settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያን ኣብ ውትህድርና ምግልጋል እንታይ ይብል?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣብ ውትህድርና ምግልጋል ብዙሕ ሓበሬታ ኣለዎ። ዋላ’ኳ ብዙሓት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መወከሲታት ናይ ውትህድርና ተመሳሳሊ ኣብነታት ጥራይ እንተኾኑ፡ ዝተፈላለዩ ጥቕስታት ብቐጥታ ምስ’ዚ ሕቶ ይተኣሳሰሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ሰብ ኣብ ውትህድርና ክሳተፍ ይግብኦ ዶ ኣይግብኦን ብፍሉይ ኣይገልጽን እዩ። ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ ኩሎም ጽሑፋት፡ ወተሃደር ሙዃን ልዑል ኣኽብሮት ዘለዎ ሙዃኑ ክርስትያናት ተኣማሚኖም እፎይ ክብሉ ይኽእሉ እዮም ከምኡድማ ከምዚ ዓይነት ኣገልግሎት ድማ ምስ መጽሓፍ-ቅዱሳዊ ኣጠማምታ ዓለም ይሰማማዕ እዩ።

እቲ ቀዳማይ ኣብነት ናይ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን እዩ ዝርከብ (ዘፍጥረት 14)፡ ወድ-ሓው ን ኣብርሃም፡ ሎጥ ብ ንጉስ ዒላም ክዳርልኣመርን መሻርኽቱን ምስ ተጨወየ፡ ኣብርሃም 318 ኣብ ቤቱ እተወልዱ ፍቱናት ሰብ ኣዕጢቑ ንሎጥ ክሕግዝ ተሰሊፉን ንዒላማውያን ሲዒሩን። ኣብ’ዚ ዕጡቓት ሓይልታት ኣብ ክቡር ዕማም ከምዝተጸምዱ ንርኢ--ኣብ ምድሓንን ምክልኻልን ንጹህ ሰብ።

ሃገረ እስራኤል ኣብ ታሪኽ ዶንግያ እያ ቀዋሚ ሰራዊት ኣማዕቢላ። ኣምላኽ መለኮታዊ ተዋጋኢ ምንባሩን ከምኡ ድማ ንህዝቡ ድማ ብዘየገድስ ወተሃደራዊ ሓይሎም ክሕልዎም ዝብል ሓሳብ እዩ ድማ እስራኤል ቀስ ኢላ ሰራዊት ምምዕባላ ምኽንያት ክኸውን ዝኽእል። ምምዕባል ምዱብ ቀዋሚ ሰራዊት ኣብ እስራኤል ድማ ድሕሪ ሓያል፡ ምእኩል ፖሎቲካዊ ስርዓት ብሳኦል፡ ዳዊትን ሰለሙንን ምምዕባሉ እዩ መጺኡ። ሳኦል እዩ እቲ ቀዳማይ ቀዋሚ ሰራዊት ዘቖመ (1 ሳሙኤል 13፡2፡ 24፡2፡ 26፡2)።

ሳኦል ዝጀመሮ፡ ዳዊት ቀጺልዎ። ንሱ ሰራዊት ወሲኹ፡ ካብ ካልኦት ቦታታት ድማ ንዑኡ ጥራይ እሙናት ዝኾኑ ወተሃደራት ቆጺሩ (2 ሳሙኤል 15፡19-22) ከምኡ ድማ ንቀጥታዊ መሪሕነት ናይ ሰራዊቱ ድማ ናብ ኣዛዚ ሰራዊት ን ዮኣብ ሂብዎ። ኣብ ትሕቲ ዳዊት፡ እስራኤል ድማ ኣብ ወተሃደራዊ ናይ መጥቃዕቲ ፖሊሲታታ ዝያዳ ወራሪት ኮይና፡ ከም ዓሞን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ መንግስታት ኣጥፊኣ፡ (2 ሳሙኤል 11፡1፡ 1 ዜና መዋእል 20፡1-3)። ዳዊት ናይ ምዝውዋር ስርዓት ናይ ሰራዊት ኣተኣታትዩ፡ እዚ ድማ ኣብ 12 ጉጅለታት ናይ 24,000 ሰብኣይ ሓደ ወርሒ ኣብ ዓመት የገልግሉ (1 ዜና መዋእል 27)። ዋላ’ኳ ናይ ሰለሙን ግዝኣት ሰላማዊ እንተነበረ፡ ንሱ ሰረገላታትን ሰብ ኣፍራስን ብምውሳኽ ዝያዳ ነቲ ሰራዊት ኣስፊሕዎ (1 ነገስት 10፡26)። እቲ ቀዋሚ ሰራዊት( ዋላ’ኳ ድሕሪ ሞት ሰለሙን እቲ ንግስነት እንተተመቕለ) ክሳብ 586 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ቀጺሉ፡ እዚ ከኣ እስራኤል (ይሁዳ) ከም ፖሎቲካዊ ኣካል ምቕጻል ደው ምስ በለት።

ኣብ ሓድሽ ኪዳን፡ የሱስ ሮማዊ ሓለቓ ሚኢቲ ምስ ቀረቦ ኣስተንኪሩ። እቲ ሓለቓ ሚእቲ ንየሱስ ዝሃቦ መልሲ ድማ ንስልጣኑ ብጉቡእ ከምዝተረደአን ከምኡ ድማ ንእምነቱ ኣብ የሱስን የመልክት (ማቴዎስ 8፡5-13)። የሱስ ስርሑ ኣገደፈን። ብዙሓት ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዝተጠቕሱ ሓለቓታት ናይ ሚእቲ ከም ክርስትያናት፡ ፈራህቲ ኣምላኽን ሰብ ጽቡቕ ባህርን ኮይኖም ተናኢዶም ኣለው ( ማቴዎስ 8፡5፡ 27፡54፡ ማርቆስ 15፡39-45፡ ሉቃስ 7፡2፡ 23፡47፡ ግብረሃዋርያት 10፡1፡ 21፡32፡ 28፡16)።

እቶም ቦታታትን ኣርእስትታትን ተቐይሮም ክኾኑ ይኽእሉ እዮም፡ ኮይኑ ግን ናህና ዕጡቓት ሓይልታት ድማ ልክዕ ከም ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓለቓታት ናይ ሚእቲ ክብሪ ክውሃቦም ይግባእ። መዝነት ናይ ናይ ወተሃደር ልዑል ክብሪ ኔርዎ። ንኣብነት ጳውሎስ ን ኤጳፍራዲጦስ፡ ሓደ ሓው ክርስትያን ከም “ሓው መተዓቅይቲ” ይገልጾ (ፊሊጲ 2፡25)። ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ ምሉእ ኣጽዋር ኣምላኽ ብምልባስ ብጎይታ ጽኑዕ ሙዃን ኢሉ ንምግላጽ ወተሃደራዊ ቃላት ይጥቀም (ኤፌሶን 6፡10-20)፡ እንከላይ ኣጽዋር ናይ ወተሃደር--ቁራዕ ርእሲ፡ ዋልታን ሰይፍን።

እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውትህድርና ምግልጋል ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ይዛረበሉ እዩ። ንሃገሮም ብ ባህሪ፡ ጭውነትን ክብሪን ዘገልግሉ ክርስትያን ዝኾኑ ሰብኡትን ኣንስትን ድማ እቲ ዝፍጽምዎ ሲቪላዊ ግቡእ ብልዑል ኣምላኽ ናጻ ከምዝኾነን ክብሪ ከምዝውሃቦን ክረጋገጸሎም ይኽእል እዩ። እቶም ኣብ ውትህድርና ዘገልግሉ ድማ ናትና ክብርን ምስጋናን ይግብኦም።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ክርስትያን ኣብ ውትህድርና ምግልጋል እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries