settings icon
share icon
ሕቶ

ከመይ ኢለ ንመርዓ እየ ዝዳለው?

መልሲ


ገዛእ ርእስኻ ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ንመርዓ ምድላው ልክዕ ከም ንዝኾነ ናይ ሂወት ጻዕሪ ምድላው እዩ። ከም ኣመንቲ ንኩሉ ሸነኽ ናይ ሂወትና ዝገዝእ ሓደ መምርሒ ኣሎ፡ “የሱስ ከኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ንፍስኻን ብዅሉ ሓሳባትካን ኣፍቅሮ፡” (ማቴዎስ 22፡37)። እዚ ፎኪስ ዝኾነ ትእዛዝ ኣይኮነን። እዚ ከም ኣመንቲ ቀንዲ ማእከል ናይ ሂወትና እዩ። እዚ ብሙሉእ ልብና ኣብ ኣምላኽን ኣብ ቃሉን ከነድህብ ምምራጽ እዩ፡ እዚ ድማ ነፍስናን ሓሳብናን ንዑኡ ብዘሕጉሱ ነገራት ምእንቲ ክትሓዙ እዩ።

ብጎይታ የሱስ ክርስቶስ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ እዩ ንኩሎም ካልኦት ርክባት ናብ ውሽጢ መንጽር ዘቐምጦም። ናይ መርዓ ዝምድና ኣብ ናይ ክርስቶስን ማሕበሩን ሞዴል ዝተመስረተ እዩ (ኤፌሶን 5፡22-33)። ነፍሲ-ወከፍ መዳይ ናይ ሂወትና ከኣ ብመሰረት ትእዛዛትን ኣጠማምታን ናይ ጎይታ ንምንባር ከም ኣመነቲ ብናህና ተወፋይነት እዩ ዝምሓደር። ናህና ምእዛዝ ን ኣምላኽን ንቃሉን ድማ ኣብ መርዓን ኣብ ዓለምን ንዓና ብኣምላኽ ዝተዋህበና ግደ ክንፍጽም የዕጥቐና። ግደ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዳግም ዝተወልደ ኣማኒ ድማ ኣብ ኩሉ ነገራት ንኣምላኽ ንምኽባር እዩ (1 ቆሮንጦስ 10፡31)።

ገዛእ ርእስኻ ንመርዓ ንምድላው፡ ብክርስቶስ ዘሎካ ጽውዓ ዝበቅዕ ጌርካ ክትመላለስን፡ ብቃሉ ድማ ምስ ኣምላኽ ክትጠብቕን (2 ጢሜጢዎስ 3፡16-17)፡ ኣብ ኩሉ ነገራት ኣብ ምእዛዝ ኣቶኩር። ንኣምላኽ ብምእዛዝ ንምምልላስ ክትምሃር ቀሊል መደብ ዝብሃል የሎን። እዚ ናይ ዓለም ኣራእያታት ንጎኒ ገዲፍና በንጻሩ ንኣምላኽ ክንክተል መዓልታዊ ክንገብሮ ዘሎና ምርጫ እዩ። ንክርስቶስ ዝበቅዕ ጌርካ ምምልላስ ድማ ገዛእ ርእስኻ ብትሕትና ናብ’ቲ እንኮ መንገዲ፡ እንኮ ሓቂ፡ እንኮ ሂወት መዓልቲ መዓልቲ፡ ህሞት ብህሞት ምግዛእ እዩ። እዚ እዩ እቲ ምድላው ዝብሃል ነፍሲ-ወከፍ ኣማኒ ነቲ ዓቢ ህያብ ንብሎ መርዓ ክቕረበሉ ዘለዎ።

ሓደ ሰብ ብመንፈሳዊ ነገር ብሱልን ከምኡ ድማ ምስ ኣምላኽ ዝመላለስን ዝብሃል ንመርዓ ኣጸቢቑ እዩ ዝያዳ ካልእ ሰብ ዝዳሎ። መርዓ ተወፋይነት፡ ብርቱዕ ድሌት፡ ትሕትና፡ ፍቕርን ኣኽብሮትን ይጠልብ። እዞም ጠባያት ቀንዲ ምስ ኣምላኽ ጥቡቕ ርክብ ኣብ ዘለዎ ሰብ ይርኣዩ። ገዛእ ርእስኩም ንመርዓ ክትዳለው ከለኹም፡ ኣምላኽ ናብ’ቲ ንሱ ንዓኹም ዝደልዮ ሰብኣይ ወይ ሰበይቲ ክሰርሓኩምን ቅርጺ ከትሕዘኩምን ኣብ ምፍቃድ ኣቶኩሩ(ሮሜ 12፡1-2)። ገዛእ ርእስኹም ናብኡ እንተድኣ ኣረኪብኩም፡ ንሱ እታ ድንቂ መዓልቲ ምስ ኣኸለት ንመርዓ ድሉዋት ክትኮኑ ከኽእለኩም እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ከመይ ኢለ ንመርዓ እየ ዝዳለው?
© Copyright Got Questions Ministries