settings icon
share icon
ሕቶ

እንስሳታት ናብ ገነት ይኣትዉዶ፤ እንስሳታት ነፍሲ ኣለዎምዶ?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እንስሳታት ነፍሲ ከም ዝውንኑ ኮነ ንገነት ከም ዝኣትዉ ብንጹር ኣይነግርን፡፡ ይኹን እምበር በቶም ምህሮታት ወይ ኣምራት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና ከነነጽሮ ንኽእል ኢና፡፡ ሰብን እንስሳታትን ትንሳፋስ ህይወት ከም ዘለዎም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ (ዘፍጥረት 2፡7፤ 1፡30፤ 6፡17፤ 7፡15,22)፡፡ እቲ ኣውራ ፍልልይ ሰብን እንስሳታት ግና ሰብ ብምስሊ ኣምላኽ ክፍጠር እንከሎ (ዘፍጥረት 1፡26-27)፡ እንስሳታት ግና ምስሊ ኣምላኽ የብሎምን፡፡ ሰባት ብምስሊ ኣምላኽ ዝተፈጥሩ ብምዃኖም ድማ መንፈሳውነት፡ ኣእምሮ፡ ስምዒትን ፍቓድን ይውንኑ ከምኡ ድማ ብስጋ ድሕቲ ምሟቶም ህይወት ኣለዎም፡፡ እንስሳታት ግና ነፍሲ የብሎምን፡ ካብ ስግኦም ወጻኢ ካልእ ኣካል ምስ ዝህልዎም ከኣ ካብቲ ናይ ሰብ ዝተፈልየ ወይ ዝተሓተ እዩ፡፡ ነዚ ፍልልይ ፈሊጥና ኸኣ ነፍሲ(ህይወት) እንስሳታት ድሕሪ ሞት ስግኦም ኣይቅጽልን እዩ ክንብል ንደፍር፡፡

ካልእ ክዝከር ዘሎዎ ረቛሒ ድማ እንስሳታት ሓደ ካብቲ ኣምላኽ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ዝገበሮ መስርሕ ፍጥረት እዮም፡፡ ኣምላኽ እንስሳታት ፈጢሩ ጽቡቕ እዩ በለ (ዘፍጥረት 1፡25)፡፡ ስለዚ ኣብታ ሓዳሽ ምድሪ፡ እንስሳታት ዘይህልውሉ ወይ ዘይሕደስሉ ምኽንያት የልቦን (ራእይ 21፡1)፡፡ ኣብቲ ንግስነት ሽሕ ዓመት ብርግጽ እንስሳታት ኣለዉ (ኢሳይያስ 11፡6፤ 65፡25)፡፡ እዞም እንስሳታት እዚኣቶም እቶም ሕጂ እንፈልጦም፡ ዝሓዝናዮም ወይ ዘልመድናዮም ምዃኖም ግና ኣርጊጽና ክንፈልጥ ኣይንኽልን፡፡ ኣምላኽ ፍጹም ፍትሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና እሞ ኣብ ገነት ምስ ኣቶና፡ ኣብኡ ዝውስኖን ዝገብሮን ብምልኣት ክንሕጎሰሉ ኢና፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንስሳታት ናብ ገነት ይኣትዉዶ፤ እንስሳታት ነፍሲ ኣለዎምዶ?
© Copyright Got Questions Ministries