settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕደራ ናትኩም ፋይናንስ እንታይ ይብል?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕደራ ገንዘብ ብዙሕ ዝብሃል ኣለዎ። ካብ ሰብ ምልቃሕ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይድግፎን እዩ። ምሳሌ 6፡1-5፡ 20፡16፡ 22፡7፡ 26-27 (“ንድኻ ሃብታም ይገዝኦ፡ ተለቃሒ ኸኣ ባርያ እቲ ዜለቅሖ እዩ.... ካብቶም ኢዶም ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ንዕዳ ዚወሐሱ ኣይትኹን። ምፍዳይ እንተ ሰኣንካስ፡ ስለምንታይ እዩ መንጸፍካ ኻብ ትሕቴኻ ዚውሰድ”)። መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ኣንጻር ምኽዕባት ገንዘብ የጠንቅቐናን በንጻሩ መንፈሳዊ ሃብቲ ክንደሊ የተባብዐና። ምሳሌ 28፡20 “እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን” ብተወሳኺ 10፡15፡ 11፡4፡ 18፡11፡ 23፡5።

ምሳሌ 6፡6-11 ብዛዕባ ትህኪትን ዘይተርፍ ዝመጽእ ገንዘባዊ ክሳራ ጥበብ ይህብ። ንሕና ነቲ መግቡ ዝኽዝን ጻዕረኛ ጻጸ ክንምልከት ኢና ንሕበር። እቲ ጽሑፍ ብተወሳኺ ኣብ መኽሰብ ዘለዎ ክንሰርሕ ከሎና ከይንድቅስ ይነግረና። “ሃካይ” ስራሕ ዘይፈቱ ሰብ ካብ ምስራሕ ድቃስ እዩ ዝፈቱ። መወዳእቱ ድማ ፍሉጥ’ዩ ድኽነትን ሃረርታን እዩ ዝኸውን። ኣብ’ቲ ሓደ ሸነኽ ድማ ካልእ ብምኽዕባት ገንዘብ ዝተወለፈ ሰብ ኣሎ። ከም’ዚ ዓይነት ሰብ ድማ ብመሰረት መክብብ 5፡10 ንዑኡ ዘዕግብ እኹል ሃብቲ የሎን ስለዚ ድማ ቀጻሊ ብዙሕ ክሕዝ ኣለዎ። ቀዳማይ ጢሜጠዎስ 6፡6-11 ብተወሳኺ ካብ መፈንጠራ ምድላይ ሃብ’ቲ የጠንቅቐና።

ካብ ንገዛእ ርእስና ሃብቲ ክንኩምር ምድላይ፡ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሞዴል ግን ምሃብ እዩ እምበር ምቕባል ኣይኮነን። “ግናኸ እዚ እብል ኣሎኹ፡ እቲ ቈጢቡ ዚዘርእ ቈጢቡ ይዓጽድ፡ እቲ ብበረኸት ዚዘርእ ግና ብበረኸት እዩ ዚዓጽድ። ኣምላኽ ሕጕስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ” (2 ቆሮንጦስ 9፡6-7)። ብተወሳኺ ንሕና ትጉሃት ኣገልገልቲ ናይ’ቲ ኣምላኽ ንዓና ዝሃበና ክንከውን ኢና ንምከር። ኣብ ሉቃስ 16፡ 1-13 የሱስ ከም መጠንቀቕታ ናይ ሰነፍ ዝኾነ ኣገልግሎት ምስላ ናይ’ቲ ዘይእሙን ኣገልጋሊ ነጊሩና። እቲ ሞራላዊ መልእኽቲ ናይቲ ዛንታ ድማ “እምብኣርከ ብገንዘብ ዓመጻ እሙናት ካብ ዘይትዀኑ፡ ንጥሪት ሓቂ ሕድሪ ዚህበኩም መን እዩ፧” (ጥቕሲ 11)እዩ። ብተወሳኺ ንሕና ንገዛእ ስድራና ክንህብ ሓላፍነት ኣሎና፡ ከምቲ 1 ጤሜጤዎስ 5፡8 ዝብለና ድማ “ ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።”

ብምጥቕላል፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕደራ ገንዘብ እንታይ ይብል? እቲ መልሲ ብሓንቲ ቃል ክጹመቕ ይኽእል እዩ-ጥበብ። ኣብ ገንዘብና ለባማት ክንከውን ኣሎና። ገንዘብ ክንክሙሮ ዘይኮነ ክንቁጥብ ኣሎና። ገንዘብ ከነውጽእ ኣሎና ግን ከኣ ብጥንቃቐን ቁጽጽርን። ተመሊስና ንእግዚኣብሄር ብሓጎስን መስዋእቲ ከፊልናን ክንህብ ኣሎና። ገንዘብና ንካልኦት ንምሕጋዝ ክንጥቀመሉ ኣሎና፡ ግን ከኣ ብምስትውዓልን ብምርሒት መንፈስ ኣምላኽን። ምህብታም ጌጋ ኣይኮነን እንታይ ደኣ ፍቕሪ ገንዘብ እዩ ጌጋ ዝኸውን። ድኻ ሙዃን ጌጋ ኣይኮነን፡ ግን ከኣ ገንዘብ ኣብ ዘይጠቅም ነገር ምጥፋእ ጌጋ እዩ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ መልእኽቲ ኣብ ምሕደራ ገንዘብ ለባም ሙዃን እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕደራ ናትኩም ፋይናንስ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries