settings icon
share icon
ሕቶ

ክርስትያናት ንሕጊ ናይ’ቲ ዘለዉዎ ቦታ ክእዘዙ ኣለዎም ዶ?

መልሲ


ሮሜ 13፡ 1-7 “ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ። ስለዚ ኸኣ ነቲ ብዓል ስልጣን ዚቃወም ነቲ ስርዓት ኣምላኽ እዩ ዚቃወሞ። እቶም ዚቃወምዎ ድማ፡ ባዕላቶም ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም። እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።ስለዚ ኸኣ ስለ ሕሊና ኢልኩም እምበር፡ ስለ መቕጻዕቲ ጥራይ ኣይኰነን፡ ክትግዝእዎም ዚግብኣኩም። ገላዉ ኣምላኽ እዮም እሞ፡ በዚ ተግባር እዚ ኸየብኰሩ የገልግሉ ኣለዉ። ስለዚውን ኢኹም ግብሪ እትህቡ ዘሎኹም።እምብኣርስ ግብሪ ንዚግብኦ ግብሪ፡ ተጎ ንዚግብኦ ተጎ፡ ፍርሃት ንዚግብኦ ፍርሃት፡ ክብረት ንዚግብኦ ኽብረት፡ ንዂሉ እቲ ዘዚግብኦ ሃብዎ።” ይብል።

እዚ ጽሑፍ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሌና ዝገበሮ መንግስቲ ክንእዘዝ ከምዘሎና ብሰፊሑ ንጹር እዩ። ኣምላኽ ንመግስቲ ስርዓት ከስፍን፡ ንክፉእ ክቐጽዕን ፍትሒ ከዕብን እዩ ጌርዎ (ዘፍጥረት 9፡6፡ 1 ቆሮንጦስ 14፡33፡ ሮሜ 12፡8)። ንሕና ኣብ ኩሉ ነገር ንመንግስቲ ክንእዘዝ እዩ ዘሎና--ኣብ ምኽፋል ግብሪ፡ ኣብ ምእዛዝ ኣዋጃትን ሕግታትን፡ ኣብ ምርኣይ ኣኽብሮትን። ከም’ዚ እንተዘይጌርና ንኣምላኽ ኢና ምእዛዝ ንነጽግ ዘሎና፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ እዩ ንመንግስቲ ኣብ ልዕሌና ጌርዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ክጽሕፍ ከሎ፡ ንሱ ኣብ ዘመነ ግዝኣት ኔሮ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ሮማ እዩ ኔሩ፡ ግዝኣት ኔሮ ምናልባት ካብ ኩሎም ናይ ሮማ ገዛእቲ እቲ ዝኸፈአ እዩ ኔሩ። ጳውሎስ ግን ግና ግዝኣት ሮማ ኣብ ልዕሊኡ ክገዝእ ተቐቢልዎ ኔሩ። ንሕና ከመይ ጌርና ካብኡ ንታሕቲ ንገብር?

እቲ ዝቕጽል ሕቶ ድማ “ ንሕጊ ናይ’ቲ ዘለናዮ ቦታ ኮነ ኢልና ምእዛዝ ክንኣቢ ንኽእለሉ ግዜ ኣሎ ድዩ?” መልሲ ናይ’ዚ ሕቶ ድማ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 5፡27-29 ይርከብ፡ “ምስ ኣምጽእዎም፡ ኣብቲ ዋዕላ ደው ኣበልዎም። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ፡ በዚ ስም እዚ ኸይትምህሩዶ ኣምሪርና ኣይከልከልናኩምን፧ እንሆ ኸኣ፡ ንየሩሳሌም ብትምህርትኹም መሊእኩምዋ ደም እቲ ሰብኣይ እቲ ናብ ልዕሌና ኸተምጽኡ ትደልዩ ኣሎኹም፡ ኢሉ መርመሮም። ጴጥሮስን ሃዋርያትን ግና፡ ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ።!” ካብ’ዚ ድማ ክሳብ እቲ ሕጊ ናይ’ቲ ዓዲ ምስ ቃል ኣምላኽ ዘይተጋጨወ ነቲ ሕጊ ናይ’ቲ ዓዲ ክንእዘዝ ከምዘሎና ንጹር እዩ። ሽዑ ንሽዑ እቲ ሕጊ ናይ’ቲ ዓዲ ምስ ናይ ኣምላኽ ትእዛዝ ምስ ተጋጨወ ነቲ ሕጊ ናይ’ቲ ዓዲ ክንእዘዝ ኣይግባእን ነቲ ቃል ኣምላኽ ድማ ንእዘዝ። ኮይኑ ግን፡ ዋላ’ውን ኣብ’ዚ እዋን እዚ ናይ ኣምላኽ ስልጣን ኣብ ልዕሌና ኢና ክንቅበል ዝግብኣና። ነዚ ዝገልጽ ክዉን ሓቂ ከኣ ጴጥሮስን ዮሃንስ ብኹርማጅ ክህረሙ ኣይተቓወሙን፡ እንታይ ደኣ ንኣምላክ ብምእዛዞም ብኹርማጅ ምህራሞም ተሓጒሶም (ግብረሃዋርያት 5፡40-42)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ክርስትያናት ንሕጊ ናይ’ቲ ዘለዉዎ ቦታ ክእዘዙ ኣለዎም ዶ?
© Copyright Got Questions Ministries