settings icon
share icon
ሕቶ

ዘልኣለማዊ ድሕነት ናይ ሓጢኣት 'ወረቐት ፍቓድ' ድዩ?

መልሲ


ኣብ ምህሮ ዘልኣለማዊ ድሕነት ካብ ዝለዓል ብዙሕ ተቓውሞ ፡ ንሰባት ከም ዝደልይዎ ኮይኖም ክነብሩ ይገብር እዩ፡ እሞ ከኣ ገና ዝደሓነ ኰይኑ ክነብር። እዚ "ብቴክኒካዊ" እኳ ሓቂ እንተዀነ ፡ ኣብ ክውንነት ግና ሓቂ ኣይኰነን ። ብየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ዝደሓነ ሰብ ኣብ ቀጻሊ ዝዀነ ናይ ፍታው ሓጢኣት ኣይመላለስን እዩ። እቲ ክርስትያን ክነብሮ ዘለዎን ፡ ሓደ ሰብ ምድሓን ንክቕበል ኢሉ ክገብሮ ዘለዎን፡ ፈላሊና ከነቐምጦ ኣሎና፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዝብሎ ፡ ምድሓን ብጸጋ ጥራይ እዩ ፡ብእምነት ጥራይ ፡ብየሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ (ዮሃንስ 3፡16 ፥ ኤፌሶን 2፡8-9 ፥ ዮሃንስ 14፡6)። ሓደ ሰብ ብየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ኣብ ዝኣመነሉ ህሞት ፡ ድሒኑ ኣሎ ፡ ውሕስነት ምድሓን ድማ ኣለዎ ። ምድሓን ብእምነት ተረኺቡስ ፡ ብግብሪ ኣይሕሎን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ገላትያ 3፡3 ነዚ ዛዕባ ኣልዒሉ ክሓትት ከሎ ፡"ክሳዕ ክንድዚ'ዶ ዓያሱ ኢኹም ? ብመንፈስ ጀሚርኩምሲ፡ ሕጂዶ ብስጋ ኽትፍጽሙ ትደልዩ ኣሎኹም ? "ይብል። ብእምነት ድሒንና እንተዀንና ፡ ምድሓንና እውን ዝሕሎን ውሕስነት ዝረክብን ብእምነት እዩ። ናይ ገዛእ ርእስና ምድሓን ክንዕድግ ኣይንኽእል ን ኢና። እምበኣርከስ ፡ ምሕላው ምድሓንና ክንዕድጎ ኣይንኽእልን ኢና። ኣምላኽ እዩ ንምድሓንና ዝሕሉ (ይሁዳ 24)። ኣምላኽ እዩ ኣብ ኢዱ ኣጽኒዑ ሒዙና ዘሎ (ዮሃንስ 10፡28-29)። ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክፈልየና ዝኽእል የልቦን (ሮሜ 8፡38-39)።

ዝዀነ ክሕደት ናይ ዘልኣለማዊ ድሕነት ፡ እቲ ምድሓንና ብገዛእ ግብርናን ጻዕርናን ክንሕልዎ ይግባእ ዝብል እምነት የስምዕ። እዚ ከኣ ምሉእብምሉእ ምስ ጸጋ ምድሓን ኣንጻራዊ እዩ። ሳላ ክርስቶስ ኢና ድሒንና ፡ ብገዛእ ርእስና ኣይኰንናን (ሮሜ 4፡3-8)። ምድሓንና ክንሕሉ ምእንቲ ፡ ንቃል ኣምላኽ ክንእዘዞን ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ህይወት ክንመርሕን ይግባኣና እዩ ምባል ፡ ሞት የሱስ ናይ ሓጢኣትና መቕጻዕቲ ክኸፍሎ ብቑዕ ኣይኰነን ምባል እዩ። ሞት የሱስ ንኲሉ እቲ ዝሓለፈ ሓጢኣትን ናይ ሕጅን መጻእን ክኸፍል ብፍጹምነት እኹል እዩ (ሮሜ 5፡8 ፥1 ቆሮንቶስ 15፡3 ፥ 2 ቆሮንቶስ 5፡21)።

እዚ ማለት ፡ ሓደ ክርስትያን ከም ዝደለዮ ኰይኑ እናነበረ ፡ ድሑን ኰይኑ ክነብር ይኽእል ድዩ? እዚ ብሱሩ ሓሳባዊ ሕቶ እዩ ፡ ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ንጹር ጌርዎ እዩ ፡ ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን "ከም ዝደለዮ ኰይኑ" ኣይነብርን እዩ ፡፡ ክርስትያናት ሓደሽቲ ፍጥረታት እዮም (2 ቆሮንቶስ 5፡17)። ኣብ ክርስትያናት ፍረ መንፈስ እዩ ክረአ ዘለዎ (ገላትያ 5፡22-23) ፡ ግብሪ ስጋ ኣይኮነን ክረአ ዘለዎ (ገላትያ 5፡19-21) ። ከምቲ ቀዳማይ ዮሃንስ 3፡6-9 ብንጹር ዝገልጾ ፡ እቲ ሓቀኛ ክርስትያን ኣብ ቀጻሊ ሓጢኣት ኣይመላለስን እዩ ። ጸጋ ንሓጢኣት የተባብዕ እዩ ንዝብል ክሲ፡ ሃዋርያው ጳውሎስ ኢሉ ኣሎ፡ እምብኣርሲ እንታይ ክንብል ኢና ? ጸጋ ምእንቲ ኺዓዝዝሲ፡ ኣብ ሓጢኣትዶ ንጽናዕ ? ያእ ኣይፋልናን። ንሕና ኻብ ሓጢኣት ዝሞትና፡ ከመይ ኢልና ሕጂ ኣብኡ ኽንነብር ? (ሮሜ 6፡1-2)።

ዘልኣለማዊ ድሕነት ናይ ሓጢኣት ወረቐት ፍቓድ ኣይኰነን። የግዳስ ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ነቶም ኣብ ክርስቶስ ዝውከሉ ውሑስ ምዃኑ ብምፍላጥ ዝርከብ ውሕስነት እዩ። ነቲ ዓብዪ ህያብ ምድሓን ኣምላኽ ምፍላጡን ምርዳኡን ፡ ኣንጻር እቲ ንሓጢኣት ወረቐት ፍቓድ ምሃብ እዩ ዝትግብር ። ዝዀነ ሰብ ነቲ የሱስ ክርስቶስ ንኣና ዝኸፈሎ ዋጋ እናፈለጠ ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ናይ ሓጢኣት ህይወት ምንባሩ ዝቕጽል (ሮሜ 6፡15 -23)? ኣብቶም ዝኣመኑ ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ዘይኲነታዊን ውሑስን ምዃኑ ዝርዳእ ሰብ ፡ ከመይ ኢሉ እዩ ነቲ ፍቕሪ ወሲዱ ናብ ኣምላኽ መሊሱ ዝድርብዮ ? ከምዚ ዓይነት ሰብ ዘርእዮ ዘሎ ነገር፡ እቲ ዘልኣለማዊ ድሕነት ናይ ሓጢኣት ወረቐት ፍቓድ ሂብዎ ዘይኰነስ ፡ እቲ ሰብ ምድሓን ብየሱስ ክርስቶስ ብሓቂ ኣይተመኰረን ዘሎ ፡ " እቲ ኣብኡ ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ ሓጢኣት ኣይገብርን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ሓጢኣት ዚገብር ኣይረኣዮን ኣይፈልጦን’ውን " (1 ዮሃንስ 3፡6)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ዘልኣለማዊ ድሕነት ናይ ሓጢኣት 'ወረቐት ፍቓድ' ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries