settings icon
share icon
ሕቶ

ትርጉም ህይወት(ምንባር) እንታይ እዩ?

መልሲ


ትርጉም ህይወት(ምንባር) እንታይ እዩ፤ ኣብ ህይወት(ምንባር)፡ ዕላማ፡ ዓወትን ዕጋበትን ብኸመይ ይርከብ፤ ዘላቒ ፋይዳ ዘለዎ ነገር ብኸመይ ይርከብ፤ ብዙሓት ሰባት ኣብዚ ኣገደስቲ ሕቶታት ግዲ ኣይገበሩን፡፡ ነቲ ክረኽብዎ ወይ ክዕወትሉ ዝደልዩ ምስ ረኸብዎን ምስ ተዓወቱን ከኣ ንድሕሪት ተመሊሶም ነቲ ዝኸሰርዎን ስለምንታይ ገና ባዶነት ይስምዖምን ይድንጽዎም፡፡ ሓደ ኣብ ጥርዚ ዓወታት ስፖርት ዝበጽሐ ኣትለት፡ ኣብታ ምጒያይ ዝጀመረላ መዓልቲ ኣቐዲሙ ክፈልጦ ዝነበሮ ወይ ዝምነዮ እንታይ ምዃኑ ተሓተተ፡፡ ንሱ ድማ ድሕርቲ ብዙሕ ዓወታት ዝረኽቦ ነገር ከም ዘይብለይ እንተ ዝፈልጥ ምሓሸኒ ኢሉ፡፡ ብዙሓት ዓወታት ድሕሪ ብዙሕ ጻዕሪ ምስ ተረኽቡ ጥራይ ባዶ ምዃኖም ይፍለጡ፡፡

ኣብዚ ውልቃውነት ዝዓብለሎ ዘመናዊ ባህሊ፡ ሰባት ትርጉም ንክረኽቡ ደድሕሪ ብዙሓት ነገራት ይጎዩ፡፡ ገለ ካብኡ ድማ ብስራሕ ምዕባይ፡ ሃብቲ ምኽዕባት፡ ሰናይ ጉርብትና ወይ ምሕዝነት ምግባር፡ ጾታዊ ዝምድናታት ምግባርን ምብዛሕን፡ ምዝናይን ንኻልኦት ሰናይ ምግባርን ይርከብዎም፡፡ ሰባት ሃብቲ፡ ዝምድናታትን ተድላን ተጎናጺፎም ክነሶም ገና ዘይመልአ ገዚፍ ሃጓፍን ምእላዩ ዘይክኣል ስምዒት ባዶነትን ከም ከም ዝህልዎም ብዙሓት ዝምስክርዎ እዩ፡፡

ጸሓፊ መክብብ ነዚ ክገልጾ እንከሎ፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ከንቱነት ናይ ከንቱነታት፡ ኹሉ ኸንቱነት እዩ ይብል (መክብብ 1፡2)፡፡ ጸሓፊ መክብብ ባዕሉ ንጉስ ሰሎሞን፡ ማእለያ ዘይበሉ ሃብቲ፡ ሰብ ዘይበጽሖ ጥበብ፡ ብዙሓት ኣንስቲ፡ ነገስታት ዘቕንእ ግንብታትን ኣታኽልትን፡ ዝመቀረ መግብን ወይንን ኩሉ ዓይነታት መዘናግዕን ነበሮ፡፡ ኮታስ ኩሉ እቲ ልቡ ዝተመነዮ ክረኽቦ ይኽእል ከም ዝነበረ ይዛረብ፡፡ ይኹን እምበር ነዚ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ዘሎ ህይወት ማለት እታ ብህዋሳትና ጥራይ እንትንበር ህይወት ትርጉም የብላን ይብላ፡፡ ስለምንታይ እዩ ከምዚ ዝበለ ሃጓፍ ወይ ስምዒት ባዶነት ዝህሉ፤ ምኽንያቱ ኣምላኽ ካብቲ ብህዋሳትና ጥራይ እንነብሮን እንፈልጦን ንዝልዕል ህይወት እዩ ፈጢሩና፡፡ ሰለሞን ብምቕጻል ከምዚ ይብል፡ ኣምላኽ ንዘልኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ (መክብብ 3፡11)፡፡ ህይወት ምንባር ማለት ሕጅን ኣብዝን ጥራይ ከም ዘይኮነ ንፈልጥ ኢና፡፡

ኣብቲ ቀዳማይ መጽሓፍ ኦሪት ዘፍጥረት፡ ኣምላኽ ንሰብ ብምስሉ ከም ዝፈጥሮ ንርኢ (ዘፍጥረት 1፡26)፡፡ እዚ ድማ ሰብ ካብ ካልእ ፍጥረት ንላዕሊ ንኣምላኽ ይመስል ማለት እዩ፡፡ ሰብ ኣብ ሓጢኣት ወዲቑ፡ መርገም ሓጢኣት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ቅድሚ ምውራዱ፡ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ነበሩ፡ 1) ኣምላኽ ንሰብ ብሕብረት(ብሕብረተሰብ) ክነብር ፈጠሮ (ዘፍጥረት 2፡18-25)፡ 2) ኣምላኽ ንሰብ ዕዮ ሃቦ (ዘፍጥረት 2፤15)፡ 3) ኣምላኽ ምስ ሰብ ይራኸብ ነበረ (ዘፍጥረት 3፡8)፡ 4) ኣምላኽ ንሰብ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ሸሞ (ዘፍጥረት 1፡26)፡፡ እዚኣቶም እንታይ እዮም፤ እዚኣቶም ንምልኣትና ወይ ህይወት ብዕጋበት ምእንቲ ክንነብራ ብኣምላኽ ዝተዋህቡና እዮም፡፡ ይኹን እምበር ብሰሪ ሰብ ኣብ ሓጢኣት ምውዳቑን ስዒቡ ኣብ ምድሪ ዝወረደ መርገምን ኩሎም እዚኣቶም ብፍላይ ድማ እቲ ምስ ኣምላኽ ዝነበረ ርክብ ተበላሸወ(ዘፍጥረት 3)፡፡

ኣብቲ መወዳእታ መጽሓፍ፡ ራእዪ ዮሃንስ ድማ ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዘሎ ምድርን ሰማይን ደምሲሱ፡ ሓድሽ ሰማይን ምድርን ብምኽፋት ዘልኣለማዊ ህይወት ከምጽእ እዩ፡፡ ሽዑ ኣምላኽ ምስቶም ዝደሓኑ ሰባት ምሉእ ርክብ ክምስርት እንከሎ እቶም ድሕነት ዘይረኸቡ ኸኣ ዘይብቑዓት ተቖጺሮም ናብቲ ቀላይ ሓዊ ክድርበዩ እዮም (ራእዪ 20፡ 11-15)፡፡ መርገም ሓጢኣት ክርሕቕ(ክልዓል)፡ ደጊም ምሕጣእ፡ ጓሂ፡ ሕማም፡ ሞት ኮነ ቃንዛ ኣይክህሉን እዩ(ራእዪ 21፡4)፡፡ ኣምላኽ ምስቶም ዝደሓኑ ክነብር፡ ንሳቶም ከኣ ውሉዱ ክበሃሉ እዮም (ራእዪ 21፡7)፡፡ ስለዚ ሓደ ምሉእ ዑደት ፈጺምና ኣሎና፡ ኣምላኽ ምስኡ ክንከውን ፈጠረና፡ ሰብ ሓጢኡ ነቲ ርክብ ኣበላሸዎ፡ ኣምላኽ ከኣ ነቲ ርክብ ንዘልኣለም ሓደሶ፡፡ ኣብ ህይወት ንኹሉ ረኺብካ ካብ ኣምላኽ ግን ንዘልኣለም ካብ ምርሓቕ ዝኸፍእ የልቦን፡፡ ኣምላኽ ግና ዘልኣለማዊ ህይወት ጥራይ ዘይኮነ ምድራዊ ህይወት እውን እተዕግብ ንኽትከውን መዲቡ እዩ (ሉቃስ 23፡43)፡፡ ዘልኣለማዊ ህይወት ከምኡ ድማ ምሉእ ምድራዊ ህይወትን ብኸመይ ይርከብ?

ትርጉም ህይወት ብየሱስ ክርስቶስ ይሕደስ

ሓቀኛ ትርጉም ህይወት፡ ናይቲ ዘልኣለማውን ምድራውን ህይወት፡ ነቲ ብሰሪ ሓጢኣት ኣዳምን ሄዋንን ዝጠፍአ ርክብ ምስ ኣምላኽ ብምሕዳስ ይርከብ፡፡ ርክብ ምስ ኣምላኽ ድማ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ይርከብ (ግብሪ ሃዋርያት 4፡12፤ ዮሃንስ 1፡12፤ 14፡6)፡፡ ዘልኣለማዊ ህይወት ብንስሓ ሓጢኣትና (ደጊምና ኸኣ ብዘይምሕጣእ ተወሲኽዎ)፡ ክርስቶስ ከኣ ናብ ሓድሽ ፍጥረት ለዊጡና እሞ ንሕና ኸኣ ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒና ክንውከሎ እንከሎና ይመጽእ፡፡

ሓቀኛ ትርጉም ህይወት ንየሱስ ከም መድሓኒ ብምቕባል ጥራይ ኣይኮነን ዝርከብ፡፡ ሓቀኛ ትርጉም ህይወት ዝርከበሉ ንክርስቶስ ከም ወዲ መዝሙሩ እናሰዓብካ ካብኡ ብምምሃር፡ ምስኡ ግዜኻ ብምሕላፍ፡ ብጸሎት ምስኡ ምርኻብን ከምኡ ድማ ንትእዛዛቱ ብምሕላውን ይርከብ፡፡ ምናልባት ክርስትያን ዘይኮንካ ወይ ከኣ ሓድሽ ኣማኒ ምስ እትኸውን ግን እዚ ዘይክትቅበሎ ወይ ዘየዕግበካ ክኸውን ይኽእል፡፡ የሱስ ግና ነዚ ዝስዕብ ይብል፡

ኣቱም ኩሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ከዕርፈኩም ናባይ ንዑ (ማቴዎስ 11፡28-30)፡፡ ሰራቒ ብጀካ ክሰርቕን ክሓርድን ከጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ፡፡ ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ክረኽባ እየ ዝመጻእኩ (ዮሃንስ 10፡10)፡፡ ንህይወቱ ከድሕና ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ፡፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዘጥፍኣ ከኣ ክረኽባ እዩ እሞ፡ ክስዕበኒ ዝፈቱ እንተሎ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዓበኒ (ማቴዎስ 16፡24-25)፡፡ ብእግዚኣብሄር ተሓጎስ፡ ልብኻ ዝደልዮ ንሱ ክህበካ እዩ (መዝሙር 37፡4)፡፡

እዚ ኹሉ ጥቕስታት ምርጫ ከም ዘሎና ዘመልክተልና እዩ፡፡ ወይ ንርእስና ባዕልና እናመራሕና ባዶነት ክስምዓና ወይ ከኣ ብምሉእ ልብና ደድሕሪ ኣምላኽን ፍቓዱን እናኸድና ንሱ ድማ ንድልየት ልብና ኣስሚሩ ዕጋበትን ዕጋበት ብምርካብ ህይወት ብምልኣት ምንባር፡፡ እዚ ድማ ብሳላ ዘፍቅረናን ሰሰናዩ ዝደልየልናን ፈጣሪና እዩ፡፡ ህይወት ክርስትና ምስቲ ኣብ ምርኢት ስፖርት ኣብ ቅድሚት ዝተሰርዐ ክቡር ዝዋግኡ መናብር ክትከፍል ምምራጽ ወይ ከኣ ውሑድ ከፊልካ ነቲ ጸወታ ርሒቕካ ክትከታተሎ ምምራጽ ክመሳሰል ይኽእል፡፡ ንኣምላኽ ኣብ ቅድሚት ተሰሪዕካ ምስዓብ ክንመርጽ ይግብኣና ግናኸ እቲ ዘሕዝን ዝበዝሐ ሰብ ዝመርጾ ኣይኮነን፡፡ ንኣምላኽ ቀሪብካ ምርኣይ ናይቶም ብሓቂ ድልየት ርእሶም ገዲፎም ንዕላማ ኣምላኽ ዝደልዩ ብምሉእ ልቦም ደቀ መዛሙርቲ ክርስቶስ ዝኾኑ እዩ፡፡ ንሳቶም ነቲ ዋጋ ከፊሎሞ (ንክርስቶስን ፍቓዱን ብምሉእ ተገዚኦም) ኣለዉ፡ ንህይወት ብምልኣት ይነብርዋ ኣለዉ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ርእሶምን ኣብ ቅድሚ ሰብን ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኦምን ብዘይ ጣዕሳ ይቖሙ፡፡ ነዚ ዋጋ ከፊልካዮ ዲኻ፤ ክትከፍሎ ፍቓደኛ ዲኻ፤ ምስ እትኸፍሎ ንትርጉምን ዕላማን ህይወት ኣይክትስእኖን ኢኻ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ትርጉም ህይወት(ምንባር) እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries