settings icon
share icon
ሕቶ

ድሕሪ ሞትሲ ህይወት ኣሎዶ?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ከም ይብል፤ ሰብ፡ ውሉድ ሰበይቲ፡ ሓጺር ዕድመ፡ ጽጉብ ሓሳር እዩ፡፡ ከም ዕንባባ ይዕንብብ፡ ይጽምሉ ኸኣ፡ ከም ጽላሎት ይሃድም፡ ኣይነብርን ድማ፡፡ ሰብ ድሕሪ ሞይቱ መሊሱዶ ህያው ይኸውን እዩ፤ (እዮብ 14፤1-2,14)፡፡

ከም እዮብ ዳርጋ ኹልና በዚ ሕቶ ኣስተንቲንናን ተዋጢርናን ኢና፡፡ ድሕሪ ምሟትና እንታይ ንኸውን፤ ኣኺሉና ምንባር ወይ ምህላው ነቋርጽ፤ ግላዊ ዕብየት ክሳዕ እንረክብ ናብዛ ዓለም ንመላለስዶ፤ ኩልና ናብ ሓደ ቦታ ወይስ ናብ ዝተፈላለየ ቦታታት ንኸይድ፤ ብሓቂ ገነትን ሲኦልን ኣሎ ድዩ ዋላስ ሓሳባት ጥራይ እዩ?

ድሕሪ ሞት፡ ህይወት ጥራይ ዘይኮንስ ዘልኣለማዊ ህይወት ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ እናበለ ይነግረና፡ ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሓስበ ኣምላኽ ነቶም ዘፍቅርዎ ኣዳለወሎም..(1ቆሮንጦስ 2፡9)፡፡ እቲ ስጋ ዝለበሰ እግዚኣብሄር የሱስ ክርስቶስ ነዚ ዘልኣለማዊ ህይወት ንኽህበና ናብዛ ዓለም መጸ፡፡ ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቖሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና (ኢሳይያስ 53፡5)፡፡

የሱስ ነቲ ንዓና ዝግብኣና መቕጻዕቲ ወሲዱ ነታ ህይወቱ ከይተረፈ ኣሕሊፉ ሃበ፡፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ከኣ ብመንፈስን ብስጋን ካብ መቓብር ተንሲኡ ኣብ ልዕሊ ሞት ከም ዝተዓወተ ኣረጋገጸ፡፡ ንኣርባዓ መዓልታት ኣብ ምድሪ ጸኒሑ ድማ ኣሽሓት እናረኣይዎ ናብታ ኣብ ሰማይ ዘላ ዘልኣለማዊት ቤቱ ዓረገ፡፡ ሮሜ 4፡25 ከምዚ ይብለና፡ ንሱ በሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስአ፡፡

ትንሳኤ ክርስቶስ ብዙሕ ዝተጻሕፈሉን ዝተነግረሉን ፍጻመ እዩ፡፡ ሃዋርያ ጳውሎስ ንብዙሓት ሰባት ኣብቶም ብዓይኖም ዝረኣይዎ መሰኻኽር ክሓቱ ወይ ክጠራጠሩ ዝኽእሉ እንተኾይኖም ይምጉቶም ነበረ፡ ግናኸ ነቲ ሓቅነት ክብድሆ ኮነ ከዋድቖ ዝኸኣለ ኣይነበረን፡፡ ትንሳኤ ክርስቶስ እምነ-ኩርናዕ ክርስትና እዩ ከመይሲ ክርስቶስ ካብ ምውታን ተንሲኡ እዩ እሞ ንሕና ከም እንትንስእ ክንኣምን ንኽእል ኢና፡፡

ጳውሎስ ንገለ ኣብቲ ግዚኡ ዝነበሩ ክርስትያን ከምዚ ብምብል ገንሖም፡ ክርስቶስ ካብ ምውታን ከም ዝተንስአ ካብ ዝስበኽ ደኣ ከመይ ኢሎም እዮም ሓያሎ ካባኻትኩም ትንሳኤ ምውታን የልቦን ዝብሉ፤ ትንሳኤ ምውታን ዘየልቦ እንተኾይኑስ ክርስቶስ ድማ ኣይተንስአን (1ቆሮንጦስ 15፡12-13)፡፡

ክርስቶስ መጀመርያ ናይቶም ዝትንስኡ እዩ፡፡ ሞት ስጋ ብሓደ ሰብ ንሱ ኸኣ ኣዳም መጸ፡፡ ነቶም ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ውሉድ ኣምላኽ ዝኾኑ ግና ሓድሽ ህይወት ይውሃቦም (1ቆረ 15፡20-22)፡፡ ከምቲ ኣምላኽ ንየሱስ ዘተንስኦ፡ የሱስ ክምለስ እንከሎ ክንትስእ ኢና (1ቆረ 6፡14)፡፡

ኩሉ ሰብ ክትንስእ እኳ እንተኾነ ኩሉ ናብ ገነት ኣይኣቱን እዩ፡፡ ሰብ ንዘልኣለም ናበይ ከም ዝኸይድ ሕጂ ክመርጽ ኣለዎ፡፡ ሰብ ሓንሳእ ይመውት ብድሕሪኡ ከኣ ፍርዲ ጥራይ ምዃኑ ኣብ እብራውያን 9፡27 ተቐሚጡ ኣሎ፡፡ እቶም ዝጸደቑ ህይወት ዘልኣለም ክረኽቡ እንከለው እቶም ዘይኣመንቲ ናብ መቕጻዕቲ ዘልኣለም ወይ ሲኦል ይድርበዩ (ማቴዎስ 25፡46)፡፡

ሲኦል ከም ገነት ሓደ ዘልኣለማዊ ቦታ እዩ፡፡ እቶም ዘይኣመኑ ንዘልኣለም ቁጥዓ እግዚኣብሄር ዝወርዶም ቦታ እዩ፡፡ ብሕንከት፡ ውርደትን ጣዕሳን ከኣ ብኣእምሮ፡ ብስምዒትን ብስጋን ይሳቐዩ፡፡

ሲኦል ከም ዕምቆቱ ዘይውዳእ ጉድጓድ (ሉቃስ 8፡31፤ ራእዪ 9፡1)፡ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዝሳቐይሉ ብዲን ዝነድድ ቀላይ ሓዊ (ራእዪ 20፡10) ይግለጽ፡፡ ኣብ ሲኦል መሪር ጓህን ሕርቃንን ስለ ዘሎ ኸኣ ምብካይን ምሕራቃም ኣስናንን ኣሎ (ማቴዎስ 13፡42)፡፡ ኣብኡ እቲ ሓዊ ኣይጠፍእን እቲ ሓሰኻ ከኣ ኣይመውትን (ማርቆስ 9፡48)፡፡ ኣምላኽ ብሞት ረሲኣን ኣይሕጎስን፡ ካብቲ ክፉእ መንገዶም ተመሊሶም ህይወት ክረኽቡ ይፈቱ (ህዝቅኤል 33፡11)፡፡ ይኹን እምበር ኣየገድደናን እዩ፡ እንተ ከሓድናዮ፡ ካብኡ ክንርሕቕ ከም ዝመረጽናዮ ይህበና፡፡

ህይወት ኣብ ዓለም ፈተናን መዳለውን ናይቲ ዝመጽእ እዩ፡፡ ነቶም ዝኣምኑ ምስ ኣምላኽ ንዘልኣለም ክነብሩ ይፍተኑን ይዳለውን፡፡ ቀኒዕና(ጸዲቕና) ነቲ ዘልኣለማዊ ህይወት ብኸመይ ንረኽቦ፤ ሓደ መንገዲ ጥራይ ኣሎ፡ ኣብ ወዲ ኣምላኽ የሱስ ክርስቶስ ብምእማንን ብምውካልን ጥራይ፡፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፡ እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እካ ብህይወት ክነብር እዩ፡፡ ነፍሲወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዝኣምን ከኣ ንዘልኣለም ኣይክመውትን እዩ፡ (ዮሃንስ 11፡25-26)፡፡

ውህበት ዘልኣለማዊ ህይወት ንኹሉ እዩ፡ ግናኸ ርእስና ንኣምላኽ ብምውፋይ ኣብ ዓለም እንፈትዎ ተድላታት ምሕዳግ ንሕተት፡፡ ብወዲ ዝኣምን ናይ ዘልኣለም ህይወት ኣላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቁጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነድድ እምበር ንህይወት ኣይክርእያን እዩ (ዮሃንስ 3፡36)፡፡ ድሕሪ ምሟትና ንንስሓ ዕድል የብልናን ምኽንያቱ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ ቀረብና ክንኣምኖ እምበር ካልእ ምኽንያት የብልናን፡፡ ብእምነትን ብፍቕርን ሕጂ ናብኡ ክንመጽእ ይደልየና ኣሎ፡፡ ንሞት የሱስ ክርስቶስ ከም ክፍሊት ዕዳ ሓጢኣትና ምስ እንቕበሎ ኣብ ምድሪ ትርጉም ዘለዎ ህይወት ጥራይ ዘይኮነ ምስ ክርስቶስ ዘልኣለማዊ ህይወት ኣሎና፡፡

ንየሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ ክትቅበሎ ምስ እትደሊ እዚ ዝስዕብ ጸሎት ኣሎካ፡፡፡፡ እዚ ጸሎት ኮነ ካልእ ጸሎት ምጽላይ ጥራይ ንበይኑ ዘድሕነካ ኣይኮነን፡፡ ካብ ሓጢኣት ዘድሕነካስ ኣብ ክርስቶስ ምእማን ጥራይ እዩ፡፡ እዚ ጸሎት ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነትን ምሕረት ስለ ዝተገብረልካ ድማ ንምምስጋንን እትገብሮ እዩ፡፡ ዎ ኣምላኽ ኣብ ቅድሜኻ ሓጥእ ምዃነይን መቕጽዓቲ ጥራይ ከም ዝግብኣንን ይፈልጥ ኣለኹ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ግና ነቲ ዝግብኣኒ መቕጻዕቲ ወሲዱለይ እዩ እሞ ኣብኡ ብምእማን ክመሓር ይኽእል እየ፡፡ ንድሕነተይ ኣባኻ ይውከል ኣለኹ፡፡ ስለ እቲ ዓብዪን ግሩምን ጸጋኻን ምሕረትካን፡ ስለ እቲ ዝሃብካዮ ዘልኣለማዊ ህይወትን፡ ተመስገን፡፡ ኣሜን፡፡

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ድሕሪ ሞትሲ ህይወት ኣሎዶ?
© Copyright Got Questions Ministries