settings icon
share icon
ሕቶ

ብስም የሱስ ኢልካ ምጽላይ ማለት እንታይ ማለት እዩ?

መልሲ


ብስም የሱስ ምጽላይ ኣብ ዮሃንስ 14፡ 13-14 ኢና እንምሃሮ “ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ።” ገለ ነዛ ጥቕሲ ኣብ ዘይቦታኣ ይጥቀሙላ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ ጸሎቶም “ብስም የሱስ” ምባል ኩሉግዜ ኣምላኽ ንዝተሓተተ ይህብ እዩ ኢሎም ብምሕሳብ እዩ። እዚ “ ብስም የሱስ” ዝብል ቃላት ከም ኣገዳሲ ናይ ማጂክ ሜላ ይርእይዎ። እዚ ፈጺሙ ዘይመጽሓፍ ቅዱሳዊ እዩ።

“ብስም የሱስ” ኢልካ ምጽላይ ማለት በቲ ናቱ ስልጣን ምጽላይን ከምኡ ድማ ንእግዚኣቢሄር ኣቦ ኣብ ጾሎትና ክዓዪ ምሕታት እዩ፡ ምኽንያቱ ብስም ወዱ የሱስ ኢና ንመጽእ። ብስም የሱስ ኢልካ ምጽላይ ማለት ልክዕ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ጌርካ ማለት እዩ፡ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።” (1 ዮሃንስ 5፡ 14-15)። ብስም የሱስ ምጽላይ ማለት ንየሱስ ዘኽብርዎን ዘዕብይዎን ነገራት ምጽላይ ማለት እዩ።

ኣብ መወዳእታ ናይ ሓደ ጸሎት “ብስም የሱስ” ምባል ናይ ማጂክ ሜላ ኣይኮነን። እንተድኣ እቲ ኣብ ጾሎት ንሓቶ ወይ ንብሎ ንኽብሪ ኣምላኽን ከምፍቓዱን እንተዘይኮይኑ፡ “ብስም የሱስ” ምባል ትርጉም የብሉን።

ብሓቂ ብስም የሱስን ምጽላይን ከምኡ ድማ ንኽብሩ ምጽላይን እንተኾይኑ እዩ እቲ ኣገዳሲ ነገር እምበር ኣብ መወዳእታ ናይ ጾሎት ገለ ቃላት ምልጋብ ኣይኮነን። እቶም ኣብ ጾሎት ዘለው ቃላት ኣይኮኑን እቶም ዘገድሱ፡ እንታይ ድኣ እቲ ድሕሪ ጾሎት ዘሎ ዕላማ እዩ ኣገዳሲ። ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዝሰማምዑ ነገራት ምጽላይ እዩ እቲ ትርጉም ወይ ሕመረት ናይ ብስም የሱስ ምጽላይ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ብስም የሱስ ኢልካ ምጽላይ ማለት እንታይ ማለት እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries