settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መርዓ እንታይ ይብል?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ን ምፍጣር መርዓ ኣብ ዘፍጥረት 2፡23-24 ይስንዶ፡ “እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሀል፡ በለ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።” ኣምላኽ መጀመርታ ሰብኣይ ፈጢሩ ድሓር ድማ ንዕኡ እትድግፍ ሰበይቲ ፈጢሩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ መርዓ ናይ ኣምላኽ “ምስትኽኻል” እዩ፡ እቲ ክውንነት ድማ “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡” (ዘፍጥረት 2፡18)።

ከም’ቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ናይ ፈለማ መርዓ ዝገልጾ፡ ን ሄዋን ንምስማይ ድማ “ሓጋዚት” ዝብል ቃል ይጥቀም (ዘፍጥረት 2፡20)። “ምሕጋዝ” ኣብ’ዚ ዓውደ ጽሑፍ ማለት ከኣ “ኣብ ጎኒ ሙዃን፡ ምክልኻል ወይ ደገፍ” እዩ። ኣምላኽ ን ሄዋን ከም “ሓደ ምቃል ፍርቂ” ኮይና ኣብ ጎኒ ኣዳም ክትመጽእን ደጋፊትን ሓጋዚትን ክትከውን እዩ ፈጢርዋ። መጽሓፍ ቅዱስ መርዓ ን ሰብኣይን ሰበይትን “ሓደ ስጋ’ ክኾኑ ይገብሮም ይብል። እዚ ሓደ ሙዃን ድማ ኣብ’ቲ ኣካላዊ ምሕባር ናይ ጾታዊ ርክብ እዩ ቀንዲ ዝግለጽ። ሓድሽ ኪዳን ድማ ብዛዕባ ሓደ ሙዃን መጠንቀቕታ ይውስኽ፡ “ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።” (ማቴዎስ 19፡6)።

ብዙሕ ናይ ጳውሎስ መልእኽትታት ንመርዓን ከምኡ’ውን ኣመንቲ ኣብ ናይ መርዓ ዝምድና ከመይ ክገብሩ ኣለዎም ይጠቅስ። ሓደ ካብ’ዞም ጽሑፋት ከኣ ኤፌሶን 5፡22-33 እዩ። ነዚ ጽሑፍ ምጽናዕ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መርዓ ክኾኖ ዘለዎ እንታይ ይብል ገለ ወሰንቲ ሓቅታት ይህበና።

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኤፌሶን 5፡ ዕዉት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ምርዓ ዘጠቓልሎ ድማ ክልቲኦም እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ገለ ዕማማት ከም ዘማልኡ ይዛረብ፡ “ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 24 ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም።” (ኤፌሶን 5፡22-23)። “ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡-- ርእሱ’ውን በጃኣ ዝሃበ-- ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ።”(ኤፌሶን 5፡25)። “ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና ኣሎ።”(ኤፌሶን 5፡28-29)። “ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ።”(ኤፌሶን 5፡31)።

ኣመንቲ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ ኣምላኽ መምርሒ ናይ መርዓ ከም ናቶም ጌሮም ክሕዝዎ ከለው፡ ሓደ ጽኑዕ፡ ጥዑይ መርዓ ይመጽእ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተመስረተ መርዓ ን ክርስቶስ ርእሲ ክልቲኦም እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ጌሩ ይሕዞ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርዲኢት ናይ መርዓ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ሓደ ሙዃን ዝብል ስእሊ ናይ ሓድነት ክርስቶስ ምስ ማሕበሩ ይሕዝ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መርዓ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries