settings icon
share icon
ሕቶ

እቶም ብዛዕባ የሱስ ክሰምዑ ከቶ ዕድል ዘይረኸቡ ሰባት እንታይ እዮም ክዀኑ? ኣምላኽ ነቲ ብዛዕብኡ ሰሚዑ ዘይፈልጥ ሰብ ክዂንኖ ድዩ?

መልሲ


ኲሎም ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ይስምዑ ኣይስምዑ ፡ ኣብ ቅድሚኡ ጸብጻብ ክህቡ እዮም ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣምላኽ ንርእሱ ኣብ ፍጥረት ብንጹር ገሊጹ እዩ ይብለና። (ሮሜ 1፡20) ፡ ከምኡውን ኣብ ልቢ ሰባት (መክብብ 3፡11) ። እቲ ጸገም ፡ ዓሌት ሰብ ሓጥእ ምዃኑ እዩ ፡ኲላትና ነዚ ፍልጠት ኣምላኽ ነጺግና ኣንጻሩ ንዓሉ ኢና (ሮሜ 1፡21-23) ፡፡ ጸጋ ኣምላኽ እንተ ዘይነብር ኔሩ ፡ ንሓጥእ ፍትወታት ልብና ተመጢና ምሃለና ፡ ካብኡ ተፈሊኻ ዝንበር ህይወት፡ ዘይጠቅምን ከርፋሕን ምዃኑ ክንግንዘብ ይገብረና ፡፡ ነቶም ቀጻሊ ዝነጽግዎ ከምዚ እዩ ዝገብሮም (ሮሜ 1፡24- 32) ፡፡

ኣብ ክውንነት ፡ ገለ ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽ ዘይሰምዑ ኣይኮነን ፡፡ እንታይ ደኣ፡ነቲ ዝሰምዕዎ ን ኣብ ፍጥረት ዝረኣይዎን ብምንጻጎም እዩ ሽግር ዝፍጠር ዘሎ ፡፡ ዘዳግም 4፡29 ዝእውጆ፡ ካብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ደሌኻዮ፡ ብዂሉ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን እንተ ደሌኻዮስ፡ ክትረኽቦ ኢኻ። እዚ ጥቕሲ ኣገዳሲ መትከል እዩ ዝምህረና ፡ ዝኾነ ንኣምላኽ ብሓቂ ዝደልዮ ሰብ ክረኽቦ እዩ። ንኣምላኽ ብሓቂ ክፈልጦ ዝደሊ ሰብ፡ ኣምላኽ ርእሱ ከፍልጦ እዩ፡፡

እቲ ሽግር ፡ ሓደ'ኳ ዘስተውዕል ስለዘየልቦ እዩ ፡ ሓደ'ኳ ንኣምላኽ ዝደሊ የልቦን (ሮሜ 3፡11) ፡፡ ሰባት ነቲ ኣብ ተፈጥሮን ኣብ ገዛእ ልቦምን ዘሎ ፍልጠት ኣምላኽ ነጺጎም ፡ ኣብ ክንድኡስ ነቲ ናይ ፍቓድ ርእሶም ኣምልኾ ክገብሩ ወሲኖም ፡፡ኣምላኽ ነቲ ወንጌል ክርስቶስ ክሰምዕ ከቶ ዕድል ረኺቡ ዘይፈልጥ ሰብ ናብ ገሃነመ እሳት ከእትዎ ኢልካ ኣብ ፍትሓውነት ኣምላኽ ምክታዕ ዕሽነት እዩ ፡፡ ስለቲ ድሮ ኣምላኽ ንሰባት ዝገለጸሎም ነገራት ኣብ ኣምላኽ ተሓተትቲ ይገብሮም ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ድማ ፡ ሰባት ነዚ ፍልጠት ምስዝነጽግዎ ፡ ኣምላኽ ከኣ ንኦኦም ናብ ገሃነም እንተዀኒንዎም ፍትሓዊ እዩ ፡፡

ብዛዕባ እቶም ዘይሰምዑ ኣልዒልና ኣብ ክንዲ ንካታዕ ፡ ንሕና ከም ክርስትያን መጠን ፡ ንሳቶም ክሰምዑ ምእንቲ ኲሉ እቲ ዝከኣለና ክንገብር ይግባኣና እዩ ፡፡ ንሕና ናብ ኩሉ ዓለም ወንጌል ከነብጽሕ ተጸዊዕና ኢና (ማቴዎስ 28፡19-20፥ግብሪ ሃዋርያት 1፡8)፡፡ ሰባት ነቲ ኣብ ፍጥረት ዝተገልጸ ፍልጠት ኣምላኽ ከምዝነጸግዎ ንፈልጥ ኢና ፡ እዚ ከኣ ነቲ ጥዑም ብስራት ምድሓን የሱስ ክርስቶስ ክንሰብኮ የተባብዓና እዩ ፡፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ጸጋ ኣምላኽ ብምቕባል ጥራይ እዮም ሰባት ካብ ሓጢኣቶምን ካብ ዘልኣለማዊ ምፍላይን ክድሕኑ ዝኽእሉ ፡፡

እቶም ወንጌል ከቶ ሰሚዖም ዘይፈልጡ ፡ ኣምላኽ ምሕረቱ የውሕሶሎም እዩ ፡ ኢልና እንተገሚትና ፡ ናብ ከቢድ ሽግር ክንኣቱ ኢና ፡፡ እቶም ወንጌል ዘይሰምዑ ሰባት እንተድሒኖም ደኣ ፡ እሞ ንሰባት ወንጌል ከምዘይሰምዑ ክንገብሮም ኣሎና እንተበልና ምኽንያታዊ ይኸውን ኣሎ ፡፡ እቲ ዝኸፍአ ንሕና ክንገብሮ ንኽእል ፡ ንሓደ ሰብ ወንጌል ነካፍሎ እሞ ከምዝነጽጎ ምግባሩ እዩ፡፡ ከምዚ እንተዀይኑስ፡እቲ ሰብ ክዂነን እዩ ፡፡ እቶም ወንጌል ዘይሰምዑ ሰባት ክዂነኑ እዩ ዘለዎም ፡ እንተዘየለ ወንጌል ንምስፋሕ ምትብባዕ ኣይክህሉን እዩ ፡፡ንምንታይ እሞ ነቶም ወንጌል ብዘይምስማዖም ኣቐዲሞም ድሒኖም ዝነበሩ ሰባት ፡ ንእኡ ብምንጻጎም ናብ ሓደጋ ከእትዎም ዝኽእል ወንጌል ሰቢኽና ናብ ኲነኔ ነእትዎም?

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እቶም ብዛዕባ የሱስ ክሰምዑ ከቶ ዕድል ዘይረኸቡ ሰባት እንታይ እዮም ክዀኑ? ኣምላኽ ነቲ ብዛዕብኡ ሰሚዑ ዘይፈልጥ ሰብ ክዂንኖ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries