settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያን ኣደ እንታይ ይብል?

መልሲ


ኣደ ሙዃን እግዚኣብሄር ንብዙሓት ደቀንስትዮ ዝህቦ ኣዝዩ ኣገዳሲ እጃም እዩ። ክርስትያን ኣደ ንደቃ ከተፍቅር እያ ትንገር (ቲቶስ 2፡4-5)፡ ምኽንያቱ ኣብ’ቲ ንሳ ስሙ ዝጸወረቶ እግዚኣብሄርን ኣብ መድሓኒን ወቐሳ ንከይተምጽእ ምእንቲ እዩ።

ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም (መዝሙር ዳዊት 127፡3-5)። ኣብ ቲቶስ 2፡4፡ ናይ ግሪኽ ቃል ፊሎተክኖስ ንደቀን ዘፍቅራ ኣዴታት ብምውካስ እያ ትረአ። እዚ ቃል ንፍሉይ ዓይነት “ፍቕሪ ኣደ” ይውክል። እቲ ካብ’ዚ ቃል ዝምንጩ ሓሳብ ከኣ እቲ ምሕላይ ንደቅና፡ ምኹስኳሶም፡ ብፍቕሪ ምሑቛፎም፡ ንድሌቶም ምምላእ፡ ልስልስ ኢልካ ድማ ንነፍሲ-ወከፍ ከም ፍሉይ ህያብ ካብ ኢድ ኣምላኽ ምምሕዛው እዩ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዝተፈላለየ ነገራት ን ክርስትያን ኣዴታት ተኣዚዙ ኣሎ።

ህላውነት--ንግሆ፡ ፋዱስን ምሸትን (ኦሪት ዘዳግም 6፡6-7)

ምውሳእ-- ሓድሕድ ንጥፈት፡ምዝታይ፡ ምሕሳብን ንሂወት ብሓደ ምክያዳ (ኤፌሶን 6፡4)

ምምሃር--ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ዓለምለኸ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርእይቶን (መዝሙር ዳዊት 78፡5-6፡) ዘዳግም 4፡10፡ ኤፌሶን 6፡4)

ልምምድ--ንቆልዓ ክእለታት ከማዕብልን ናቱ/ናታ ሓያል ጎኒታት ንክረክብ ምሕጋዝ (ምሳሌ 22፡6) ከምኡ ድማ መንፈሳዊ ህያባት (ሮሜ 12፡3-8 ከምኡ ድማ 1 ቆሮንጦስ 12)

ዲሲፕሊን- ፍርሃት እግዚኣብሄር ምምሃር፡ ዘይጋጮ መገዲ ምርኣይ፡ ብፍቕሪ፡ ብጽንዓት (ኤፌሶን 6፡4፡ እብራውያን 12፡5-11፡ ምሳሌ 13፡24፡ 19፡18 22፡15፡ 23፡13-14፡ 29፡15-17)

ምኹስዃስ--ቀጻሊ ናይ ቃል ደገፍ ዘለዎ ሃዋሁው ምቕራብ፡ ናጽነት ናይ ምግጋይ ወይ ምውዳቕ፡ ምቕባል፡ ፍቕሪ፡ ቅድመ ኩነት ዘይብሉ ፍቕሪ (ቲቶስ 2፡4፡ 2 ጢሜጢዎስ 1፡7፡ ኤፌሶን 4፡29-32፡ 5፡1-2፡ ገላትያ 5፡22፡ 1 ጴጥሮስ 3፡8-9)

ብንጽህና ኣብነት ሙዃን--ትብሎ ትነብሮ ሙዃን፡ ቆልዓ ብ “ግብሪ” ሕመረት ናይ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ናብራ ምእንቲ ክምሃር ኣብነት ሙዃን (ዘዳግም 4፡9 15፡ 23፡ ምሳሌ 10፡9 11፡3፡ መዝሙር ዳዊት 37፡18፡ 37)።

መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ነፍሲወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ኣደ ክትከውን ኣሎዋ ኣይብልን። ኮይኑ ግን፡ ነተን ኣደ ክኾና ዝባረኸን ነቲ ሓላፍነት ብጥንቃቐ ክወስዶኦ ኣለወን ይብል። ኣደታት ኣብ ሂወት ናይ ደቀን ፍሉይን ወሳኒን ዝኾነ ግደ ኣለወን። ኣደነት ዘሰልቹን ደስ ዘይብልን ዕማም ኣይኮነን። ከምቲ ሓንቲ ኣደ ኣብ እዋን ጥንሲ ንቆልዓ እትጸውር ከምኡ ከኣ ከምቲ ኣደ ንቆልዓ ኣብ ህጻንነት ትቕልቦን ትከናከኖን፡ ከምኡ ድማ ኣዴታት ኣብ ሂወት ደቀን ናይ ቀጻሊ ተራ ይጻወታ፡ እዚ ከኣ ኣብ ጉብዝና፡ ኣብ ኩትትና ወይ ግርዝውና፡ ነኣሽቱ መንእሰያት ምስ ኮኑ ወይ ውን ቆልዑ ዘለዉዎም ዓበይቲ ምስ ኮኑ ውን እዩ። ግደ ናይ ኣደነት ክለዋወጥን ክዓብን እናሃለዎ፡ እቲ ኣደ ትህቦ ፍቕሪ፡ ምኹስኳስን ምትብባዕን ፈጺሙ ኣየቋርጽን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያን ኣደ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries