settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ ንግስነት ሽሕ ዓመት ከምኡ ድማ ቃል ብቓሉ ድዩ ክምልከት/ክስትውዓል ዘለዎ?

መልሲ


ሽሓዊ ንግስነት ነቲ ክርስቶስ የሱስ ኣብ ምድሪ ንሓደ ሽሕ ዓመት ዝገዝኣሉ፡ ግዝኣት ዝተዋህበ ኣርእስቲ እዩ። ገለ ገለ ንሽሕ ዓመት ብጽውጽዋያዊ መልክዕ ክትርጉምዎ ይደልዩ። ገለ ገለ ድማ፡ ነቲ ሽሕ ዓመት ከም ምሳሌያዊ ኣበሃህላ፡ “ከም ኣዝዩ ነዊሕ መዋእል” ደኣ እምበር፣ ናይ ክርስቶስ የሱስ ኣብ ገጽ ምድሪ፣ ብግብሪ ዝገዝኣሉ፣ ቃል ብቓሉ ኣይኮነን ኢሎም ይርድእዎ። እንተኾነ፡ ኣብ ራእይ 20:2-7 ሽሓዊ ንግስነት ብፍሉይ ንሓደ ሽሕ ዓመታት ንዘሎ መዋእል ከርኢ ሽዱሽተ ሳዕ ተጠቒሱ ኣሎ። ኣምላኽ “ንነዊሕ እዋን” ክራኸብ እንተዝደሊ፣ ብዘይ ንጹርን ተደጋጋምን ምጥቃስ ናይ ግዜ መቓን ብቐሊሉ ክግብሮ ምኸኣለ ነይሩ።

ክርስቶስ ናብ ምድሪ ተመሊሱ፡ ንሱ ባዕሉ ከም ንጉስ ኣብ የሩሳሌም መንግስቲ ከቑውምን፡ ኣብ ዙፋን ዳዊት ክቕመጥን ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነገረና። (ሉቃስ 1:32-33). ዘይቅድመ ኩነታዊ ውዕላት፡ ዝጠልብዎ፡ ክርስቶስ ከም ዘለዎ፡ ብኣካል ክምለስሞ ግዝኣት ንክምስርት እዩ። ምድሪ እስራኤል ክወርስን፣ ዘርኢ ከቑመሉን ገዛኢ ክኸውንን፣ መንፈሳዊ በረኸትን ክባረኽን ንኪዳን ኣብርሃም ተተስፈወሉ። (ዘፍጥረት 12:1-3)። ተስፋ ፍስልጤማውያን ምድሪ እስራኤል ክትምለሰሎምን ምድሮም ክቆጻጸሩን እዩ። (ዘዳግም 30:1-10)። ኪዳን ዳዊት እታ ሃገር እትባረኸሉ ምኽንያት ዝኸውን፣ ይቕሬታ[ ሕድገት] እስራኤል ተተስፈወ። (ኤርምያስ 31:31-34).

ኣብ ካልኣይ ምጽኣት፣ እዞም ተስፋታት እስራኤል፣ ኣብቲ ትሕቲ ግዝኣት መሲህ፣ የሱስ ክርስቶስ፣ ካብ ኩለን ሃገራት፡ ዳግመ-ምትእኽኻብን፡ (ማቴዎስ 24:31) ምቕያርን፡ (ዘካርያስ 12:10-14) ምሕዋይን ናይታ ምድሪን ክማላእ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብቲ ናይ ሽሓዊ ንግስነት፣ እቶም ኣዝዩ ምቹእ ከባብያውን መንፈሳውን ኩነታት ይዛረብ። መዋእል ሰላም ክኸውን እዩ፣ (ሚክያስ 4:2-4፡ ኢሳይያስ 32:17-18)፣ ሓጎስ (ኢሳይያስ 61:7, 10) ቅሳነት (ኢሳይያስ 40:1-2) ድክነት ኣልቦ ወይ ሕማም ኣልቦ (ኣሞጽ 9:13-15፣ ዮኤል 2:28-29)። ከምኡ’ውን ኣመንቲ ዘበሉ ጥራሕ፡ ናብ ሽሓዊ ንግስነት ከምዝጽምበሩ ይነግረና። ብምኽንያት እዚ ድማ እቲ መዋእል ዘመነ ፍጹም ጽድቂ ክኸውን እዩ (ማቴዎስ 25:37፣ መዝሙር 24:3-4) ምእዛዝ (ኤርምያስ 31:33) ቅድስና (ኢሳይያስ 35:8) ሓቂ (ኢሳይያስ 65:16) ምልኣት መንፈስ ቅዱስን (ዮኤል 2:28-29) ዝኾነሉ ኢሉ ይነግረና። ክርስቶስ ከም ንጉስ ክገዝእ እዩ (ኢሳይያስ 9:3-7; 11:1-10), ዳዊት ከኣ ምስሌነ (ኤርምያስ 33:15-21; ኣሞጽ 9:11). መሳፍንትን መኳንንትን’ውን ክገዝኡ እዮም (ኢሳይያስ 32:1፣ ማቴዎስ 19:28) የሩሳሌም ከኣ ማእከል ፖለቲካ ናይ ዓለም ክትከውን እያ (ዘካርያስ 8:3)።

ራእይ-20:2-7 መዋእል ናይ ሽሕ ዓመት ንግስነት ኣነጺሩ ይህበና። ብዘይካ እዞም ቅዱስ ጽሑፋት’ውን እንተኾነ፣ መሲህ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ምድሪ ምንጋሱ ዘመልክቱ፡ እልቢ ዘየብሎም ነጥብታት ኣለዉ። ፍጻሜ ተስፋታትን ኪዳናትን ኣምላኽ፣ ኣብቲ ቃል ብቃሉን ብኣካልን መጻኢ መንግስቲ ዝዓርፍ እዩ። ናይ ሽሓዊ ግዝኣት ናይ ቃል ብቃል ትርጉም፡ ክትክሕዶ ዘኽእል ጽኑዕ ሰረት ከምዘየለን፣ እተን መዋእል ድማ ሽሕ ዓመታትን እየን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ ንግስነት ሽሕ ዓመት ከምኡ ድማ ቃል ብቓሉ ድዩ ክምልከት/ክስትውዓል ዘለዎ?
© Copyright Got Questions Ministries