settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ ቅድመ- ሽሕ ዓመት?

መልሲ


ቅድመ-ሽሕ ዓመት ዝብል ርእዮት ፡ ክርስቶስ ቅድሚ ሽሓዊ መንግስቲ ከምዝመጽእን ፡ እታ ሽሓዊት መንግስቲ ድማ ክርስቶስ 1000 ዓመት ዝኣክል ኣብ ምድሪ ዝነግሰሉ ዘመን እዩ፡፡ ብዛዕባ ፍጻመታት መወዳእታ ዘመን ዝዝትዩ ጽሑፋት ከምቲ ዝግባእ ክንርድኦምን ክንትርጒሞምን ምእንቲ ፡ ብንጹር ክንርድኦም ዘሎና ክልተ ነገራት ኣለዉ ፡ ቅኑዕ ኣገባብ ኣተራጒማ እቲ ጽሑፍን ፡ ኣብ ሞንጎ እስራኤልን (ኣይሁድን) ኣብ ቤተክርስትያንን (ኣብ ስጋ ክርስቶስ ዘለዉ ኲሎም ኣመንቲ) ዘሎ ፍልልይ ምልላይ ፡፡

ቀዳማይ ነገር ፡ ንቅኑዕ ኣተራጒማ እቲ ጽሑፍ ፡ ምስቲ ንባቡ ተዛሚዱ ክትርጎም ኣለዎ ፡፡ እዚ ማለት ከኣ ፡ እቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ክትርጎም ከሎ ፡ ንመን ተጻሒፉ ፡ ብዛዕባ ምንታይ ተጻሒፉ ፡ ብመን ተጻሒፉ ፡ ወዘተ ዝተዛመደ ክኸውን ኣለዎ። ነቲ ደራሲ ፡ ነቲ ሰማዒ ፡ ንታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ነፍስወከፍ ተንብቦ ጽሑፍን ክትፈልጦ ወሳኒ እዩ። ታሪኻውን ባህላውን ኣቃውማኡ ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ፡ ቅኑዕ ትርጒም ክገልጽ ይኽእል እዩ ፡፡ ብተወሳኺ'ውን ጽሑፍ ንጽሑፍ ከምዝትርጒሞ ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ። ገለ ክፍሊ-ጽሑፍ ኣብ ካልእ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣርእስቲ ይትንክፍ እዩ። ንኲሎም እዞም ክፍሊ-ጽሑፋት ንሓድሕዶም ኣሰማሚዕካ ምትርጓሞም ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ፡ ኣዝዩ ዘገድስ ከኣ ፡ ክፍሊ-ጽሑፋት ኲሉ ሳዕ በቲ ንቡር ፡ ስሩዕ ፡ ርዱእ ፡ ናይ ቃል ብቓል ትርጒሞም ክውሰዱ ኣለዎም ፡ እዚ ድማ ተዛማዲ ሓሳብ እቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ፡ ምሳሌኣዊ ጠባይ እንተዘይብሉ እዩ። ቃል ብቓሉ ተተርጒሙ ማለት ፡ ምሳሌኣዊ ኣይጥቀምን ኣየመልክትን። እንታይ ደኣ ፡ እቲ ኣንባቢ ነዚ ተገንዚቡ ፡ ነቲ ብምሳሌ ዝተነግረ ዘይትርጒሙ ክህቦ የብሉን ፡ግድን ከምኡ ዘስምዕ እንተ ዘይኰይኑ። ካብቲ ቀሪቡ ዘሎ ሓሳብ ፡ ጥልቕ ዝበለ መንፈሳዊ ትርጒም እንተ ዘይተደልየ ወሳኒ እዩ። ንሓደ ክፍሊ-ጽሑፍ መንፈሳውነት ምልባስ ሓደገኛ እዩ፡ንኣንባቢኡ ልክዕ ዘይኰነ ኣተራጒማ ጽሑፍ ይህቦ እዩ። እሞ ፡ ሓደ ፍሉጥ ሸቶ ዘለዎ መዐቀኒ ኣተራጒማ ክህሉ ኣይክእልን እዩ ፡ እንታይ ደኣ ፡ ንኣተራጒማ ዝኸውን ነፍስወከፍ እቲ ጽሑፍ ባዕሉ ኣለዎ። ካልኣይ ጴጥሮስ 1፡20-21 ዘዘኻኽረና ነገር ፡ ኵሉ ጽሑፍ ትንቢት ትርጉሙ ኻብ ርእሱ ከም ዘይኰነ፡ ትንቢትሲ ቅዱሳት ሰባት እዮም ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሖም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ከምዘይመጸ እዩ ።

ነዘን መትከላት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣተራጉማ ተጠቂምና ፡ እስራኤልን (ዘርኢ ኣብርሃም) ፡ ቤተክርስትያንን (ኲሎም ኣመንቲ ሓድሽ ኪዳን) ከም ክልተ ዝተፈላለዩ ጉጅለ ክረኣዩ ኣለዎም ፡፡ እስራኤልን ቤተክርስትያንን ፈላሊኻ ምፍላጦም ወሳኒ እዩ ፡ከመይሲ ነዚ ብጌጋ ምርዳእ ፡ እቶም ጽሑፋት ዘይትርጒሞም ክወሃቦም እዩ ፡፡ ብፍላይ እቶም ንእስራኤል ዝምልከቱ መብጽዓ ታት ፡ እቶም ንጌጋ ኣተራጒማ ዝተቓልዑ ክፍሊ-ጽሑፋት እዮም (ዝተፈጸሙን ዘይተፈጸሙን)። ከምዚኦም መብጽዓታት ኣብ ቤተክርስትያን ክውዕሉ የብሎምን፡፡ ንዘክር ፡ ናይቲ ክፍሊ-ጽሑፍ ተዛማዲ ሓሳብ ፡ ንመን እዩ ተናጊርዎ ባዕሉ ክውስኖ እዩ፡ ናብቲ ኣዝዩ ቅኑዕ ኣተራጒማ ድማ ከመልክት እዩ።

እዞም ጽንሰ-ሓሳባት ኣብ ልብና ጌርና ፡ ሽሓዊ ርእዮ ዘምጽኣልና ንብዝሒ ክፍሊ-ጽሑፋት ናይቲ ጽሑፍ ክንምልከት ንኽእል ኢና። ዘፍጥረት 12፡ 1-3 ፥ ካብ ምድርኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ እንዳ ኣቦኻን ኣነ ናብ ዘርእየካ ምድሪ ኣቢልካ ውጻእ። ንዓብዪ ህዝቢ ኽገብረካን ክባርኸካን ከኣ እየ፡ ንስምካውን ከዕብዮ እየ፡ ንበረኸት ድማ ክትከውን ኢኻ። ንዚባርኹኻ ክባርኾም፡ ንዚረግመካ ድማ ክረግሞ እየ። ዓሌታት ኵላ ምድሪ ድማ ብኣኻ ኪባረኹ እዮም።

ኣብዚ ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም ሰለስተ ነገራት እዩ ተመባጺዕሉ ፡ ኣብርሃም ብዙሓት ደቂ ከምዝህልውዎ ፡ እዚ ህዝቢ ምድሪ ክርስተን ክውንን ምዃኑ ፡ ብዘርኢ ኣብርሃም (ኣይሁድ) ኣቢሉ ናብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ደቅሰብ በረኸት ከምዝመጽእን። ኣብ ዘፍጥረት 15፡9-17 ፡ ኣምላኽ ምስ ኣብርሃም ዝነበሮ ኪዳን ኣጽደቖ ፡፡ከምዚ ጌሩ ድማ ፡ ኣምላኽ ንኲሉ እቲ ሓላፍነት ኪዳን ኣብ ርእሱ ጥራይ ገበሮ። ኣብርሃም ክገብሮ ዝኽእል ነገር ኣይነበረን ፡ ወይ ምግባሩ እንተሰኣነ ፡ ነቲ ኣምላኽ ዝኣተወሉ ኪዳን ከንቱ ኣይገብሮን። ብተወሳኺ ኣብዚ ክፍሊ-ጽሑፍ ዝበሎ ፡ ኣይሁድ ዝርስተይዎ ዶባት ተሓንጺጽሎም እዩ። ዝርዝር እቲ ዶባት ፡ ኣብ ዘዳግም 34 ርአ። ብዛዕባ መብጽዓ ርስቲ ዝነግራ ካልኦት ክፍሊ-ጽሑፋት ዘዳግም 30፡ 3-5 ፥ ህዝቅኤል 20፡ 42-44 ንረክብ ፡፡

ኣብ 2 ሳሙኤል 7፡ 10-17 ኣምላኽ ንንጉስ ዳዊት ዝሃቦ መብጽዓ ንርኢ። ኣብዚ ፡ ኣምላኽ ንዳዊት ዝተመባጻዓሉ ፡ ዘርኢ ከምዝህልዎን ፡ ካብ ዘርኡ ድማ ኣምላኽ ዘልኣለማዊ መንግስቲ ከምዘቑመሉን እዩ ፡፡ እዚ ንሽሓውን ዘልኣለማውን ግዝኣት ክርስቶስ የመልክት ። እዚ መብጽዓ ቃል ብቓሉ ክፍጸም ከምዘለዎን ፡ ገና ከም ዘይተፈጸመን ከኣ ምዝካር የድሊ። ገሊኦም ዝኣምንዎ ፡ ግዝኣት ሰሎሞን ቃል ብቓል ፍጻመ ትንቢት እዩ ፡ ግን ከኣ ጸገም ኣለዎ ። እቲ ሰሎሞን ሒዝዎ ዝነበረ ግዝኣት ሎሚ ኣብ ትሕቲ እስራኤል የለን ፡ ከምኡውን ሰሎሞን ኣይኰነን ኣብ እስራኤል ዝገዝእ ዘሎ። ኣምላኽ ንዘርኢ ኣብርሃም ንሓዋሩ ከምዘረስትዮም ዝኣተዎ መብጽዓ ዘክር። ብተወሳኺ ኣብ 2 ሳሙኤል 7 ፡ ኣምላኽ ንዘልኣለም ዝገዝእ ንጉስ ከምዘቚም እዩ ዝብል። እቲ ንዳዊት ዝተነግረ መብጽዓ ፡ መፈጸምትኡ ኣብ ሰሎሞን ረኺቡ ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ፡ እዚ ገና ብሕጂ ክፍጸም ዘለዎ መብጽዓ እዩ።

ሕጂ ፡ እዚ ኲሉ ኣብ ሓሳብና ኣቋጺርና ፡ ነቲ ኣብ ራእይ 20፡1-7 ተሰኒዱ ዘሎ ንመርምሮ ። ኣብዚ ክፍሊ-ጽሑፍ ብተደጋጋሚ ተረቚሑ ዘሎ ሽሕ ዓመት ፡ ምስቲ ክርስቶስ ናብ ምድሪ መጺኡ ቃል ብቓሉ ን 1000 ዓመት ዝገዝኦ እዩ ዝሳነ። እቲ ብዛዕባ ገዛኢ ንዳዊት ዝተዋህበ መብጽዓ ገና ኣይተፈጸመን እዩ ዘሎ ፡ቃል ብቓሉ ብሕጂ እዩ ክፍጸም ዘለዎ። ቅድመ-ሽሕ ዓመት ነዚ ናይቲ ዝመጽእ ግዝኣት ክርስቶስ መፈጸምታ ዝገልጽ ክፍሊ-ጽሑፍ ጌሩ ይሪኦ። ኣምላኽ ምስ ኣብርሃምን ዳዊትን ዘይኲነታዊ ኪዳናት ኣትዩ። ካብዘን ኪዳናት ዋላ ሓንቲ ብምልኣት ወይ ንሓዋሩ ዝተፈጸመት የለን። እቲ ኣካላዊ ግዝኣት ክርስቶስ ጥራይ እዩ ናይቲ ኣምላኽ ዝኣተዎ መብጽዓ ፡ መፈጸምታ ኪዳናት ክኸውን ዝኽእል ፡፡

ቃል ብቓል ኣተራጒማ ኣብቲ ጽሑፍ ምጥቃም፡ ካብቲ ናይ ሓባር ግድል ዝመጸ እዩ። ኲሎም እቶም ብዛዕባ ቀዳማይ ምምጻእ የሱስ ዝነገሩ ትንቢታት ብሉይ ኪዳን ፡ ቃልብቓል እዮም ተፈጺሞም። እምበኣር ፡ እቶም ብዛዕባ ዳግማይ ምጽኣቱ ዝነግሩ ትንቢታት እውን ፡ ቃልብቓል ክፍጸሙ ክንጽበዮም ኣለና። ምስቲ ናይ ቃል ብቓል ኣተራጒማ ኪዳናት ኣምላኽን ፡ ትንቢታት ፍጻሜ ዘመንን ዝሰማማዕ እንኮ ኣገባብ ድማ ቅድመ-ሽሕ ዓመት እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ ቅድመ- ሽሕ ዓመት?
© Copyright Got Questions Ministries