settings icon
share icon
ሕቶ

ከመይ ጌረ እየ ኣማላኽ ንጸሎተይ ከም ዝምልሰለይ ዝገብር?

መልሲ


ብዙሓት ሰባት ዝተመለሰ ጾሎት ማለት ኣምላኽ ናብኡ ንዝቐረበ ናይ ጸሎት ሕቶ ክህብ ከሎ ማለት እዩ ኢሎም ይኣምኑ። እንተድኣ ናይ ጸሎት ሕቶ እንተዘይተዋሂቡ፡ “ከምዘይተመለሰ” ጸሎት እዩ ዝውሰድ። ኮይኑ ግን እዚ ግጉይ መረዳእታ ናይ ጸሎት እዩ። ኣምላኽ ናብኡ ዝበጸሐ ነፍሲ-ወከፍ ሕቶ ይምልስ። ሓደ ሓደ ግዜ ኣምላኽ “ ኣይፋል” ወይ “ጽናሕ” ኢሉ ይምልስ። ኣምላኽ ንሕና ዝጸለናዮ ክህበና ተስፋ ዝህበና ድማ ከም ፍቓዱ ምስ ንሓትት ጥራይ እዩ። “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ።ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።” (1 ዮሃንስ 5፡14-15)

ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጽላይ ማለት እንታይ ማለት እዩ? ከም ፍቓድ ኣምላኽ ምጽላይ ማለት ንእግዚኣብሄር ዘኽብሩን ዘዕብዩን ነገራት ምጽላይ ማለት እዩ ከምኡድማ/ወይ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዝገልጾ ክኸውን ዘለዎ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ሓደ ንኣምላኽ ዘየኽብር ነገር ወይ ንሂወትና ፍቓድ ኣምላኽ ዘይኮነ ነገር እንተዳኣ ጸሊና፡ ኣምላኽ ድማ ዝሓተትናዮ ኣክህበናን እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ሙዃኑ ንፈልጥ? እግዚኣብሄር ጥበብ ክንሓትት ከሎና ንዑኡ ክህበና ተስፋ ይህበና። ያዕቆብ 1፡5 ከምዝገልጾ “ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ።” መጀመሪ ዝኸውን ጽቡቕ ቦታ ድማ ኣብ 1 ተሰሎንቄ 5፡12-24፡ ንዓና ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ዝኾኑ ብዙሓት ነገራት ይዝርዝር። ናይ ኣምላኽ ቃል ብዝበለጸ ምስ እንርደኦ፡ ብዝበለጸ ድማ እንታይ ክንጽልይ ከምዘሎና ክንፈልጥ ኢና (ዮሃንስ 15፡7)። እንታይ ክንጽሊ ከምዘሎና ብዝበለጸ ምስእንፈልጥ፡ ኣምላኽ ድማ ወትሩ ብዝያዳ “ ሕራይ” ኢሉ ንሕቶታትና ክምልስ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ከመይ ጌረ እየ ኣማላኽ ንጸሎተይ ከም ዝምልሰለይ ዝገብር?
© Copyright Got Questions Ministries