settings icon
share icon
ሕቶ

ቅድመ-ምደባ እንታይ እዩ? ቅድመ-ምደባ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ?

መልሲ


ሮሜ 8፡29-30፡ ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም። ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም። ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም። ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም ይብለና። ኤፌሶን 1፡5,11 ከምዚ ይብል፡ በቲ ፍቁር ብእኡ ዝጸገወና፡ ብፍታው ፍቓዱ ብየሱስ ክርስቶስ ንርእሱ ውሉድ ክንኰኖ ቐደም መደበና። ንሕና በቲ ዅሉ ኸምቲ ምኽሪ ፍቓዱ ብሓሳቡ ዚገብር ቀደም ተመደብና ። ብዙሓት ሰባት ንምህሮ ቅድመ- ምደባ ከም ሕሱም ይፈርህዎ እዮም ፡፡ ኰይኑ ግዳ ፡ ቅድመ-ምደባ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምህሮ እዩ ፡፡ እቲ መፍትሕ ፡ ብመጽሓፍ ቅዱሳዊ ኣጠማምታ ቅድመ-ምደባ እንታይ ማለት ምዃኑ ምርዳእ እዩ፡

ኣብ ቅዱስ ጽሑፍ ዘሎ ቅድመ-ምደባ ዝብል ቃል ፡ ኣብቲ ናይ ግሪኽ "ፕሮሪዞ" ይብሎ ፡ ቅድሚ ግዚኡ ምምዳብ ፡ ምስራዕ ፡ ቅድሚ ምዃኑ ምውሳን ዝብል ትርጉም ይሕዝ ፡፡ ስለዚ ቅድመ-ምደባ ክብሃል ከሎ፡ ንገለ ውሱናት ነገራት ቅድሚ ግዚኦም ኣምላኽ ክምድቦም ከሎ ማለት እዩ። ኣምላኽ ቅድሚ ግዜ እንታይ መዲቡ ኔሩ? ብመሰረት ሮሜ 8፡ 29-30 ፡ ኣምላኽ ንገለ ውሱናት ሰባት ንምስሊ ወዱ ክመስሉ ፡ ክጽውዑ ፡ ክጸድቁን ክኸብሩን ኣቐዲሙ መዲብዎም። ብቐንዱ ፡ ኣምላኽ ገለ ውሱናት ሰባት ክድሕኑ ኣቐዲሙ መዲቡ። ብዙሓት ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣመንቲ ክርስቶስ ሕሩያት ክብሉ ይውከስዎም እዮም (ማቴዎስ 24፡22,31 ፥ ማርቆስ 13፡20,27 ፥ ሮሜ 8፡33, 9፡11,11፡5-7, 28 ፥ ኤፌሶን 1፡11 ፥ ቆሎሴ 3፡12 ፥ 1 ተሰሎንቄ 1፡4 ፥1 ጢሞቴዎስ 5፡21 ፥ 2 ጢሞቴዎስ 2፡10 ፥ ቲቶ1፡1፥ 1 ጴጥሮስ 1፡ 1-2 ,2፡9 ፥ 2 ጴጥሮስ 1፡10)፡፡ ቅድመ-ምደባ ክብሃል ከሎ ፡ ኣምላኽ ብልኡላውነቱ ንገለ ውሱናት ሰባት ክድሕኑ ይመርጽ ዝብል መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምህሮ እዩ ፡፡

ኣብ ምህሮ ቅድመ-ምደባ ዝለዓል ኣዝዩ ልሙድ ተቓውሞ ፡ ዘይፍትሓዊ እዩ ዝብል እዩ። ንምንታይ ኰን እዩ ኣምላኽ ንኲሉ ዘይኰነ ንገለ ሰባት ጥራይ ዝመርጽ? ሓደ ሰብ እኳ ክድሕን ከምዘይግብኦ ፡ ምዝካሩ ኣገዳሲ ነገር እዩ ። ኩልና ሓጢእና ኢና (ሮሜ 3፡23) ፡ ዘልኣለማዊ ኲነኔ ድማ ይግብኣና (ሮሜ 6፡23)። ከም ውጽኢቱ ድማ ፡ ኣምላኽ ንዘልኣለም ኣብ ገሃነም ክዳጉነና እንተፈቐደ ፍጹም ፍትሓዊ እዩ። ኰይኑ ግና ፡ ኣምላኽ ገለ ካባና ከድሕን መረጸ። ነቶም ዘይተመርጹ ዘይፍትሓዊ ኣይኰነን ፡ እቲ ዝግብኦም እዮም ዝወስዱ ዘለዉ። ሕርያ ኣምላኽ ንገሊኦም ክመርጽ ከሎ ፡ ንካልኦት ዘይፍትሓዊ ኣይኰነን። ካብ ኣምላኽ ገለ ክቕበል ዝግብኦ ሓደ'ኳ የልቦን ፡ እምበኣር ፡ ሓደ'ኳ ካብ ኣምላኽ ገለ ነገር ኣይተቐበልኩን ኢሉ ክቃወም ኣይክእልን እዩ። ንምሳሌ፡ ሓደ ሰብኣይ ፡ ካብ ማእከል ዕስራ ሰባት ሓሙሽተ ሰብ ፈልዩ ገንዘብ እንተሃቦም ፡ እቶም ገንዘቡ ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ሓሙሽተ ሰባት ብእኡ ይጉህዩ ድዮም ? ምናልባሽ ፡ እንድዒ። ክጉህዩ መሰል ኣለዎም ዶ ? ኣይፋሎምን እምበር። ስለምንታይ? ነቲ ሰብኣይ ገንዘቡ ዝእውዶ ሰብ ስለዘየለ። ብከምኡ ደኣ እዩ ንገሊኦም ክጽጉ ወሲኑ ፡፡

መን ይድሕን ኣምላኽ ይመርጽ እንተልዩ ደኣ፡ ነቲ ብውሳነና ኣብ ክርስቶስ ክንኣምን ዝገብረና ናጻ ፍቓድና ትሑት ግምት ኣይህቦን'ዶ ? መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ፡ ኩልና ምርጫ ኣሎና። ኲሎም እቶም ብየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑ ክድሕኑ እዮም (ዮሃንስ3፡16 ፥ሮሜ10፡9-10)። መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ነቲ ብእኡ ዝኣምን ዝድርብን ፡ ነቲ ዝደልዮ ዝሓድግን ኣይብልን እዩ (ዘዳግም 4፡29)። ከም ገለ ፡ኣብቲ ናይ ኣምላኽ ምስጢር፡ ቅድመ-ምደባ ምስ ብኣምላኽ ምስሓብን (ዮሃንስ 6፡44)፡ ንምድሓን ምእማንን (ሮሜ 1፡16) ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዙ ይኸይድ እዩ። መን ይድሕን ኣምላኽ መዲብዎ ኣሎ ፡ ምእንቲ ክንድሕን ድማ ንክርስቶስ ክንመርጽ ይግባእ ፡፡ ክልቲኦም ሓቅታት ብማዕረ ሓቂ እዮም። ሮሜ 11፡33 ከምዚ ኢሉ ኣዊጅዎ ኣሎ፡ ወዳጄ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ!

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ቅድመ-ምደባ እንታይ እዩ? ቅድመ-ምደባ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries