settings icon
share icon
ሕቶ

ንምንታይ እዩ ኣብ ዝተወደበ ሃይማኖት ክኣምን ዘሎኒ?

መልሲ


መዝገበ ቃላት ን ሃይማኖት ዝህቦ መግለጺ፡ ከም እምነት ኣብ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣማልኽቲ ዘመሰለን ፡ ብኣገባብን ብስርዓትን ዝግለጽ ፡ ዝዀነ ዝተፈለየ ስርዓተ እምነት ፡ ኣምልኾ ፡ ወዘተ…መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ደንቢ ስነምግባር ዘለዎ እዩ። ብመንጽር እዚ መግለጺ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝተወደበ ሃይማኖት ይዛረበሉ እዩ ፡ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ፡ ዕላማን ጽልዋን ናይ ዝተወደበ ሃይማኖት ፡ ኣምላኽ ዝተሓጐሰሉ ነገር ኣይኰነን ፡፡

ኣብ ምዕራፍ 11 ናይ ዘፍጥረት ፡ ምናልባት እቲ ናይ ፈለማ ተርእዮ ዝተወደበ ሃይማኖት ኣሎ ፡ ደቂ ኖህ ንኲላ ምድሪ ምልእዋ ዝብል ትእዛዝ ኣምላኽ ክንዲ ዝሰምዑ፡ንግምቢ ባቤል ክሃንጹ ተወዳዲቦም። ካብቲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎም ዝምድና ፡ እቲ ሕብረቶም ዝያዳ ገደሶም። ኣምላኽ ወሪዱ ፡ ንቋንቋኦም ደባለቐ፡ስለዚ ኸኣ ነቲ ዝተወደበ ሃይማኖቶም ኣፍረሶ።

ኣብ ምዕራፍ 6 ናይ ዘጸኣትን እቲ ዝሰዓበን ፡ ኣምላኽ ንሃገረ እስራኤል ሃይማኖት ወዲብላ። እተን ዓሰርተ ትእዛዛት ፡ ንማሕደር ዝምልከቱ ሕጋጋት ፡ ናይ መስዋእቲ ስርዓታትን ፡ እዚ ኲሉ ደቂ እስራኤል ክስዕብዎ ዘለዎም ብኣምላኽ ዝተሰርዓሎም እዩ። ተወሳኺ መጽናዕቲ ሓድሽ ኪዳን ከምዘነጽሮ፡ ናይዚ ሃይማኖት ሃቐና ናብቲ መድሓኒ-መሲሕ ምምልካት ነበረ (ገላትያ 3 ፡ ሮሜ 7)። እንተዀነ ግና ፡ ብዙሓት ነዚ ሰኣን ምርድኦም ፡ ኣብ ክንዲ ንኣምላኽ ነቲ ሕጋጋትን ስርዓታትን ደኣ ኣምለኽዎ ።

ኣብ ሙሉእ ታሪኽ እስራኤል፡ ካብቶም እስራኤላውያን ዝተሞኮርዎም ብዙሓት ግጭታት ድማ ውግእ ምስ ዝተወደቡ ሃይማኖታት እዩ ዝነበረ ፡፡ ካብቶም ኣብነታት ፡ ኣምልኾ በዓል የጠቓልል (መሳፍንቲ 6 ፥1 ነገስት 18 ) ፡ ዳጎን (1ሳሙኤል 5) ፡ ሞሌኽ (2 ነገስት 23፡10) ፡፡ኣምላኽ ንሰዓብቲ እዘን ሃይማኖታት ብምስዓር ልኡላውነቱን ኩሉ ከኣልነቱን ኣርኣየ ፡፡

ኣብተን ወንጌላት ፡ ኣብ ዘመን ክርስቶስ ዝነበሩ ፈሪሳውያንን ሰዱቓውያንን ተወከልቲ ዝተወደበ ሃይማኖት ነበሩ፡፡ የሱስ ቀጻሊ እዩ ነቲ ግጉይ ትምህርቶምን ንግብዝና ናይ ህይወቶምን

ፊትንፊት ዝገጥሞ ኔሩ። ኣብተን መልእኽታት ፡ ንወንጌል ምስ ገለ ግብርታትን ምስ ስርዓትን ዝሓዋወሱ ጉጅለታት ኔሮም። ኣብቶም ኣመንቲ ጸቕጢ እናገበሩ ኣብቲ ክርስትናኦም ሃይማኖት ክውስኹ ኣበርቲዖም ደለዩ። ገላትያን ቆሎሴን ብዛዕባ ከምዚአን ሃይማኖታት መጠንቀቕታ ሂበን እየን። ኣብ መጽሓፍ ራእይ ከኣ፡ ዝተወደበ ሃይማኖት ኣብ ዓለም ክጸልው እዩ፡ እዚ ከኣ እቲ ጸረ-ክርስቶስ ሓደ-ሃይማኖት ዓለም ምስ ተኸለ እዩ።

ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ፡ ናይ ዝተወደበ ሃይማኖት መወዳእታ ውጺኢት ድማ ካብ ሓሳብ ኣምላኽ ኣቓልቦ ምጥምዛዝ እዩ። ይኹን ደኣምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ኣብ መደብ ኣምላኽ ዘለዉ ዝተወደቡ ኣመንቲ ይዛረበሎም እዩ። ኣምላኽ ነዞም ዝተወደቡ ኣመንቲ ቤተክርስትያናት ይብሎም። ካብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን መልእኽታትን ዘለዉ መግለጺታት ዘመልክትዎ፡ ቤተክርስትያን ክትውደብን ንሓድሕዳ ክትተሓጋገዝን ከምዘለዋ እዩ። እቲ ውዳበ ናብ ሓለዋን ፍርያምነትን ዝርጋሐን ይመርሕ (ግብሪ ሃዋርያት 2፡4-47)። ጉዳይ ቤተክርስትያን እንተርኢናዮ ፡ ዝተወደበ ዝምድና እንተበልናዮ ይሓይሽ ፡፡

ሃይማኖት ፡ ሰብ ምስ ኣምላኽ ንክራኸብ ኢሉ ዝገብሮ ፈተነ እዩ ፡፡ እምነት ክርስትያን ዝምድና ምስ ኣምላኽ እዩ እዚ ድማ ሳላ እቲ ኣምላኽ ብበጃነት የሱስ ክርስቶስ ዝገበረልና እዩ። ንኣምላኽ ንምብጻሕ መደብ የልቦን (ንሱ እዩ በጺሑና ሮሜ 5፡8)፡፡ ትምክሕቲ የልቦን (ኲሉ ብጸጋ እዩ ኤፌሶን 2፡8-9)። ኣብ መሪሕነት ግርጭት የልቦን(እቲ ርእሲ ክርስቶስ እዩ ፡ ቆሎሴ 1፡8)። ኣድልዎ የልቦን (ኩላትና ሓደ ኢና ብክርስቶስ፡ገላትያ 3፡28)። ምውዳብ ኣይኰነን እቲ ጸገም። እቲ ጸገም ኰይኑ ዘሎ ኣብቲ ሃይማኖት ዘሎ ሕግን ስርዓትን ምትኳር እዩ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ንምንታይ እዩ ኣብ ዝተወደበ ሃይማኖት ክኣምን ዘሎኒ?
© Copyright Got Questions Ministries