settings icon
share icon
ሕቶ

ሓዳር ንሓዋሩ ከም ዝጸንሕ ምግባር--እንታይ እዩ እቲ መፍትሒ?

መልሲ


ዝተመርዓዉ መጻምዲ ሓዳሮም ንሓዋሩ ከም ዝጸንሕ ንምርግጋጽ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም? ሓደ እቲ ቀዳማይን ቀንድን ጉዳይ ንኣምላኽን ንቃሉን ምእዛዝ እዩ። እዚ እዩ ቅድሚ መርዓ ምጅማሩ እቲ ክትግበር ዘለዎ መምርሒ። ኣምላኽ፡ “ክልተ ሰብ እንተ ዘይተሳማምዑስ፣ ብሓደዶ ይመላለሱ እዮም ”ይብለና?” (ኣሞጽ 3፡3)። ንዳግም ዝተወልደ ሰብ፡ እዚ ማለት ድማ ምስ ዝኾነ ኣማኒ ዘይኮነ ሰብ ጥቡቕ ምቅርራብ ዘምጅማር ማለት እዩ። “ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧” (2 ቆሮንጦስ 6፡14)። እዚ ቁጽሪ ሓደ መምርሒ እንተዝስዓብ ኔሩ፡ ድሓር ኣብ መርዓታት ዝመጽእ ብዙሕ ሕማም ልብን፡ ስቓይን መድሓነ ኔሩ።

ካልእ ንዕድመ መርዓ ዝሕልው መምርሒ ድማ እቲ ሰብኣይ ንኣምላኽ ክእዘዝን ከምኡ ድማ ንሰበይቱ ከም ኣካሉ ጌሩ ከፍቅራን፡ ከኽብራን ክሕልዋን ይግብኦ (ኤፌሶን 5፡25-31)። እቲ ተመጣጣኒ መምርሒ ድማ እታ ሰበይቲ ድማ ንኣምላኽ ክትግዛእን ንሰብኣያ ድማ ክትእዘዝንን ይግባእ “ከም ንጎይታ ጌርክን” (ኤፌሶን 5፡22)። መርዓ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ስእሊ ናይ’ቲ ኣብ ሞንጎ ክርስቶስን ማሕበሩን ዘሎ ዝምድና እዩ። ክርስቶስ ገዛእ ርእሱ ንማሕበር ሂቡ፡ ከምኡ’ውን ንሱ ከም “መርዓቱ” ጌሩ ድማ የፍቅራን፡ የኽብራን ይሕልዋን (ራኢ ዮሃንስ 19፡7-9)።

ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ መሰረት ናይ መርዓ ንምህናጽ፡ ብዙሓት መጻምዲ ሓዳሮም ንሓዋሩ ከምዝጸንሕ ንምግባር ዝሕግዝዎም ግብራውያን መገድታት ይረኽቡ፡ ንኣብነት ብሓባር ጽቡቕ ግዜ ምሕላፍ፡ ቀጻሊ “ይፈትወኪ’የ” ምባል፡ ለዋህ ሙዃን፡ ፍቕሪ ምርኣይ፡ ምስጋና ምሃብ፡ ብሓደ ምውጻእ፡ ሓጺር መልእኽቲ ምጽሓፍ፡ ህያባት ምሃብ፡ ከምኡ ድማ ይቕረ ንምባል ድሉው ሙዃን። ኩሎም እዞም ስጉምትታት ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ንሰብኣይን ሰበይትን ዝተሓቑፉ እዮም።

ኣምላኽ ኣብ’ቲ ናይ መጀመርታ መርዓ ን ሄዋን ናብ ኣዳም ምስ ኣምጻኣ፡ ንሳ ካብ ናቱ “ስጋን ዓጽምን” እያ ተሰሪሓ (ዘፍጥረት 2፡21) ስለ’ዚ ድማ “ሓደ ስጋ” ኮኑ (ዘፍጥረት 2፡23-24)። ሓደ ስጋ ሙዃን ማለት ልዕሊ ኣካላዊ ሓድነት እዩ። እዚ ከኣ ምርኻብ ሓሳብን ነፍስን ንሙቛም ሓደ ኣካል እዩ። እቲ ዝምድና ኪንዮ ፍትወት ስጋ ወይ ስሚዒታዊ ስሕበት ናብ መንፈሳዊ ዓለም (ሓደ ሙዃን) ይኸይድ እዚ ከኣ ክልቲኦም መጻምዲ ናብ ኣምላኽን ናብ ሓድሕዶምን ምስ ዝገዛዝኡ እዩ ዝርከብ። እዚ ዝምድና ኣብ “ ኣነን ናተይን” ዘማእከለ ኣይኮነን፡ እንታይ ድኣ “ንሕናን ናህናን” እዩ። እዚ እዩ ሓደ ካብ ሚስጥራት ናይ ንሓዋሩ ዝጸንሕ መርዓ።

ንመርዓ ንሓዋሩ ከምዝጸንሕ ምግባር ክልቲኦም መጻምዲ ቀዳምነት ክህብዎ ዘለዎም ነገር እዩ። ንሓዋሩ ዘጸንሕ መርዓ ዘለዎም መጻምዲ መብጸዐኦም ብሓባር ይጽንብሉ። ብዙሓት መጻምዲ ዋላ’ውን ኣብ ሕርቃን ብዛዕባ ፍትሕ ከይዛረቡ ከም ነጥቢ ይሕዝዎ። ናይ ሓደ ሰብ ትኹላዊ ርክብ ምስ ኣምላኽ ምድልዳል ኣብ ምርግጋጽ ናይ ሓዋሩ ጋድማዊ ርክብ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ነዊሕ ይጓዓዝ።

ሓዳሮም ን ሓዋሩ ክቕጽል ዝደልዩ መጻምዲ ንጸገማት ከመይ ጌርካ ትሕዞም ክምሃሩ ኣለዎም። ጸሎት፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ምትብባዕ ጽቡቕ እዩ። ከምኡ’ውን ናይ ግዳም ሓገዝ ምሕታት’ውን ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን፡ ከም ሓቂ ድማ ሓደ ካብ ዕላማታት ቤተ ክርስትያን ከኣ “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” (እብራውያን 10፡24)። ዝተሸገሩ መጻምዲ ካብ ዕብይ ዝበሉ ክርስትያን ዝኾኑ መጻምዲ፡ ፓስተር ወይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ዝኾኑ ናይ መርዓ ኣማኸርቲ ምኽሪ ክሓቱ ኣለዎም።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ሓዳር ንሓዋሩ ከም ዝጸንሕ ምግባር--እንታይ እዩ እቲ መፍትሒ?
© Copyright Got Questions Ministries