settings icon
share icon
ሕቶ

ሓደ ነገር ሓጥያት እንተኾይኑ ብከመይ እየ ኣነ ክንፈልጦ ዝኽእል?

መልሲ


ኣብ’ዚ ሕቶ ክልተ ነገራት ኣትዮም ኣለው፡ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዝጠቕሶም ነገራትን ከምኡ ድማ እቶም መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ዘየልዕሎምን ድማ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርዝር ናይ ዝተፈላለዩ ሓጥያት ድማ ከም ምሳሌ 6፡16-19፡ ገላትያ 5፡19-21 ከምኡድማ 1 ቆሮንጦስ 6፡9-10 የጠቓልል። እዞም ጽሑፋት ነቶም ተግባራት ከም ሓጥያት ዝምለኦም፡ ኣምላኽ ዘይፈቕዶም ኢሎም ከምዘቕርብዎም ዘጠራጥር ነገር የሎን። ቅትለት፡ ዝሙት፡ ሓሶት፡ ስርቂ ወዘተ--መጽሓፍ ቅዱስ ነቶ’ም ከም’ዚ ዝኣመሰሉ ነገራት ሓጥያት ኢሉ ከምዘቕርቦም ዘጠራጥር ነገር የሎን። እቲ ዝያዳ ኣሸጋሪ ነገር ከኣ ኣብ’ቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቀጥታ ዘይገልጾ ነገር ኣየናይ እዩ ሓጥያት ኣብ ምውሳን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ዝኾነ ጉዳይ ምስዘየልዕሎ፡ ንዓና ንክመርሑና ኣብ ቃሉ ገለ ሓፈሻዊ መትከላት ኣሎዉና።

መጀምርታ፡ ንጹር መጽሓፍ ቅዱሳዊ መወከሲ ምስ ዘይህሉ፡ ሓደ ነገር ብርግጽ ጹብቕ እንተዳኣኾይኑ ምሕታት እምበር፡ጌጋ እንተኾይኑ ዘይምሕታት ጽቡቕ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኣብነት፡ ንሕና “ጊዜ እናዓደግኩም፡ ምስቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ብጥበብ ተመላለሱ። ንነፍሲ ወከፍ ከም ዚግባእ ከመይ ጌርኩም ክትመልሱ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡” (ቆሎሴ 4፡5) ይብል። እተን ናህና ውሑዳት መዓልትታትና ኣብ ምድሪ ብመንጽር ዘልኣለምነት ሓጸርትን ክቡራትን ስለዝኾና፡ ንሕና ፈጺምና ኣብ ዘሰስዑ ነገራት ግዜ ከነባኽን የብልናን፡ ኮይኑ ግን ኣብ “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ” ክንጥቀመሎም ኣሎና(ኤፌሶን 4፡29)።

ሓደ ጽቡቕ መፈተኒ ከኣ ንሕና ብቅንዕና፡ ብንጹህ ሕልና፡ ንኣምላኽ ንሓደ ውሱን ተግባር ንናቱ ሰናይ ዕላማ ክባርኾን ክጥቀመሉን እንተድኣ ክንሓትት ኪኢልና እዩ። “እምብኣርሲ እንተ በላዕኩም፡ ወይስ እንተ ሰቴኹም፡ ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም፡ ኲሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።” (1 ቆሮንጦስ 10፡31)። እንተዳኣ ንኣምላኽ ዘሕጉሶ ሙዃኑ ሕርኽርኽ ዝብል ነገር ሃልዩ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ምግዳፉ ዝበለጸ እዩ። “ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ” (ሮሜ 14፡23)። ንሕና ኣካልና፡ ከምኡ’ውን ነፍስና፡ ከምዝደሓኑን ናይ ኣምላኽ ከምዝኾነኡን ክንዝክር ይግብኣና። “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።” ( 1 ቆሮንጦስ 6፡19-20)። እቲ ዓቢ ዝኾነ ሓቂ ኣብ እንገብሮን እንኸዶን ርጉጽ ፍረ ክህልዎ ይግባእ።

ብተወሳኺ፡ ንሕና ንግብርታትና በቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና ጌርና ጥራይ ክንግምግሞ የብልናን፡ ግን ከኣ ብመንጽር ጽልውኦም ኣብ ስድራና፡ የዕሩኽትናን ካልኦት ሰባትን ብሓፈሻ ድማ። ዋላ’ውን ሓደ ውሱን ነገር ብውልቂ ዘይጎድኣና እንተኾነ፡ እንተድኣ ንካልእ እናሃሰየ ዝጸሉን ዝትንክፍን ኮይኑ፡ ንሱ ሓጥያት እዩ። “ሓውካ ዚዕንቀፈሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ....፡ እምብኣርሲ ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና፡ ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር፡ ንርእስናውን ባህ ከይነብል፡ ይግብኣና እዩ።” (ሮሜ 14፡21፡ 15፡1)።

ኣብ መወዳእታ፡ የሱስ ክርስቶስ ጎይታናን መድሓኒናን ሙዃኑ ዘክር፡ ስለ’ዚ ድማ ዝኾነ ነገር ናህና ምእዛዝና ንፍቓዱ ልዕሊኡ ኮይኑ ቀዳምነት ክሕዝ ክፍቀደሉ የብሉን። ዝኾነ ልምዲ ወይ ምዝንጋዕ ወይ ድሌት ኣብ ሂወትና ዘይግባእ ግዝኣት ክህልዏ ኣይግባእን፡ ክርስቶስ ጥራይ እዩ ስልጣን ዘለዎ። “ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ ኣሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ።” (1 ቆሮንጦስ 6፡12)። “ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዅሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ። 1” (ቆሎሴ 3፡17)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ሓደ ነገር ሓጥያት እንተኾይኑ ብከመይ እየ ኣነ ክንፈልጦ ዝኽእል?
© Copyright Got Questions Ministries