉን ዝከባበሩሉን ናይ ሕብረት ስፍራ ክትከውን እዩ ዘለዋ(ሮሜ 12፡ 10)፡ ንሓድሕዶም ዝመሃሃሩሉን(ሮሜ 15፡14)፡ ንሓድሕዶም ተላዋህትን ተደናገጽትን ዝዀንሉ (ኤፌሶን 4፡32) ፡ ንሓድሕዶም ዝመዓዓዱሉ (1 ተሰሎንቄ 5፡11)፡ ልዕሊ ኲሉ ከኣ ንሓድሕዶም ዝፋቐሩሉ (1 ዮሃንስ 3፡11)።

ቤተክርስትያን እቶም ኣመንቲ ሞት ክርስቶስን ምእንታና ዘፍሰሶ ደምን እናዘከሩ ድራር ጎይታ ዝወስዱላን (1 ቆሮንቶስ 11፡23-26)። ምቑራስ እንጌራ እውን (ግብሪ ሃዋርያት 2፡42) ብሓንሳብ ኣብ መኣዲ ምሕባር ዝብል ሓሳብ የስዕብ። እዚ ድማ ፡ እታ ቤተክርስትያን ሕብረት ተደንፍዓሉ ካልእ ኣብነት እዩ። ብመሰረት ግብሪ ሃዋርያት 2፡42፡ እቲ ናይ መወዳእታ ዕላማ ቤተ-ክርስትያን ፡ ጸሎት እዩ። ቤተ-ክርስትያን ናይ ጸሎት መደንፍዕን ናይ ጸሎት መምሃርን ናይ ጸሎት መተግበርን ስፍራ ክትከውን ኣለዋ። ፊሊጲ 4፡6-7 ከምዚ ክብል የተባብዓና፡ “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።”

ንቤተክርስትያን ዝተዋህበ ካልእ ሕድሪ ድማ ናይ ምድሓን ወንጌል የሱስ ክርስቶስ ምእዋጅ እዩ (ማቴዎስ 28፡18-20 ፥ ግብሪ ሃዋርያት 1፡8)። እታ ቤተክርስትያን ብቃልን ግብርን ወንጌል ኣብ ምክፋል እምንቲ ክትከውን እያ ተጸዊዓ። ቤተ- ክርስትያን ኣብ ሕብረተሰብ ዓንዲ ብርሃን ክትከውን እዩ ዘለዋ ፡ ንሰባት ናብ ጎይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ እተመልክት፡ ቤተ- ክርስትያን ወንጌል ተደንፍዕን ንኣባላታ ድማ ወንጌል ክሰብኩ እተዳሉን ክትከውን ኣለዋ (1 ጴጥሮስ 3፡15)።

ገለ ካብ መወዳእታ ዕላማታት ቤተ-ክርስትያን ኣብ ያእቆብ 1፡27 ተዋሂቦም ኣለዉ ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሓሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ። ቤተክርስትያን ነቶም ነዳያን ከተገልግል ኣለዋ። እዚ ድማ ወንጌል ከተካፍል ጥራይ ዘይኰነስ፡ንስጋኦም ዘድሊ (መግቢ ፡ ክዳን ፡ መጽለሊ) ከምቲ ዝግባእ ጌራ ከተማልኣሎም እዩ ዘለዋ። እታ ቤተ-ክርስትያን ንኣመንቲ ክርስቶስ ከምቲ ዘድሊ ኣስኒቓ ፡ ንሓጢኣት ክስዕሩን ካብ ናይ ዓለም ብከላ ሓራ ኰይኖም ክነብሩን ክትገብር ኣለዋ። እዚ ድማ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርትን ሕብረት ክርስትያንን ይትግበር ፡፡

እምበኣር ፡ እንታይ እዩ ዕላማ ቤተ-ክርስትያን? ጳውሎስ ንኣመንቲ ቆሮንጦስ ብሉጽ መረዳእታ ሂብዎም እዩ። ቤተ-ክርስትያን ኣብ ስጋ ክርስቶስ ከም ናይ ኣምላኽ ኣእዳው ፡ ኣፍ ፡ ኣእጋር እያ (1 ቆሮንቶስ 12፡12-27)። የሱስ ብስጋ ኣብ ምድሪ እንተዝህሉ ኔሩ ፡ እቲ ንሱ ክገብሮ ዝኽእል ነገራት ኢና ክንገብር ዘሎና። ቤተ-ክርስትያን ክርስቶሳዊት ፡ ንክርስቶስ ትመስልን ሰዓቢት ክርስቶስን ክትከውን እዩ ዘለዋ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ዕላማ ቤተ-ክርስትያን እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries