settings icon
share icon
ሕቶ

ናይ ክርስትያን ኣረኣእያ ናይ ፈለጥቲ እንታይ እዩ?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ንመናፍስትነት፡ ፈለጥቲ ወይ ጠየቕቲ፡ ጥንቆላን ኣእምራኣዊ ሓይሊ ዝጥቀሙን ኣትሪሩ ይኹንኖ (ዘለዋውያን 20፡27፡ ዘዳግም 18፡10-13)። ስግለተ ኮኾብ፡ ስእልታት ዘለዎ ካርድታት ናይ ዕድል፡ ስነ-ከዋኽብቲ፡ ፈለጥቲ፡ ከብዲ ኢድ ምንባብን ከምኡ’ውን ጉባኤ ምርካብ ምስ መናፍስቲን’ውን ኣብ’ዚ ምድብ ይኣትዉ። እዞም ልምድታት ከኣ ኣብ ኣማልኽቲ፡ መናፍስቲ ወይ ምኽሪን ምርሒትን ክህቡ ዝኽእሉ ዝሞቱ ዘፍቅርዎም ዝነበሩ ሰባት እዮም መሰረቶም። እዞም “ኣማልኽቲ” ወይ ‘መናፍስቲ” ከኣ ኣጋንንቲ እዮም (2 ቆሮንጦስ 11፡14-15)። መጽሓፍ ቅዱስ ነፍቅሮም ምውታት ሰባት ክረኽቡና ከምዝኽእሉ ዝኾነ መእመኒ ምኽንያት ኣይህበናን እዩ። ኣመንቲ እንተኔሮም፡ ኣብ ሰማይ ምስ’ቲ ፈቃር ኣምላኽ ሓቢሮም ኣብ’ቲ ንሓስቦ ኣዝዩ ዘገርም ቦታ ይድሰቱ ኣለው። ኣመንቲ እንተዘይኔሮም፡ ናይ ኣምላኽ ፍቕሪ ብምንጻጎምን ኣንጻሩ ብምዕላዎምን ኣብ ሲኦል ኣብ’ቲ ዘይውዳእ ቃንዛ ይሳቐዩ ኣለው።

ስለ’ዚ እቶም ነፍቅሮም እንተድኣ ክረኽቡና ዘይክእሉ ኮይኖም፡ ከመይ ኢሉ እዩ፡ ጠንቆልቲ፡ መናፍስቲን ኣእምሮኣዊ ሓይሊ ዝጥቀሙን ልክዕ ዝኾነ ሓበሬታ ዝረኽቡ? ብዙሓት ብምትላል ዝተቓለዑ ፈለጥቲ ኔሮም እዮም። ፈለጥቲ ብ ተራ መገዲ ብዙሕ መጠን ሓበሬታ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተረጋጊጹ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ቁጽሪ ቴለፎን ጌሮም ብመገዲ ጸዋዒ ኣይዲ ብምጥቃምን ብናይ ኢንተርነት ፈተሻን ሓደ ፈላጢ ኣስማት፡ ኣድራሻ፡ ዕለተ ልደት፡ ዕለተ መርዓ፡ ኣባላት ስድራቤት ወዘተ ክረክብ ይኽእል። እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ፈለጥቲ ክፈልጥዎ ዘይክእሉ ነገር ከምዝፈልጡ ዘይክሓድ እዩ። ነዚ ሓበሬታ ግን ካበይ እዮም ዝረኽብዎ? እቲ መልሲ ካብ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እዩ። “ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ። ስለዚ ኸኣ እቶም ኣገልገልቱ ንርእሶም ነገልግልቲ ጽድቂ እንተ ኣምሰሉ፡ ዓብዪ ነገር ኣይኰነን፡ መወዳእታኦም ግና ከም ግብሮም ኪኸውን እዩ።” (2 ቆሮንጦስ 11፡14-15)። ግብረሃዋርያት 16፡16-18 ሃዋርያ ጳውሎስ ንሓንቲ ብዛዕባ መጻኢ ክትነግር ዝኽኣለት ጠንቋሊት ካብኣ ጋኔን ገኒሑ ኣውጺኡ።

ሰይጣን ለዋህን ሓጋዝን ከምስል ይፍትን። ከም ሓደ ጽቡቕ ኮይኑ ክረአ ይፍትን። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ከኣ ሓደ ሰብ ናብ’ቲ ኣምላኽ ዝኸልከሎ መናፍስቲ ምእንቲ ክሽከል ነቲ ፈላጢ ሓበሬታ ክህብዎ እዮም። ኣብ መጀመርታ ንጹህ ይመስል፡ ኮይኑ ግን ሰባት ቀልጢፎም ኣብ ፈለጢቲ ክውለፉ ይኹእሉን በዚ ድማ ከይተፈለጦም ሰይጣን ንሂወቶም ክቆጻጸሮን ከዕንዎን የፍቅድሉ። ጴጥሮስ “ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።” ይብል (1 ጴጥሮስ 5፡8)። ኣብ ገለ ነገራት ፈለጥቲ ንባዕሎም እቲ ሓቀኛ ምንጪ ናይ’ቲ ዝረኽብዎ ብዘይምፍላጦም ይታለሉ እዮም። ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ከምኡ ድማ እቲ ሓበሬታ ካብ ዝመጸ ይምጻእ፡ ዝኾነ ምስ መናፍስቲ፡ ጥንቁልና ወይ ስነ ከዋኽብቲ ዝተኣሳሰር ካብ ኣምላኽ መልሲ መድለዪ መገዲ ኣይኮነን። ኣምላኽ ከመይ ጌሩ እዩ ንዓና ፍቓዱ ንሂወትና ከነለሊ ዝደልየና? ናይ ኣምላኽ መደብ ቀሊል እዩ፡ ግን ከኣ ሓያልን ኣድማዕን እዩ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዓዮ (2 ጢሜጢዎስ 3፡16-17) ከምኡ ድማ ጥበብ ክህበካ ምጽላይ (ያዕቆብ 1፡5)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ናይ ክርስትያን ኣረኣእያ ናይ ፈለጥቲ እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries