settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስእለ-ጽዩፍ እንታይ ይብል?

መልሲ


እቲ ቀንዲ ኣብ ኢንተርነት ዝፍተሽ ቃላት ምስ ስእለ-ጽዩፍ ዝተኣሳሰር እዩ። ሎሚ ኣብ ዓለም ስእለ-ጽዩፍ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ኮይኑ ኣሎ። ልዕሊ ዝኾነ ነገር ሰይጣን ምናልባት ኣብ ምጥምዛዝን ምግልባጥን ጾታዊ-ርክብ ተዓዊቱ እዩ። ንሱ እቲ ጽቡቕን ቅኑዕን (ፍቕራዊ ጾታዊ ርክብ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን) ወሲዱ ብ ብትምኒት፡ ስእለ-ጽዩፍ፡ ዝሙት፡ ጾታዊ ዓመጽን ግብረ-ሰዶምን ለዊጥዎ። ስእለ-ጽዩፍ እቲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ መንሸራተቲ መገዲ ናይ ወትሩ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ክፍኣትን ብዕልግናን ክኸውን ይኽእል እዩ (ሮሜ 6፡19)። እቲ ኣወላፊ ባህሪ ናይ ስእለ-ጽዩፍ ከኣ ግርም ጌሩ ተጸኒዑ ተሰኒዱ እዩ። ልክዕ ከም ተጠቃሚ ሓሽሽ “ላዕሊ” ንምብጻሕ ብርክት ዝበለ ብዝሒ ናይ ሓሽሽ ወይ ኣዝዩ ብርቱዕ ዕጸፋርስ ክወስድ ዘለዎ፡ ስእለ-ጽዩፍ ከኣ ንሰብ እናዓሞቐ ዝኸይድ ናብ ጋህዲ ዝኾነ ከቢድ ጾታዊ ወልፍታትን ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ድሌታትን ይመርሖ።

እቶም ሰለስተ ምድባት ናይ ሓጥያት ድማ ፍትወተ ስጋ፡ ፍትወተ የዒንቲን ንብረት ትዕቢትን እዮም። (1 ዮሃንስ 2፡16)። ብርግጽ ስእለ-ጽዩፍ ፍትወተ ስጋ የለዓዕል ከምኡ ድማ ብዘይክሓድ መገዲ ፍትወተ የዒንቲ እዩ። ልክዕ እዩ ስእለ-ጽዩፍ ሓደ ካብቶም ብመሰረት ፊሊጲ 4፡8 ክንሓስቦም ብዛዕባ ዘለዉና ኣይኣቱን እዩ። ስእለ-ጽዩፍ ኣወላፊ እዩ (1 ቆሮንጦስ 6፡12፡ 2 ጴጥሮስ 2፡19) ከምኡ ድማ ኣዕናዊ እዩ (ምሳሌ 6፡25-28፡ ህዝቂኤል 20፡30፡ ኤፌሶን 4፡19)። ምስ ካልኦት ሰባት ብሓሳብና ፍትወት ምምናይ፡ እዚ ከኣ ቀንዲ ሕመረት ናይ ስእለ-ጽዩፍ ኮይኑ፡ ንኣምላኽ ዘቖጥዕ እዩ (ማቴዎስ 5፡28)። እንተድኣ ዝውቱር ዝኾነ ፍቕሪ ንስእለ-ጽዩፍ ናይ ሓደ ሰብ ሂወት መለለዪኡ ኮይኑ እሞ ንሱ/ንሳ ድማ ሓገዝ ከይሓተቱ፡ ንሙቁራጹ ከይፈተኑ ወይ ዝኾነ ናቱ/ናታ ባህሪ ንምልዋጥ ዝኾነ ድሌት እንተዘይተሰሚዕዎም እሞ ሓጥያት ምግባር እንተድኣ ቀጺሎም፡ እዚ እቲ ሰብ ከምዘይድሕን የርኢ (1 ቆሮንጦስ 6፡9-12)።

ነቶም ኣብ ስእለ-ጽዩፍ ኣትዮም ዘለው፡ ኣምላኽ ዓወት ክህብ ይኽእል እዩ ክህብ ድማ እዩ። ኣብ ስእለ-ጽዩፍ ኣቲኻ ዲኻ ዘሎኻ እሞ ካብ’ኡ ድማ ሓርነት ትደሊ ዶ? ኣብ’ዚ ኣለው ገለ ስጉምትታት ናይ ዓወት፡ 1) ሓጥያትካ ናብ ኣምላኽ ተነሳሕ (1 ዮሃንስ 1፡9)። 2) ኣምላኽ ከንጽሃኩም፡ ከሕድሰኩምን ንኣእምሮኹም ድማ ክልውጦን ሕተቱዎ (ሮሜ 12፡2)። 3) ኣምላኽ ንኣእምሮኹም ብ ሓቂ ፡ ርዝነት፡ ቅኑዕ፡ ንጹህ፡ ተፈታዊን ንእዳ ዘለዎን ነገራት ክመልኦ ሕተትዎ (ፊሊጲ 4፡8)። 4) ኣካላትኩም ብቕድስና ንምሓዙ ተምሃሩ (1 ተሰሎንቄ 4፡3-4)። 5) ግቡእ ትርጉም ናይ ጾታዊ ርክብ ተረድኡን ነቲ ድሌት ንምርካብ ድማ ኣብ መጻምድኹም ጥራይ ተሞርኮሱ (1 ቆሮንጦስ 7፡1-5) ። 6) ብመንፈስ እንተድኣ ተመላሊስኩም፡ ትምኒት ስጋ ከምዘይትፍጽሙ ተረድኡ (ገላትያ 5፡16)። 7) ናብ ናይ ቪድዮ ስእልታት ምቅላዕ ንከተጉዱሉ ግብራዊ ስጉምቲ ውሰዱ። ናይ ስእለ-ጽዩፍ መዕገቲታት ኣብ ኮምፕዩተርኩም ጽዓኑ፡ ኣጠቓቕማኹም ንቴለቪዥንን ቪድዮን ደርትዎን ከምኡ ድማ ዝጽልየልኩምን እናተኸታተለ ዝሕዘኩምን ካልእ ክርስትያን ኣናድዩን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስእለ-ጽዩፍ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries