settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕጋዊ ክስታት/ምኽሳስ እንታይ ይብል?

መልሲ


ሃዋርያ ጳውሎስ ንናይ ቆሮንጦስ ኣመንቲ ንሓድሕዶም ኣብ ቤት ፍርዲ ከይካሰሱ ሚህርዎም (1 ቆሮንጦስ 6፡1-8)። ክርስትያናት ንሓድሕዶም እንተዘይተሓዳዲጎምን ፍልልያቶም እንተዘይ ኣተዓራሪቖምን መንፈሳዊ ስዕረት እዮም ዘርእዩ ዘለው። እንተድኣ ክርስትያናት ብዙሕ ጸገማት ኣለዎም ኮይኖምን ምፍተሖም ድማ ዘይክእሉ እንተድኣ ኮይኖምን ሓደ ሰብ ደኣ እሞ ከመይ ኢሉ እዩ ክርስትያን ክኸውን? እንተኾነ ግን፡ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ኣሎ እቲ ሕጋዊ ክሲ እቲ ግቡእ መገዲ ናይ ስጉምቲ ዝኾኖሉ። እንተድኣ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ናይ ዕርቂ መገዲ ተሳዒቡ (ማቴዎስ 18፡15-17) ከምኡድማ ዝብድል ዘሎ ኣካል ድማ ገና ኣብ ጌጋ እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ ኣብ ገለ እዋን ሕጋዊ ክሲ ቅቡል ክኸውን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ጥበብ ንምርካብ ድሕሪ ብዙሕ ጸሎትን (ያቆብ 1፡5) ምምኽኻር ምስ መንፈሳውያን መራሕትን እዩ ክግበር ዘለዎ።

ሙሉእ ዓውደ ጽሑፍ ናይ 1 ቆሮንጦስ 6፡1-6 ኣብ ማሕበራት ኣብያተ ክርስትያን ዘሎ ግጭት ይርኢ፡ ኮይኑ ግን ጳውሎስ ብዛዕባ ፍርዲ ንሂወት ዝምልከት ነገራት ክዛረብ ከሎ ንስርዓት ኣብያተ ፍርዲ ይጠቅስ እዩ። ኣብ’ዚ ጳውሎስ ካብ ቤተ ክርስትያን ወጻኢ ዝኾነ ጉዳያት ናይ ሂወት፡ ቤት ፍርዲ ኣለዎ እዩ ዝብል ዘሎ። ናይ ቤት ክርስትያን ጸገማት ድማ ናብ ስርዓተ ቤት ፍርዲ ክኸይድ የብሉን እንታይ ደኣ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ክዳነ ኣለዎ።

ግብረሃዋርያት ምዕራፋት 21-22 ጳውሎስ ብዘይፈጸሞ ገበን ከምዝተኣስረን ብጌጋ ከምዝተኸሰሰን ይዛረብ። ሮማውያን ኣሲሮሞን “እቲ ሓለቓ ሽሕ፡ ነቲ ዚጭድሩሉ ዘለዉ ምኽንያቱ ምእንቲ ኺፈልጥሲ፡ ብመግረፍቲ ኺምርመር ናብ ሰፈር ኬእትውዎ ኣዘዘ። ኪገርፍዎ በጥ ምስ ኣበልዎ ኸኣ፡ ጳውሎስ ነቲ ደው ኢሉ ዘሎ ሓለቓ ሚእቲ፡ ንሮማዊ ሰብ ብዘይ ፍርዲ ኽትገርፍዶ ተፈቒዱልኩም እዩ በሎ?” ጳውሎስ ገዛ ርእሱ ንምክልኻል ንሕጊ ሮማውያንን ንዜግነቱን ተጠቒሙ። ንስርዓተ ኣብያተ ፍርዲ ምጥቃም ጸገም የብሉን እዚ ድማ ብ ቅኑዕ ሃቐናን ጽሩይ ልብን ክሳብ ዝተገብረ እዩ።

ጳውሎስ ብተወሳኺ “ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ?” (1 ቆሮንጦስ 6፡7)። እቲ ጳውሎስ ኣብ’ዚ ዘተሓሳሰቦ ድማ እቲ ምስክር ናይ ኣማኒ እዩ። ካብ ንሓደ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ብምውሳድ ካብ ክርስቶስ ደፊእካ ከም ዝርሕቕ ምግባሩ/ራ ንሕና ክንህሰ ወይ ክንውጻዕ ኣጸቢቑ ይበልጽ። ኣየናይ እዩ እቲ ዘገድስ--ሕጋዊ ቅልስ ዶ ወይስ ቃልሲ ናይ’ታ ዘልኣለማዊት ነብሲ ናይ ሰብ?

ብምጥቕላል፡ ኣብ ጉዳይ ናይ ቤተ ክርስትያን ማሕበር ክርስትያናት ንሓድሕዶም ናብ ቤት ፍርዲ ክካሰሱ ኣለዎም ዶ? ፍጹም ኣይግባእን! ኣብ ሲቪላዊ ጉዳያት ከ ክርስትያናት ንሓድሕዶም ናብ ቤት ፍርዲ ክካሰሱ ኣለዎም ዶ? ብዝኾነ ካልእ መገዲ ክውገድ ዝኽእል እንተድኣ ኮይኑ ኣይፋል። ክርስትያናት ኣብ ሲቪላዊ ጉዳያት ንዘይክርስትያን ናብ ቤት ፍርዲ ክወስድዎ ኣለዎም ዶ? እንደገና፡ ክውገድ ዝካኣል እንተኾይኑ ኣይፋል። ኮይኑ ግን፡ ኣብ ገለ ጉዳያት፡ ከም ናይ ገዛእ ርእስና መሰል ምክልኻል (ከም ናይ ጳውሎስ ኣብነት)፡ ሕጋዊ መፍትሒ ምኽታል ግቡእ ክኸውን ይኽእል እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሕጋዊ ክስታት/ምኽሳስ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries