settings icon
share icon
ሕቶ

ምስ ሞትኩ ገነት ከም ዝኣቱ ብኸመይ ኣርጊጸ ይፈልጥ?

መልሲ


ዘልኣለማዊ ህይወት ከም ዝረኸብካን ምስ ሞትካ ድማ ንገነት ከም እትኣቱን ኣርጊጽካ ትፈልጥዶ፤ ኣምላኽ ኣርጊጽካ ኽትፈልጥ ይደሊ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፡ ንኣኻትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘለኹም ናይ ዘልኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ክትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘለኹ፡፡ (1ዮሃንስ 5፡13)፡፡ ሕጂ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምስ እትቐውም እሞ ስለምንታይ ንዓኻ ንገነት ዘእትወካ ኢሉ እንተ ዝሓተካ እንታይ ምመለስካ፤ እንታይ ከም እትምልስ ኣይትፈልጥን ትኸውን፡፡ እምበኣርከስ ኣምላኽ ከም ዘፍቅረካን ንዘልኣለም ኣበይ ከም እትኸይድን ክትፈልጠሉ እትኽእልን መንገዲ ከም ዝቐረበን ምፍላጥ የድልየካ ኣሎ፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ የቐምጦ፡ ኣምላኽ በቲ ሓደ ወዱ ዝኣመነ ኹሉ ናይ ዘልኣለም ህይወት ምእንቲ ክረክብ እምበር ከይጠፍእሲ ንወዱ በጃ ክሳዕ ዝህብ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ፡፡ (ዮሃንስ 3፡16)፡፡

ብቐዳምነት ነቲ ካብ ገነት ዝኽልክለና ነገር ንረድኣዮ፡፡ እቲ ኸልካሊ ባዕሉ እቲ ሓጢኣትና እዩ፡ ምስ ኣምላኽ ጽቡቕ ርክብ ንኸይህልወና ከልኪሉና ኣሎ፡፡ ንሕና ብተፈጥሮናን ብምርጫናን ሓጥኣን ኢና፡፡ ኩሎም ሓጢኦም ክብሪ ኣምላኽውን ስኢኖም (ሮሜ 3፡23)፡፡ ርእስና ከነድሕን ኣይከኣለናን እዩ፡፡ ሓደ እኳ ከይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኮነን እሞ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሓንኩም፡፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር ካባኃትኩም ኣይኮነን (ኤፌሶን 2፡8-9)፡፡ ሞትን ሲኦልን እዩ ዝግብኣና፡፡ ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ …(ሮሜ 6፡23)፡፡

ኣምላኽ ቅዱስን ፍትሓውን ስለ ዝኾነ ይቐጽዕ፡ ይኹን እምበር የፍቅረና እዩ እሞ ኣብ ሓጢኣትና ሕድገት ይገብር፡፡ የሱስ ከምዚ በለ፡ መንገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ፡፡ ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዝመጽእ የልቦን (ዮሃንስ 14፡6)፡፡ የሱስ ምእንታና ኣብ መስቀል ሞተ፡ ክርስቶስ ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ከቕርበና ኢሉ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ስለቶም ዓመጽቲ ሓንሳእ ስለ ሓጢኣት ሞተ፡ ብስጋ ሞተ፡ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ (1ጴጥሮስ 3፡18)፡፡ የሱስ ካብ ምውታን ተንሰአ፡ ንሱ ብሰሪ ሓጢኣትና በጃ ተዋህበ፡ ስለ ጽድቅናውን ተንስኤ (ሮሜ 4፡25)፡፡

እምበኣር ናብቲ ሕቶና ክንምለስ፡ ምስ ሞትኩ ናብ ገነት ከም ዝኣቱ ብኸመይ ኣርጊጸ ክፈልጥ ይኽእል፤ እቲ መልሲ እዚ እዩ፡ ኣብ ጎይታ የሱስ እመን እሞ ክትድሕን ኢኻ (ግብሪ ሃዋርያት 16፡31)፡፡ ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ኹሎም ብስሙ ንዝኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ክኾኑ መሰል ሃቦም፡፡ (ዮሃንስ 1፡12)፡፡ ህይወት ዘልኣለም ከም ነጻ ውህበት ክትቅበል ኢኻ፡፡ …ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጎይታና ናይ ዘልኣለም ህይወት እዩ፡፡ (ሮሜ 6፡23)፡፡ ሕጂ ምሉእን ጽቡቕን ህይወት ክትጅምር ትኽእል፡፡ …ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ክረኽባ እየ ዝመጻእኩ፡፡ (ዮሃንስ 10፡10)፡፡ ዘልኣለም ምስ ህይወት ክትነብር ኢኻ ከመይሲ ንሱ፡ ከይደ ስፍራ ምስ ኣዳለኹልኩም፡ ኣብቲ ኣነ ዘለኹዎ ንስኻትኩምውን ኣብኡ ምእንቲ ክትኮኑስ ተመሊሰ ክመጽእ እየ እሞ ናባይ ክወስደኩም እየ ኢሉ እዩ (ዮሃንስ 14፡3)

የሱስ ክርስቶስ ከም መድሓኒኻ ተቐቢልካ ካብ ኣምላኽ ምሕረት ክትረክብ ምስ እትደሊ ሓደ ጸሎት እነሆልካ፡፡ እዚ ጸሎት ኮነ ካልእ ጸሎት ምድጋም ንባዕሉ ኣየድሕነካ እዩ፡፡ ምሕረት ሓጢኣት ዝርከብ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ብምእማንን ብምውካልን ጥራይ እዩ፡፡ እዚ ጸሎት ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነትን ምሕረት ስለ ዝተገብረልካ ድማ ንምምስጋንን እትገብሮ እዩ፡፡ ዎ ኣምላኽ ኣብ ቅድሜኻ ሓጥእ ምዃነይን መቕጽዓቲ ጥራይ ከም ዝግብኣንን ይፈልጥ ኣለኹ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ግና ነቲ ዝግብኣኒ መቕጻዕቲ ወሲዱለይ እዩ እሞ ኣብኡ ብምእማን ክመሓር ይኽእል እየ፡፡ ንድሕነተይ ኣባኻ ይውከል ኣለኹ፡፡ ስለ እቲ ዓብዪን ግሩምን ጸጋኻን ምሕረትካን ተመስገን፡፡ ኣሜን፡፡

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ምስ ሞትኩ ገነት ከም ዝኣቱ ብኸመይ ኣርጊጸ ይፈልጥ?
© Copyright Got Questions Ministries