settings icon
share icon
ሕቶ

ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን እንታይ እዮም?

መልሲ


እቲ ሓድሽ ምድሪ ናይ ዘልኣለም መንበሪ ቦታ ናይ ኣምነቲ የሱስ ክርስቶስ ክኸውን እዩ። እቶም ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ሓደ ሓደ ግዜ ከኣ ከም እቶም “ዘልኣለማዊ ሃገር” እዮም ዝርኣዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ውሑድ ዝርዝር ናይ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን እዩ ዝህበና።

እዞም ዘለው ሰማይን ምድርን ካብ ነዊሕ ኣትሒዞም ብሰንኪ ናይ ደቂ-ሰብ ሓጥያት ብናይ ኣምላኽ መርገም ተገዚኦም እዮም። ብዘሎ እቲ ፍጥረት “ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ ኣሎና” (ሮሜ 8፡22) ምልኣት መደብ ኣምላኽ እናተጸበዩን “ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ ኣሎ” (ቁጽሪ 19)። ሰማይን ምድርን ክሓልፉ እዮም (ማርቆስ 13፡31)፡ ንሳቶም ድማ ብሓድሽ ሰማይን ምድርን ክትክኡ እዮም። ኣብ’ቲ ግዜ’ቲ፡ እግዚኣብሄር፡ ኣብ ዝፋኑ ተቐሚጡ፡ “ንኹሉ የሐድሶ ኣለኹ!” ክብል እዩ (ራኢ ዮሃንስ 21፡5)። ኣብ’ቲ ሓድሽ ፍጥረት፡ ሓጥያት ጠቕላላ ክውገድ እዩ፡ ከምኡ ድማ “ድሕሪ ደጊም መርገም ኣይክህሉን እዩ” (ራኢ ዮሃንስ 22፡3፡ NKJV)

እቲ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ድማ ኣብ ኢሰያስ 65፡17፡ ኢሰያስ 66፡22 ከምኡ’ውን 2 ጴጥሮስ 3፡13 ተጠቒሱ ኣሎ። ጴጥሮስ እቲ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ከኣ “ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያት ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና” ኢሉ ይነግረና። ኢሰያስ “እንሆ፡ ኣነ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ክፈጥር እየ እሞ፡ እቲ ናይ ቀደም ኣይኪሕሰብን እዩ” ይብል። ነገራት ጠቕላላ ሓደስቲ ክኾኑ እዮም ከምኡ ድማ ኣቲ ኣረጊት ስርዓት ናይ ነገራት፡ ምስ’ቲ መኻይዱ ዝኾነ ስቓይን ሓዘንን ክርሕቑ እዮም።

እታ ሓዳስ ምድሪ ካብ ሓጥያት፡ ክፍኣት፡ ሕማም፡ ስቓይን ሞትን ናጻ ክትከውን እያ። እዛ ዘለ ምድርና ድማ ተመሳሳሊ ክኾነላ እዩ ኮይኑ ግን ብዘይ መርገም ሓጥያት እዩ። ከምቲ ኣምላኽ ኣብ ፈለማ ክትኮኖ ዝመደበላ ምድሪ ክትከውን እያ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ከም ኤደን ክትከውን እያ።

እቲ ቀንዲ ባህሪ ናይ ሓዳስ ምድሪ ድማ እታ ሓዳስ ዮሩሳሌም ክትከውን እያ። ዮሃንስ “እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ . . . ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ።” (ራኢ ዮሃንስ 21፡2) ኢሉ ይጽውዓ። እታ ክብርቲ ከተማ፡ ምስ’ቲ ናይ ወርቂ መገድታታን ናይ ሉል መዓጹኣን ድማ ኣብ ሓዳስ ክብሪ ዝመልኣ ዓለም እዩ ዝርከብ። እታ ኦም ሂወት ኣብኡ ክትህሉው እያ (ራኢ ዮሃንስ 22፡2)። እዛ ከተማ ነቲ ናይ መወዳእታ ሃገር ናይ ዝተሓድገሎም ደቂ-ሰባት ምስ ናይ ዘልኣለም ሕብረት ምስ ኣምላኽ ትውክል። “እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ።” (ራኢ ዮሃንስ 21፡3 22፡3-4)

ኣብ’ቲ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ተሳኢኖም ዘለው ሸውዓተ ፍሉጣት ዝኾኑ ነገራት ክህልው እዮም/ኣለው ይብል—ሸውዓተ ነገራት “ድሕሪ ደጊም የልቦን”፡

ድሕሪ ደጊም ባሕሪ የልቦን (ራኢ ዮሃንስ 21:1)

ድሕሪ ደጊም ሞት የልቦን (ራኢ ዮሃንስ 21:4)

ድሕሪ ደጊም ሓዘን የልቦን (ራኢ ዮሃንስ 21:4)

ድሕሪ ደጊም ንብዓት የልቦን (ራኢ ዮሃንስ 21:4)

ድሕሪ ደጊም ስቓይ የልቦን (ራኢ ዮሃንስ 21:4)

ድሕሪ ደጊም መርገም የልቦን (ራኢ ዮሃንስ 22:3)

ድሕሪ ደጊም ለይቲ የልቦን (ራኢ ዮሃንስ 22:5)

ምፍጣር እቲ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ነቲ ኣምላኽ “ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ክደርዝ እዩ” ዝብል ተስፋ የምጽኦ (ራኢ ዮሃንስ 21፡4)። እዚ ፍጻሜ ድሕሪ’ቲ መከራ፡ ድሕሪ ናይ ጎይታ ካልኣይ ምጻኣት፡ ድሕሪ ናይ ሽሕ ዓመት ንግስነት፡ ድሕሪ’ቲ ናይ መወዳእታ ዕልወት፡ ድሕሪ መወዳእታ ፍርዲ ናይ ሰይጣንን ከምኡ’ውን ድሕሪ ናይ ዓቢ ጻዕዳ ዝፋን ፍርዲ እዩ ዝመጽእ። እዚ ሓጺር መግለጺ ናይ ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን ከኣ እቲ ናይ መወዳእታ ጩራ ናብ’ቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝህበና ዘልኣለምነት እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ሓድሽ ሰማይን ሓድሽ ምድርን እንታይ እዮም?
© Copyright Got Questions Ministries