settings icon
share icon
ሕቶ

ግብረ-ሕቡእ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ሓጢኣት ይቑጸርዶ?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ-ሕቡእ ብግልጺ ኣይጠቕሶን፡ ከም ሓጢኣት ዝቑጸር ምዃኑ እውን ኣይተዛረበሉን፡፡ ንግብረ-ሕቡእ ብዝምልከት ዝቐርብ ጽሑፍ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 38፡9-10 ዘሎ ዛንታ ዖናን እዩ፡፡ ነዚ ብምውካስ ከኣ ፈሳሲ ዘርእኻ ናብ ምድሪ ምኽዓው ሓጢኣት እዩ ብምባል ዝትርጉምዎ ኣለዉ፡፡ ግናኸ እቲ ጽሑፍ ብቐንዱ ብዛዕባ ፈሳሲ ዘርእኻ ናብ ምድሪ ምኽዓው ኣይኮነን፡፡ ኣምላኽ ንዖናን ዝረገሞ ዖናን ንዘርኡ ናብ ምድሪ ስለ ዘፍሰሰ ዘይኮነስ ንሓው ሓድጊ ወይ ውላድ ክገድፍ ብዘይምድላዩ እዩ፡፡ እቲ ጽሑፍ ብዛዕባ ምፍሳስ ዘርኢ ዘይኮነስ ብዛዕባ ስድራቤታዊ ግቡእካ ዘይምምላእ እዩ፡፡ ካልኣይ ንግብረ-ሕቡእ ከም ሓጢኣት ከም ዝቑጸር ንምርኣይ ዝቐርብ ጥቕሲ ድማ ማቴዎስ 5፡27-30 እዩ፡፡ የሱስ ብዛዕባ ሓሳባት ፍትወት ወይ ትምኒት ስጋ ምስ ተዛረበ ቀጺሉ ከምዚ ይብል፡ የማነይቲ ኢድካ እንተ ኣስሓተትካውን ካባኻ ቆሪትካ ደርብያ ፡፡ ኣብ መንጎ እዚ ጽሑፍን ግብረ-ሕቡእን ገለ ርክብ ዘሎ ዝመስል ይኹን እምበር የሱስ ንግብረ-ሕቡእ ፈልዩ ኣይኮነን ዝዛረበሉ ዘሎ፡፡

ግብረ-ሕቡእ ሓጢኣት ከም ዝቑጸር ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጺ ዘይተጠቕሰ ይኹን እምበር እቲ ግብረ-ሕቡእ ንምፍጻም ዝካየድ ተግባራት ሓጢኣት ከም ዝኾነ ኣየጠራጥርን፡፡ ግብረ-ሕቡእ ውጽኢት ትምኒት ስጋ፡ ባዕላዊ ምንቕቓሕ ጾታዊ ፍትወት ከምኡ ድማ ምስትንታንን ምርኣይን ስእልታት ዕርቃን እዩ፡፡ እዞም ነገራት ክትንተኑን ክዝርበሎምን ኣለዎም፡፡ ካብ ትምኒት ወይ ፍትወት ስጋ፡ ሓሳባት ብዕልግናን ስእልታት ዕርቃን ምርኣይን ምስ እትርሕቕ ግብረ-ሕቡእ ከቢድ ጉዳይ ኣይከውንን፡፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ናብ ግብረ-ሕቡእ ዝመርሕ ነገራት ኣብ ክንዲ ዝጥዓሱን ዝናስሑን ነቲ ግብረ-ሕቡእ ብፍጻሞም ጥራይ ሕማቕ ይስምዖም ወይ ሕልናኦም ይኸሶም፡፡

ንግብረ-ሕቡእ ዝምልከቱ ወይ ኣብ ጉዳይ ግብረ-ሕቡእ ክውዕሉ ዝኽእሉ ኣምራት ወይ ምህሮታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣለዉ፡፡ ኤፌሶን 5፡3 ከምዚ ይእውጅ፡ ምንዝርናን ኩሉ ርኽሰትን ወይስ ስሰዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም፡፡ ግብረ-ሕቡእ ካብዚ ብኸመይ የምልጥ፡፡ እቲ ቓል ከምዚ ይብል፡ እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም ወይስ እንተ ሰቴኹም ወይስ ዝኾነ እንተ ገበርኩም፡ ኩሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ (1ቆሮንጦስ 10፡30)፡፡ ንኣምላኽ ዘየኽብሮ ግብሪ ዘይምግባር፡፡ ሓደ ነገር ምሉእ ብምሉእ ንኣምላኽ ባህ ዘየብሎ ኮይኑ ምስ ዝስምዓካ እምበኣር ሓጢኣት እዩ፡፡ ግናኸ ካብ እምነት ዘይኮነ ዘበለ ኹሉ ሓጢኣት እሞ እቲ እናተወላወለ ዝበልዕ ብእምነት ስለ ዘይበልዐ ይኹነን (ሮሜ 14፡23)፡፡ ስጋና ናይ ኣምላኽ ንኽኽውን ከም ዝተዓደገ ወይ ከም ዝተናገፈ ኣይንረስዕ፡፡ ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም እሞ ስጋኹም ቤት መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ ዝተቐበልኩሞ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹም ከም ዘይኮንኩምዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፤ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ (1ቆሮንጦስ 6፡19-20)፡፡ እዚ ዓብዪ ሓቂ እምበኣር ነቲ ኣብ ስጋና እንገብሮ ኩሉ ክቕደና ይግባእ፡፡ እምበኣርከስ ብመሰረት እዚ ምህሮታት ወይ ኣምራት፡ እቲ ግብረ-ሕቡእ ሓጢኣት እዩ ዝብል መጎተ ሓቅን መጽሓፍ ቅዱስ ዝድግፎን እዩ፡፡ ግብረ-ሕቡእ ንኣምላኽ ኣይኽብሮን፡ ብዕልግና ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ በቲ ኣምላኽ ዋና ስጋና ምዃኑ ተፈቲኑ ዝሓልፍ ኣይኮነን፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ግብረ-ሕቡእ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ሓጢኣት ይቑጸርዶ?
© Copyright Got Questions Ministries