settings icon
share icon
ሕቶ

ናይ ፕሪተሪስ ኣጠማምታ ናይ መወዳእታ ዘመን እንታይ እዩ?

መልሲ


ብመሰረት ፕሪተሪዝም፡ ኩሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ትንቢት ታሪኽ እዩ። ናይ ፕሪተሪስት ትርጉም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ን መጽሓፍ ራኢ ዮሃንስ ከም ስእላዊ ምስሊ ናይ ቀዳማይ ዘመን ግጭታት ይወስዶ እምበር ኣብ’ቲ መወዳእታ ዘመን እንታይ ይፍጸም ናቱ መግለጺ ኣይኮነን። እቲ ፕሪተሪዝም ዝብል ቃል ካብ ናይ ላቲን ፕሪኣተር ማለት “ሕሉፍ” ዝመጸ እዩ። ስለ’ዚ ድማ፡ ፕሪተሪዝም ከኣ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት ብዛዕባ ናይ “መወዳእታ ዘመን” ድማ ኣቐዲሞም ተፈጺሞም እዮም--ሓሊፎም እዮም ዝብል ኣረኣእያ እዩ። ፕሪተሪዝም ቀጥታ ምስ ናይ መጻኢ ዝብል ኣረኣእያ ይጻረር፡ ንሱ ድማ እዚ ናይ መጻኢ ከኣ ናይ መወዳእታ ዘመን ትንቢታት ገና ናይ መጻኢ ተፈጻምነት ኣለዎም ኢሉ ይርእዮም።

ፕረተሪዝም ኣብ ክልተ ክፋላት ይኽፈል፡ ሙሉእ (ወይ ዝሰማማዕ) ፕረተሪዝምን ከምኡ ድማ ከፊላዊ ፕረተሪዝም እዩ። እዚ ጽሑፍ ንዘተ ኣብ ናይ ሙሉእ ፕረተሪዝም (ወይ ከም’ቲ ገሊኦም ዝብልዎ ልዕሊ መጠን-ፕረተሪዝም ) ክሕጸር እዩ።

ፕረተሪዝም ናይ መጻኢ ትንቢታዊ ፍሉይነት ናይ መጽሓፍ ራኢ ዮሃንስ ይኽሕድ። እቲ ፕረተሪስት ምንቅስቓስ ብመሰረቱ ኩሎም ናይ መወዳእታ ዘመን ትንቢታት ናይ ሓድሽ ኪዳን ኣብ 70 ዓመት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ እዮም ሮማውያን ንዮሩሳሌም ምስ ኣጥቕዑዋን ምስ ኣዕነዉዋን ተፈጺሞም ኢሉ ይምህር። ፕረተሪዝም ዝኾነ ምስ መወዳእታ ዘመን ዝተኣሳሰር ፍጻሜ--ካልኣይ ምጽኣት ክርስቶስ፡ እቲ ዓቢ መከራ፡ ትንሳኤ ናይ ምውታን፡ ናይ መወዳእታ ፍርዲ -- ኣቐዲሙ ተፈጺሙ እዩ ኢሉ ይምህር። (ኣብ ጉዳይ ናይ መወዳእታ ፍርዲ፡ ገና ኣብ መስርሕ ፍጻሜ እዩ ዘሎ።) ናይ የሱስ ምምላስ ናብ ምድሪ ከኣ “መንፈሳዊ” ምምላስ እዩ ኔሩ እምበር ኣካላዊ ኣይነበረን።

ፕረተሪዝም እቲ ሕጊ ኣብ 70 ዓመት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ እዩ ተፈጺሙ ኢሉ ይምህር ከምኡ ድማ ናይ ኣምላኽ ኪዳን ምስ እስራኤል ድማ ደው ኢሉ ይብል። ኣብ ራኢ ዮሃንስ 21፡1 “ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን” ተባሂሉ ዘሎ ከኣ መግለጺ ናይ ዓለም ኣብ ትሕቲ ሓድሽ ኪዳን እዩ ንፕረተሪስት። ልክዕ ከም’ቲ ሓደ ክርስትያን “ ሓድሽ ፍጥረት” ዝኸውን (2 ቆሮንጦስ 5፡17)፡ ስለ’ዚ ድማ እዛ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዘላ ዓለም “ሓዳስ ምድሪ እያ።” እዚ ዓይነት ፕረተሪዝም ብቐሊሉ ናብ እምነት ናይ መትካእ ዝብል ስነ-መለኮት ክመርሕ ይኽእል እዩ።

ፕረተሪስት ዝበዝሕ ግዜ ንክትዖም ንምሕያል ናብ ናይ የሱስ ጽሑፍ ናይ መወዳእታ ዘመን ዝርርብ የመልክቱ። ድሕሪ የሱስ ገለ ኣብ ናይ መወዳእታ ዘመን ዝኸውን ምዝራቡ፡ ንሱ “እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ” ይብል፡ (ማቴዎስ 24፡34)። ፕረተሪስት ነዚ ኣበሃህላ እዚ ኩሉ እቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 24 ዝበሎ ኣብ’ቲ ዝዛረበሉ ዝነበረ ሓደ ወለዶ ማለት ከም ዝኾነን--ስለዚ ድማ ኣብ 70 ዓመት ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ምፍራስ ዮሩሳሌም ድማ ናይ “ፍርዲ መዓልቲ” እዩ ኢሎም ይወስድዎ።

ኣብ ፕረተሪዝም ዘሎ ጸገም ብዙሕ እዩ። ሓደ ነገር ከኣ ናይ ኣምላኽ ኪዳን ምስ እስራኤል ዘልኣለማዊ እዩ (ኤርሚያስ 31፡33-36) ከምኡ ድማ ናይ መጻኢ ምሕዳስ እስራኤል ክህሉ እዩ (ኢሰያስ 11፡12)። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብ’ዞም ከም ሂማንዮስን ፍሌጦስን ብሓሶት ዝምህርዎ “ንሳቶም፡ ትንሳኤ ቕድሚ ሕጂ ዀይኑ፡ እናበሉ ኻብ ሓቂ ዘምቢሎም፡ እምነት ሓያሎ ሰባት ይገላብጡ ኣለዉ” ኢሉ የጠንቅቐና (2 ጢሜጢዎስ 2፡17-18)። ናይ የሱስ “እዚ ወለዶ’ዚ” ምባሉ ድማ ነቲ ምጅማር ኣብ ማቴዎስ 24 ተገሊጹ ዘሎ ፍጻሜታት ክርእዩ ንዘርክቡ ወለዶ ማለት ኮይኑ እዩ ክውሰድ ዘለዎ።

ስነ-መሎኮት ናይ ሞትን ፍርድን/ኤስቻቶሎጂ ሕልኽልኽ ዝበለ ኣርእስቲ እዩ፡ ከምኡድማ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ መወዳእታ ዘመን ስእሊ ምስ ትንቢታት ንምትእስሳር ምጥቃሙ ድማ ንዝተፈላለየ ትርጉም ናይ መወዳእታ ዘመን ኣምሪሑ እዩ። ብዛዕባ እዞም ነገራት ንገለ ዘይምርድዳኣት ኣብ ውሽጢ ክርስትና ቦታ ኣሎ። ኮይኑ ግን፡ ሙሉእ ፕረተሪዝም ገለ ከቢድ ዝኾነ ኣበራት ኣለዎ፡ እዚ ከኣ ንኣካላዊ ክውንነት ናይ ክርስቶስ፡ ካልኣይ ምጽኣት ይኽሕድን ከምኡ ድማ ነቲ ዘስካሕክሕ ባህሪ ናይ’ቲ ዓቢ መከራ ድማ ናብ ምፍራስ ዮርሳሌም ብምሕጻር የነኣእስን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ናይ ፕሪተሪስ ኣጠማምታ ናይ መወዳእታ ዘመን እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries