settings icon
share icon
ሕቶ

ሓንሳእ ምስ ደሓንካ ንኹሉሳዕ ድሑን ዲኻ?

መልሲ


ሰብ ሓንሳእ ድሕነት ምስ ረኸበ ንኹሉግዜ ድሑን ድዩ፤ ሰብ ንክርስቶስ ከም መድሓኒኡ ምስ ተቐበሎ ናብ ኣምላኽ ይቐርብ እሞ ንዘልኣለም እተዋሕሰ ድሕነት ይረክብ፡፡ እዚ ኣብ ብዙሕ ጥቕስታት ተኣዊጁ ኣሎ፡ ሀ)ሮሜ 8፡30 ከምዚ ይብል፡ ነቶም ቀደም ዝመደቦም፡ ንኣታቶም ከኣ ጸውዖም፡፡ ነቶም ዝጸውዖም፡ ንኣታቶም ድማ ኣጽደቖም፡፡ ነቶም ዘጽደቖም፡ ንኣታቶምውን ኣኽበሮም፡፡ ካብታ ኣምላኽ ዝሓረየና ህሞት ጀሚርና ኣብ ሰማይ ኣብ ቅድሚኡ ከም እንኸብር እዛ ጥቕሲ ትነግረና፡፡ ኣምላኽ ባዕሉ ኣብ ሰማይ ስለ ዝመደቦ ኸኣ እቲ ኣማኒ ሓደ መዓልቲ ናብ ክብሪ ክመጽእ ዝኽልክሎ የልቦን፡፡ ሓደ ሰብ ምስ ጸደቐ እታ ምድሓኑ ርግጽቲ ወይ ውሕስቲ እያ፡፡ ድሮ ኣብ ሰማይ ከም ዝኸበረ እዩ ዝቑጸር፡፡

ለ)ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 8፡33-34 ክልተ ዓበይቲ ሕቶታት የቕርብ፡ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዝኸሶም መን እዩ፤ ኣምላኽ እዩ እቲ ዘጽድቕ፡፡ እቲ ዝኹንንከ መን እዩ፤ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፤ ኤረ ኻብ ምውታት እካ ዝተንስአ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኮይኑውን ምእንታና ዝልምን ዘሎ እዩ፡፡ ኣብቶም ሕሩያት ኣምላኽ ዝኸስስ ወይ ዝቃወም መን እዩ፤ ክርስቶስ ጠበቓና ስለ ዝኾነ ክኸስስ ዝደፍር የልቦን፡፡ መንከ ክኹንኖም ይኽእል፤ ምኹናን ዝከኣሎስ እቲ ምእንታና ዝሞተ ክርስቶስ ጥራይ እዩ እሞ ዝኹንን ኣይርከብን፡፡ እቲ ጠበቓን ፈራድን ንሱ ባዕሉ እቲ መድሓኒና እዩ፡፡

ሐ) ኣመንቲ ኣብታ ዝኣመኑላ ህሞት ዳግማይ ይውለዱ (ይፍጠሩ) (ዮሃንስ 3፡3፤ ቲቶስ 3፡5)፡፡ ክርስትያን ድሕነቱ ንኽስእን እቲ ዳግማይ ምውላዱ ክግልበጥ ኣለዎ፡፡ እቲ ዳግም ምውላድ ክግልበጥ ከም ዝኽእል ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ የልቦን፡፡ መ) መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ኣመንቲ ይቕመጥ (ዮሃንስ 14፡17፤ ሮሜ 8፡9) ንኹሎም ኣመንቲ ድማ ናብ ስጋ ክርስቶስ የጥምቖም (1ቆሮንጦስ 12፡13)፡፡ እቲ ዝኣመነ ካብ ድሕነት ክጠፍእ ከኣ መንፈስ ቅዱስ ካብኡ ክወጽእን ካብ ስጋ ክርስቶስ ክብተኽን ኣለዎ፡፡

ረ) ዮሃንስ 3፡15 ድማ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዝኣመነ ዘበለ ኹሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ ይብለና፡፡ ሎሚ ኣብ ክርስቶስ ኣሚንካ ዘልኣለማዊ ህይወት ረኺብካስ ንጽባሕ ምስ ትስእና ግና ብቐደሙ ኸማን ህይወት ዘልኣለም ኣይነበረትን ማለት እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂሉ ዘሎ ዘልኣለማዊ ህይወት ግጉይ ክኸውን እዩ፡፡ ሰ) መጽሓፍ ቅዱስ ባዕሉ ኸኣ ካልእ ደምዳሚ ምጉት ይህብ፡ ሞት ኮነ ህይወት፡ መላእኽጺ ኾኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ኮነ ዝመጽእ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ኮነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተኾነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጎይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ክፈልየና ከም ዘይኮነሉ ኣርጊጸ ኣለኹ እሞ በዚ ኹሉ በቲ ዘፍቅረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና፡፡ (ሮሜ 8፡38-39)፡፡ እቲ ዘድሕን ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ዝሕልወካ፡፡ ሓንሳእ ምስ ደሓንና ንኹሉ ግዜ ድሑናት ኢና፡፡ ድሕነትና ንዘልኣለም ውሑስ እዩ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ሓንሳእ ምስ ደሓንካ ንኹሉሳዕ ድሑን ዲኻ?
© Copyright Got Questions Ministries