settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ዕዳ ዝኣተወ ክርስትያን እንታይ ይብል? ክርስትያን ገንዘብ ክልቃሕ ወይ ከለቅሕ ይግባእ ዶ?

መልሲ


ጳውሎስ ኣብ ሮሜ 13፡8 ብጀካ ፍቕሪ ካልእ ከይንዕደ ዝሃበና ለበዋ ኣምላኽ ኩሉ ኣብ ግዚኡ ዘይተኸፍለ ዓይነት ዕዳ ከምዝጸልእ ሓያል መዘኻኸሪ እዩ (መዝሙር 37፡21 ውን ርአ)። ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብግሉጽ ኣንጻር ኩሎም ዓይነታት ዕዳታት ኣይእዝዘናን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጻር ዕዳ የጠንቅቐና እዩ፡ ናብ ዕዳ ዘይምኻድ ድማ ይንእድ እምበር ንዕዳ ኣይክልክልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ንዘለቅሕዎም ዘዋርዱ ኣለቃሕቲ ከቢድ ቃላት ናይ ኩነኔ ኣለዎ፡ ንበዓል ዕዳ ግን ኣይኩንን እዩ።

ገለ ሰባት ንምኽፋል ብዛዕባ ወለድ ናይ ልቓሓት ይሓትሉ እዮም፡ ኮይኑ ግን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣዝ ዝተፈላለየ እዋናት ርትዓዊ ዝኾነ መጠን ወለድ ካብ ናይ ልቃሕ ገንዘብ ምቕባል ከም ዘሎ ንርኢ (ምሳሌ 28፡8፡ ማቴዎስ 25፡27)። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል እቲ ሕጊ ኣብ ሓደ ምድብ ናይ ልቓሓት፡ ኣብ’ቲ ንድኻታት ዝተገብረ ልቃሕ ወለድ ምኽፋል ይኽልክል (ኦሪት-ዘለዋውያን 25፡35-38)። እዚ ሕጊ ብዙሕ ማሕበራዊ፡ ገንዘባዊን መንፈሳውን መልእኽትታት ኔርዎ፡ ኮይኑግን ክልተ ምጥቃሰን ግቡእ እዩ። መጀመርታ፡ እቲ ሕጊ ንድኻታት ኩነታቶም ንከይብእስ ብምግባር ብቅንዕና ሓጊዝዎም፡ ናብ ድኽነት ምውዳቕ ሕማቕ እዩ ኔሩ ከምኡ ድማ ደገፍ ምሕታት ድማ ዘዋርድ እዩ ኔሩ። ኮይኑ ግን እንተድኣ እብ ርእሲ’ እቲ ዕዳ ምኽፋሉ፡ ሓደ ድኻ ሰብ ሃሳዪ ዝኾነ ምኽፋል ወለዳት ክገብር እንተ’ለዎ ኮይኑ፡ እቲ ግዴታ ሓጋዚ ዘይኮነ ሃሳዪ እዩ ክኸውን።

ካልኣይ፡ እቲ ሕጊ ኣገዳሲ መንፈሳዊ ትምህርቲ ሚሂሩ። ሓደ ኣለቃሒ ንድኻ ሰብ ዝሃቦ ልቓሕ ወለዱ ክሓድገሉ ከሎ እዚ ሓደ ተግባር ናይ ምሕረት ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ገንዘብ ኣብ ልቃሕ ከሎ ናይ’ቲ ገንዘብ ጥቕሚ ክስእኖ እዩ። እዚ ግን ንህዝቡ ነቲ ዝሃቦም ጸጋ “ወለድ” ስለዘየኽፈሎም ጭቡጥ መገዲ ምግላጽ ምስጋና ንኣምላኽ ንስለ ምሕረቱ እዩ ዝኸውን። ልክዕ ከም’ቲ ኣምላኽ ባዶ እምበር ሳንቲም ዘይነበሮም ባሮት ብምሕረቱ ካብ ግብጺ ኣውጺኡ፡ ንእስራኤላውያን ነታ መሬቶም ሂብዎም። (ዘለዋውያን 25፡38)፡ ስለዚ ንሱ ድማ ተመሳሳሊ ዝኾነ ለውሃት ኣብ ልዕሊ ድኻታት ዜጋታቶም ከርእዩ ተጸብይዎም።

ክርስትያናት ኣብ ሓደ ዓይነት ተመሳሳሊ ኩነታት ይርከቡ። ሂወት፡ ሞትን ትንሳኤን ናይ የሱስ ዘሎና ዕዳ ናይ ሓጥያት ናብ ኣምላኽ ከፊልዎ እዩ። ሕጂ፡ ንሕና ዕድል ስለዘሎና፡ ካልኦት ኣብ ጸገም ዘለው ብፍላይ ኣመንቲ ኣሕዋትን ኣሓትን ጸገሞም ዘይውስኸሎም ልቃሓት ጌርና ክንሕግዝ ንኽእል ኢና። የሱስ’ውን ኣብ’ዞም ነጥብታት እዚኦም ብዛዕባ ክልተ ኣለቃሕትን ናይ ሕድገት ምግባር ኣተሓሳስበኦምን ምስላ ሂቡ እዩ (ማቴዎስ 18፡23-35)።

መጽሓፍ ቅዱስ ብጉሉጽ ልቃሕ ምውሳድ ኣይክልክል ወይ ድማ ናጻ እዩ ኣይብልን እዩ። ናይ ምጽሓፍ ቅዱስ ጥበብ ናብ ዕዳ ምኻድ ጽቡቕ ከም ዘይኮነ እዩ ዝምህረና። ዕዳ ብቐንዱ ናይቲ ዘለቃሓና ሰብ ባሮት እዩ ዝገብረና። ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ገለ ኩነት ናብ ዕዳ ምእታው ኣድላዪ ግን ከኣ “ሕሱም እዩ”። ክሳብ እቲ ገንዘብ ብጥበብ ዝተታሕዘን ምኽፋል ዕዳ ድማ ዝክኣልን ዝኾነ ግን ሓደ ክርስትያን እንተድኣ ጾር ናይ ገንዘባዊ ዕዳ ክወስድ ዝኽእል ኮይኑ እዚ ፍጹም ኣድላዪ እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ዕዳ ዝኣተወ ክርስትያን እንታይ ይብል? ክርስትያን ገንዘብ ክልቃሕ ወይ ከለቅሕ ይግባእ ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries