settings icon
share icon
ሕቶ

ኣነ ኣብ ፍቕሪ ከም ዘለኹ ብኸመይ ይፈልጥ?

መልሲ


ፍቕሪ ሓደ ሓያል ስሚዒት እዩ። ንሂወትና ድማ ብዙሕ የነቃቅሖ። ብዙሕ ኣገዳሲ ውሳኔታት ድማ በዚ ስሚዒት ተሞርኪስና ንገብሮን ስለ’ዚ ድማ “ኣብ ፍቕሪ” ኣሎና ኢልና ስለ ዝስምዓና ንምርዖን። እዚ ክኸውን ይኽእል ፍርቂ ናይ’ቶም ናይ ፈለማ መርዓታት ብፍትሕ ዝዛዘሙ። መጽሓፍ ቅዱስ ሓቀኛ ፍቕሪ ክመጽእን ክኸይድን ዝኽእል ስሚዒት ዘይኮነ ውሳኔ ሙዃኑ ይምህረና፡ ንሕና ነቶም ዘፍቅሩና ጥራይ ኣይኮናን ነፍቅር፡ ከምቲ ክርስቶስ ነቶም ፍቕሪ ዘይግብኦም ዘፍቀረ ተመሳሳሊ ድማ ነቶም ዝጸልኡና’ውን ከነፍቅር ኣሎና (ሉቃስ 6፡35)። “።ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።” (1 ቆሮንጦስ 13፡ 4-7)።

ምስ ሓደ ሰብ “ኣብ ፍቕሪ ምእታው” ቀሊል ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ኮይኑ ግን ቅድሚ እቲ ዝስምዓና ዘሎ ሓቀኛ ፍቕሪ ሙዃኑ ምውሳና ገለ ክንሓቶም ዘለውና ሕቶታት ኣለው። መጀመርታ፡ እቲ ሰብ ክርስትያን ድዩ፡ ማለት ሂወቱ ንክርስቶስ ዝሃበ ድዩ? ንሱ/ንሳ ንድሕነቱ/ታ ኣብ ክርስቶስ ጥራይ ድዮ ኣሚኑ/ና ዘሎ/ላ? ብተወሳኺ፡ እንተድኣ ልብኻን ስሚዒታትካን ንሓደ ሰብ ንምሃብ ትሓስበሉ ሃሊኻ፡ ንገዛእ ርእስኻ ድማ እንተድኣ ነቲ ሰብ ልዕሊ ኩሉ ካልእ ሰብን ከምኡ ድማ ንዝምድናኻ ካልኣይ ድሕሪ ናይ ኣምላኽ ክትሰርዖ ፍቓደኛ እንተኾንካ ሕተታ። መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ሰብ ምስ ተመርዓው፡ ሓደ ስጋ ይኾኑ ይብለና (ዘፍጥረት 2፡24፡ ማቴዎስ 19፡5)።

ካልእ ኣብ ግምት ክኣትው ዘለዎ ድማ እቲ ፈቲኻዮ ዘሎኻ ሰብ ንሓዳር ዘዋጽእ ምርጫ ድዩ ኣይኮነን ምውሳን እዩ። ንሱ/ንሳ ንኣምላኽ ኣብ ሂወቱ/ታ መጀመርታን ቀንድን ጌሩ/ራ ዶ ይቐምጦ? ንሱ/ንሳ ንግዚኡ/ኣ ጽዓቱን ኣብ ምህናጽ ንሙሉእ ሂወት ዝጸንሕ መርዓ ኣብ ምህናጽ ዶ ክህብ ይኽእል? ምስ ሓደ ሰብ ኣብ ሓቀኛ ፍቕሪ ምህላውና ንምውሳን ዝዕቅን መዐቀኒ የሎን፡ ኮይኑ ግን እንተድኣ ንሂወትና ዝምልከት ንስሚዒትና ዲና ንስዕብ ዘሎና ወይስ ንፍቓድ ኣምላኽ ምልላይ ድማ ኣገዳሲ እዩ። ሓቀኛ ፍቕሪ ውሳኔ እዩ፡ ስሚዒት ጥራይ ኣይኮነን። ሓቀኛ መጽሓፍ ቁዱሳዊ ፍቕሪ ድማ ኣብ ፍቕሪ ከም ዘለኻ ስለዝተሰማዓካ ጥራይ ዘይኮነ ንሓደ ሰብ ኩሉ ግዜ ምፍቃር ማለት እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣነ ኣብ ፍቕሪ ከም ዘለኹ ብኸመይ ይፈልጥ?
© Copyright Got Questions Ministries