settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ብልጽግና ወንጌል እንታይ ይብል?

መልሲ


ናይ ብልጽግና ወንጌል ብተወሳኺ ድማ “ምንቅስቓስ ናይ እምነት ቃል” ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ኣማኒ ንኣምላኽ ክጥቀመሉ እዩ ዝንገር፡ ኮይኑ ግን ክርስትያናዊ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ ግን በንጻሩ እዩ--ኣምላኽ እዩ ንኣማኒ ዝጥቀመሉ። ናይ ብልጽግና ስነ-መለኮት ንመንፈስ-ቅዱስ ኣማኒ ናብ ዝደለዮ ንክጥቀመሉ ዝተቐመጠ ሓይሊ ጌሩ ይርእዮ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝምህሮ መንፈስ ቅዱስ ሰብነት ዘለዎ ኮይኑ ንኣማኒ ፍቓድ ኣምላኽ ንክገብር ዘኽእሎ እዩ። ምንቅስቓስ ናይ ብልጽግና ወንጌል ብቐረባ ናብ’ታ ቀዳመይቲ ቤተ ክርስትያን ሰሊኾም ዝኣተው ንገለ ኣዕነውቲ ናይ ስስዐ ኣካላት ይመስል። ጳውሎስን ካልኦት ሃዋርያትን ነዚ ብናይ ሓሶት መምሃራን ዝተዘርገሐ ናይ ስሕተት ትምህርቲ/መናፍቕነት ናይ ሓሶት መምሃራን ኣየእንግዱን ወይ ኣይሽምግሉን ኔሮም። ንዓኣቶም ከም ሓደገኛታት ናይ ሓሶት መምሃራን ኣለልዮም ንክርስትያናት ድማ ካብኣቶም ክርሕቁ ኣተሓሳሲቦሞም።

ኣብ 1 ጢሜጢዎስ ጳውሎስ ንጢሜጢዎስ ካብ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣጠንቂቕዎ። እዞም “ብልሹው ኣእምሮ” ዘለዎም ሰባት ንኣምልኾ መጋበሪ ረብሓ ሓሲቦሞን ናቶም ድሌት ናይ ሃብቲ ድማ ፈተናን መፈንጠራን ኮይኑ ምብራስን ጥፍኣትን ኣምጺእሎም (ቁ/9)። ደድሕሪ ሃብቲ ምኻድ ሓደገኛ መገዲ እዩ ንክርስትያናት ነዚ እዩ ድማ ኣምላኽ ዘጠንቀቐና፡ “እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ” (ቁ/10)። ሃብቲ ርትዓዊ ዕላማ ናይ ኣምልኾ እንተዝኸውን የሱስ ምሰዓቦ ኔሩ። ከምኡ ግን ኣይገበረን፡ ንሱ ዝመረጾ ግን ንርእሱ ከማን ዘዕርፈላ ቦታ ኣይነብሮን (ማቴዎስ 8፡20) ንደቂ መዛምርቱ ድማ ተመሳሳሊ ክገብሩ ሚሂርዎም። እቲ እንኮ ብገንዘብ ዝተገደሰ ወደ-መዝሙር ይሁዳ ምንባሩ ምዝካር ኣድላዪ እዩ።

ጳውሎስ ስሰዐ ኣምልኾ ጣኦት እዩ ይብል፡ (ኤፌሶን 5፡5) ስለ’ዚ ድማ ንሰብ ኤፌሶን ንዝኾነ ናይ ብዕልግና ወይ ስሰዐ ትምህርቲ ዘምጽእ ሰብ ክርሕቅዎ ሚህርዎም (ኤፌሶን 5፡6-7)። ትምህርቲ ብልጽግና ንኣምላክ ከም ድላዩ ንከይዓዪ ይኽልክል፡ እዚ ማለት ኣምላኽ ጎይታ ኩሉ ኣይኮነን ምኽንያቱ ክሳብ ንሕና ነፍቅደሉ ኣይሰርሕን እዩ። ብመሰረት ናይ እምነት ቃል ትምህርቲ/ዶክትሪን፡ እምነት ማለት ኣብ ኣምላኽ ተገዚእካ ምውካል እይኮነን፡ እንታይ ደኣ እምነት ፎርሙላ ኮይኑ ንመንፈሳዊ ሕግታት ንቆጻጸረሉ እዩ፡ እዚ ከኣ ብመሰረት ናይ ብልጽግና መምሃራን ንኣድማስ ዝዝውር እዩ ኢሎም ይኣምኑ። እቲ ስም “ናይ እምነት ቃል” ከምዘመልክቶ፡ እዚ ምንቅስቓስ ከኣ እምነት ዝያዳ ካብ ኣብ ምንታይ ንኣምን ወይ እንታይ ዓይነት ሓቅታት ንሕዝን ነረጋግጽን፡ ዝያዳ ናይ እንታይ ንብል ጉዳይ እዩ ኢሉ ይምህር።

ተፈታዊት ኣብሃህላ ናይ ብልጽግና ወንጌል ከኣ ኣወንታዊ ምእማን እዩ። እዚ ትምህርቲ ድማ ቃላት ንባዕሎም ናይ ምፍጣር ክእለት ኣለዎም ንዝብል የመልክት። እንታይ ትብል ድማ፡ ንኩሉ ንዓኻ ዘጋጥመካ ይውስኖ ይብሉ መምሃራን ብልጽግና። ናትካ ምእማን/ምባል ብፍላይ ከኣ እቲ ካብ ኣምላኽ ትሓቶ ነገራት ኩሉ ወስወስ ከይበልካ ብኣወንታ ክብሃል ኣለዎ። ካብ’ኡ ኣምላኽ ክምለስ የድልዮ (ከም’ዚ ሰብ ዝደለዮ ካብ ኣምላኽ ክሓትት ኣለዎ!)። ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ ዝብልዎ ናይ ኣምላኽ ንዓና ናይ ምብራኽ ክእለት ኣብ እምነትና እዩ ዝሙርኮስ። ያእቆብ 4፡13-16 ብግልጺ ምስ’ዚ ትምህርቲ ይጋጮ፡ “እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእያስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም።” ንሕና ካብ ኣብ ርሑቕ ዘለው ከም ህልዋት ጌርካ ካብ ምዝራብ፡ ጽባሕ ከማን እንታይ ከምተምጽእ ወይ ክንህሉ ዲና ከማን ኣይንፈልጥን ኢና።

ኣብ ክንዲ ኣብ ኣገዳስነት ሃብቲ ምጽቃጥ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ደድሕሪኡ ካብ ምስዓብ የጠንቅቐና። ኣመንቲ ብፍላይ ድማ መራሕቲ ኣብ ቤተ ክርስትያን (1 ጢሜጢዎስ 3፡3)፡ ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ናጻ ክኾኑ ኣለዎም( እብራውያን 13፡5)። ፍቕሪ ገንዘብ ናብ ኩሉ ዓይነት ክፋኣት ይመርሕ (1 ጢሜጤዎስ 6፡10)። የሱስ “ ከኣ፥ ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ካብ ኵሉ ስስዔ ኸኣ ርእስኹም ሐልዉ፡ በሎም።” ኢሉ የጠንቅቕ (ሉቃስ 12፡15)። ኣዝዩ ንጹር ምንጽጻር ናይ ምጽቃጥ ናይ ብልጽግና ወንጌል ኣብ ምድላብ ገንዘብን ከምኡ’ውን ኣብ ንዋይ ናይ ሂወት፡ የሱስ “ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።” ይብል፡ ( ማቴዎስ 6፡19)። እቲ መታዓረቒ ዘይብሉ ተጋራጫውነት ናይ ብልጽግና ትምህርትን ወንጌል ናይ ጎይታና የሱስ ክርስቶስን ብዝበለጸ በዚ ቃል ናይ የሱስ እዩ ዝጥመር፡ ማቴዎስ 6፡24፡ “ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀነልኩምን እዩ።”

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ብልጽግና ወንጌል እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries