settings icon
share icon
ሕቶ

እዞም ተኣምራታዊ ውህበታት መንፈስ ሎሚ ይስራሓሎም ዶ?

መልሲ


ንምፍላጡ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር፡ ኣምላኽ ሕጂውን ተኣምራት ይገብር እንተሎ ኣይኮነን እዚ ሕቶ ተላዒሉ። ኣምላኽ ንሰባት ኣይፍውስን እዩ ፡ ኣይዛረብን እዩ ፡ ሎሚውን ትእምርትን ተኣምራትን ኣይገብርን እዩ ኢልካ ምእማን ዕሽነት እዩ። እቲ ሕቶ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተኣምራታዊ ውህበታት ሎሚውን ኣብ ቤተክርስትያን ከምቲ ኣብ 1 ቆሮንቶስ 12-14 ብቐዳምነት ተጻሒፉ ዘሎ፡ ገና ይሰርሕ ኣሎ ድዩ እዩ። እዚ ሕቶ መንፈስ ቅዱስ ንሓደ ሰብ ተኣምራታዊ ህያብ ክህብ ይኽእል ድዩ ኣይኮነን። እቲ ሕቶ ሎሚ’ኸ መንፈስ ቅዱስ ተኣምራታዊ ውህበታቱ ይዕድል ኣሎ’ድዩ እዩ። ልዕሊ ኲሉ ከኣ ፡ እቲ ብጠቕላላ ንሰማምዓሉ ፡ መንፈስ ቅዱስ ከምዝደለዮ ጌሩ ውህበታቱ ዝዕድል ምዃኑ እዩ (1ቆሮንቶስ 12፡7-11) ፡፡

ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያትን እተን መልእኽታትን ፡እቶም ዝበዝሑ ተኣምራት በቶም ሃዋርያትን ናይ ቀረባ ኣርድእቶምን እዮም ተፈጺሞም። ንምንታይ ምዃኑ ድማ ጳውሎስ ይነግረና ፡ ትእምርትታት ሃዋርያትስ ብትእምርትታትን ብተኣምራትን ብግብሪ ሓይልታትን ኣባካትኩም ብዅሉ ትዕግስቲ ተገብረ (2 ቆሮንቶስ 12፡12)። ነፍስወከፍ ኣማኒ ትእምርትን ድንቅን ተኣምራትን እንተዝገብር ኔሩ ደኣ ፡ እዞም ድንቅን ተኣምራትን ብምንም መገዲ መለለዪ ምልክታት ናይ ሓደ ሃዋርያ ክዀኑ ኣይምኸኣሉን ኔሮም ፡፡ ከምቲ ግብሪ ሃዋርያት 2፡22 ዝነግረና ፡ የሱስ ብትእምርትን ድንቅን ተኣምራትን ስሙይ ነበረ። ብተመሳሳሊ ድማ ፡ እቶም ሃዋርያት በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ተኣምራት ፡ ናይ ብሓቂ መልእኽተኛታት ኣምላኽ ምዃኖም ተፈሊጦም እዮም ፡፡ ግብሪ ሃዋርያት 14፡3 ገሊጽዎ ከምዘሎ ፡ መልእኽቲ ወንጌል በቲ ጳውሎስን በርናባስን ዝገበርዎ ተኣምራት ፡ ጸኒዑ እዩ።

ምዕራፍ 12-14 ናይ 1 ቆሮንቶስ ንውህበታት መንፈስ ቅዱስ እዩ ብቐዳምነት ዝዛረበሉ። ተራ ክርስትያናት እውን ተኣምራታዊ ውህበታት ዝተዋህቡ ይመስል (12፡8-10 ፥ 28፡30)። እዚ ክሳዕ ክንደይ የራኽቦም ኣይተነገረናን። ኣብ ላዕሊ ካብ ዝተመሃርናዮ ፡ ትእምርትን ተኣምራትን መለለዪ ሃዋርያት እዩ፡ እቲ ንተራ ክርስትያናት ዝተዓደለ ተኣምራታዊ ውህበታት ግና ከም ፍሉይነት እዩ ዝርአ እምበር ከም መምርሒ ኣይኮነን። ብዘይካ እቶም ሃዋርያትን ናይ ቀረባ ኣርድእቶምን ፡ ውልቀሰባት ነቲ ተኣምራታዊ ውህበታት መንፈስ ክለማመድዎ ከለዉ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ብፍሉይ ተገሊጹ ኣይንርኢን ኢና ፡፡

ብተወሳኺ ንምስትውዓሉ ኣገዳሲ ዝዀነ፡ እታ ቀዳመይቲ ቤተክርስትያን ከምዚ ንሕና ሎሚ ዘሎና ፡ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይነበራን (2 ጢሞቴዎስ 3፡ 16-17)። ስለዚ ከኣ ፡ ውህበታት ትንቢት ፡ ፍልጠት ፡ ጥበብ ፡ ወዘተ እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ፍቓድ ኣምላኽ ክፈልጥሉ የድልዮም ነበረ። ናይ ትንቢት ውህበት ፡ እቶም ኣመንቲ ሓድሽ ሓቅን ምግላጽን ካብ ኣምላኽ ከተሓላልፉ የኽእሎም ነበረ። ሕጂ ግና ምግላጽ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተዛዚሙ እዩ ፡ ደጊም ግልጸታዊ ውህበታት ኣየድልዩን ፡ ብውሑዱ ከም መጠን እቲ ናይ ሽዑ ግዜ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝነበረ ጌሮም ኣይኰኑን ዘድልዩ ፡፡

ኣምላኽ ንሰባት ኲሉ ግዜ ብተኣምር የሕዊ እዩ ፡፡ ኣምላኽ ሎሚውን ይዛረበና እዩ ፡ እንተስ ብዝስማዕ ድምጺ ፡ ወይ ኣብ ኣእምሮና ፡ ወይ ከኣ ብጠላሕታን ስምዒትን። ኣምላኽ ሕጂውን ግሩም ዝዀነ ትእምርትን ድንቅን ተኣምራትን ይገብር እዩ ፡ ሓሓሊፉ ከኣ ብክርስትያናት ጌሩ ተኣምራት ይገብር። ኰይኑ ግና፡ እዞም ነገራት እዚኦም ግድን ተኣምራታዊ ውህበታት መንፈስ ኣይኰኑን። እቲ ቀዳማይ ዕላማ ተኣምራታዊ ውህበታት ፡ ወንጌል ናይ ሓቂ ምዃኑን ፡ እቶም ሃዋርያት ከኣ ሓቀኛ መልእኽተኛታት ኣምላኽ ምዃኖምን መርትዖ ምቕራብ እዩ። ተኣምራታዊ ውህበታት ከምዘብቅዑ ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ኣይተዛረበን ፡ ግን ከኣ ከምቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ተስኒዱ ዘሎ ፡ ደጊም ከምቲ ናይ ሽዑ ግዜ ጌርና ክንደልዮ ከምዘይብልና መሰረት ኣንጺፉልና እዩ ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እዞም ተኣምራታዊ ውህበታት መንፈስ ሎሚ ይስራሓሎም ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries