settings icon
share icon
ሕቶ

እንተዳኣ ክርስትያን ዝኾኑ ወለዲ ጥፉእ ወዲ (ወይ ጓል) ኣለዎም ኮይኑ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም?

መልሲ


ኣብ ዛንታ ናይ ጥፉእ ወዲ (ሉቃስ 15፡11-32) ደቆም ኣንጻር’ቲ ዘዕበይዎም መገዲ ንዝኸዱ ኣመንቲ ወለዲ ከም ግብረ መልሲን ኣተሓሕዛን ክጥቀሙሎም ዘለዎም ባህርያዊ ዝኾነ ዝተፈላለየ መምርሒታት ኣሎ። ወለዲ ደቆም ሓንሳብ ኣብ ጉብዝና ምስ በጽሑ፡ ኣብ ትሕቲ ስልጣን ወለዶም ከምዘይኮኑ ክዝክርዎ ኣለዎም።

ኣብ ዛንታ ናይ ጥፉእ ወዲ፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ብጽሒት ውርሽኡ ይወስድን ናብ ርሑቕ ሃገር ከይዱ ድማ ይዘርዎን። ኣብ ጉዳይ ናይ ዳግም ዘይተወልደ ቆልዓ፡ እዚ ምግባር ባህርያዊ ነገር እዩ። ኣብ ጉዳይ ናይ ሓንሳብ እምነት ኣብ ክርስቶስ ግሉጽ ዝገበረ ውላድ፡ ነዚ ቆልዓ “ጥፉእ” ንብሎ። ትርጉም ናይ’ዚ ቃል ድማ “ገንዘቡ ዘባኸነ ሰብ” ይብሃል፡ እዚ ጽቡቕ መግለጺ ናይ ገዝኡ ዝገደፈ ውላድን ከምኡ ድማ ነቲ ወለዱ ኣብ’ኡ ዘውፈርዎ መንፈሳዊ ውርሻ ድማ ዝዘሩን እዩ። እዚ ውሉድ ኣንጻር ኣምላኽ ክዓሉ ከሎ፡ ኩሉ ዓመታት ናይ ቀለብ፡ ትምህርቲ፡ ፍቕርን ክንክንን ድማ ይርሳዕ። ምኽንያቱ ኩሉ ዕልወት መጀመርታ ኣንጻር ኣምላኽ እዩ፡ ስለዚ ድማ ከም ዕልወት ኣንጻር ወለድን ስልጣኖምን ኮይኑ ድማ ጎሊሑ ይግሃድ።

እቲ ኣብ’ቲ ምስላ ዘሎ ኣቦ ንወዱ ካብ ምኻድ ደው ከምዘየበሎ ኣስተብህል። ክሕልዎ ኢሉ’ውን ደድሕሪ እቲ ውላድ ኣይሰዓበን። እንታይ ድኣ፡ እዚ ወላዲ ኣብ ገዛ እሙን ኮይኑ ይጸንሕን ይጽልን፡ ከምኡ ድማ እቲ ውላድ “ናብ ልቡ ምስ ተመልሰ” ከምኡ ድማ ገጹ ምስ መለሰን ምስ ከደን፡ እቲ ወላዲ ይጽበን የማዕድውን ኔሩ ስለዚ ድማ እቲ ውላድ “ኣብ ርሑቕ ከሎ” ክረኽቦ ይጎዪ።

ኣወዳትን ኣዋልድን ደቅና ብገዛእ ርእሶም ክኸዱ ከለው--ከምኡ ክገብሩ ሕጋዊ ዕድሜና የፍቅደልና እዩ ኢሎም ብምሕሳብ ኮይኑ--ስለ’ዚ ድማ ንሕና ከቢድ ሳዕቤን ክምዘምጽኡ ንፈልጦም ውሳኔታት ክገብሩ ከለው፡ ወለዲ ክኸዱ ክሓድግዎም ኣለዎም። ወላዲ ደድሕሪኦም ኣይስዕቦምን እዮ፡ ከምኡ ድማ ምስ’ቲ ዝመጽእ ሳዕቤን እቲ ወላዲ ኢዱ ኣየእቱን እዩ። እንታይ ደኣ እቲ ወላዲ ኣብ ገዛ ይጸንሕ፡ ምልክታት ንስሓን ለውጢ ኣንፈት እናርኣየ ብእምነት ምጽላይ ይቕጽል። እዚ ክሳብ ዝመጽእ፡ ወለዲ ኣብ ናቶም ምኽሪ ይጸንሑን ነቲ ዕልወት ድማ ኣይድግፉን ከምኡ’ውን ኢድ ኣየእትዉን (1 ጴጥሮስ 4፡15)።

ሓንሳብ ቆልዑ ሕጋዊ ዕድመ ናይ ጉብዝና ምስ በጽሑ፡ ንሳቶም ንስልጣን ናይ ኣምላኽን ነቲ ብውክልና ዝተዋህበ ስልጣን ናይ መንግስታን ጥራይ እዮም ዝግዝኡ (ሮሜ 13፡1-7)። ከም ወለዲ፡ ንሕና ንጥፉኣት ደቅና ብፍቕርን ጾሎትን ክንሕግዝ ንኽእል ከምኡ ድማ ንሳቶም ሓንሳብ ናብ ኣምላኽ ምስ ነቐሉ ኣብ ጎኖም ክንመጽእ ክንዳሎ ኣሎና። ኣምላኽ ብዙሕ ግዜ ንዓና ናብ ጥበብ ከምጽኣና ባዕልና ነምጽኦ ስቓይ ይጥቀም እዩ፡ ስለዚ ድማ ብትኽክል ምላሽ ምሃብ ድማ ኣብ ነፍሲወከፍ ሰብ ዝግደፍ እዩ። ከም ወለዲ፡ ንደቅና ከነድሕኖም ኣይንኽእልን--ኣምላኽ ጥራይ እዩ ከም’ዚ ክገብር ዝኽእል። እዚ ግዜ ክሳብ ዝመጽእ ድማ፡ ንሕና ከነማዕዱ፡ ክንጽሊ፡ ነቲ ጉዳይ ድማ ናብ ኣምላኽ ክንገድፎ እዩ ዘሎና። እዚ ቃንዛ ዝመልኦ መስርሕ ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግን ከኣ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ምስ ዝካየድ፡ ሰላም ናይ ኣእምሮን ልብን ከምጽእ እዩ። ንደቅና ክንፈርዶም ኣይንኽእልን ኢና፡ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዝፈርድ። ኣብ’ዚ ድማ ዓቢ ምጽንናዕ ኣሎ፡ “እቲ ፈራድ ኲላ ምድርስ ፍትሒዶ ኣየውጽእን እዩ” (ኦሪት ዘፍጥረት 18፡25)

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንተዳኣ ክርስትያን ዝኾኑ ወለዲ ጥፉእ ወዲ (ወይ ጓል) ኣለዎም ኮይኑ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም?
© Copyright Got Questions Ministries