settings icon
share icon
ሕቶ

ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ እንታይ ይብል?

መልሲ


ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ ኣገዳሲ እዩ፡፡ የሱስ ባዕሉ ድማ እቶም ሓቀኛ ኣዝማዱ እቶም ንፍቓድ ኣምላኽ ዝፈልጡን ዝገብሩን እዮም ኢሉ ኣሎ፡፡ ሓወይን ሓበተይን ኣደይንሲ ፍቃድ ኣምላኽ ዝገብር ዘበለ ኹሉ እዩ (ማርቆስ 3፡35)፡፡ የሱስ ብምስላ ናይቶም ክልተ ኣሕዋት ክምህር እንከሎ ንኣሕሉቕ ኣይሁድን ካህናትን ሽማግለታትን ፍቓድ ኣቦ ብዘይ ምግባሮም ብፍላይ ከኣ ክትኣምንዎ ደሓር እካ ኣይተጠዓስኩምን እናበለ ገሰጾም (ማቴዎስ 21፡32)፡፡ ሕመረት ናይ ፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ ብሓጢኣትና ምንሳሕን ኣብ ክርስቶስ ምእማንን እዩ፡፡ ነዚ ቐዳማይ ስጉሚ ዘይወሰድናዮ ምስ እንኸውን ንፍቓድ ኣምላኽ ኣይተቐበልናዮን ኣሎና፡፡

ንክርስቶስ ብእምነት ምስ ተቐበልና ውሉድ ኣምላኽ ንቑጸር (ዮሃንስ 1፡12)፡፡ ንሱ ድማ ብመንገዱ ክመርሓና ይፈቱ (መዝሙር 143፡10)፡፡ ኣምላኽ ንፍቓዱ ከገልጸልና እምበር ካባና ክሓብኦ ኣይደልን፡፡ ኣብ ቃሉ ኣዝዩ ብዙሕ ምርሒታት ድሮ ኣቕሪቡልና ኣሎ፡፡ እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ ብኹሉ ኣመስግኑ (1ተሰሎንቄ 5፡18)፡፡ ሰናይ ግብሪ ክንገብር ይግብኣና (1ጴጥሮስ 2፡15)፡፡ ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም፡፡ ካብ ምንዝርና ክትርሕቁ ኣለኩም፡፡ (1ተሰሎንቄ 4፡3)፡፡

ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍላጡ ብግብሪ ንምርግጋጹን ዝከኣል እዩ፡፡ ሮሜ 12፡2 ከምዚ ይብል፡ እቲ ሰናይን ባህ ዘብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምኻኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ፡፡ ኣብዚ ጽሑፍ ኣገዳሲ ቅደም-ተኸተል ቀሪቡልና ኣሎ፡ ንሱ ኸኣ፡ ውሉድ ኣምላኽ ንዓለም ምምሳል ገዲፉ በቲ መንፈስ ንኽሕደስ ይደንን፡፡ ኣእምሮኡ ብነገር ኣምላኽ ክሕደስ እንከሎ ኸኣ ነቲ ፍጹም ፍቓድ ኣምላኽ ክፈልጥ ይኽእል፡፡

ፍቓድ ኣምላኽ ክንደሊ እንከሎና እቲ ኣብክንገብሮ ሓሲብናዮ ዘሎና ድሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ድሮ ዝተኸልከለ ዘይምዃኑ ነረጋግጽ፡፡ ንኣብነት መጽሓፍ ቅዱስ ምስራቕ ከልኪሉ ኣሎ፡ ብዛዕባ ስርቂ ዘበለ ኣምላኽ ኣብ ቃሉ ድሮ ተዛሪቡ ስለ ዘሎ ባንኪ ክንዘርፍ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዘይኮነ ፈሊጥና ኣሎና፡፡ እዚ ኣብ ጸሎት እነቕርቦ ኣይኮነን፡፡ እቲ እንሓስቦ ዘሎና ንኣምላኽ ዘኽብርን ንርእስናን ንኻልኦትን ብመንፈስ ዝጠቕምን ዘዕብን ምዃኑ ነረጋግጽ፡፡

ፍቓድ ኣምላኽ ንምፍላጥ ዓቕሊ ስለ ዝሓትት ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን፡፡ ኩሉ ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ሓደ ግዜ ክትፈልጦ ምድላይ ባህርያዊ እዩ፡ ይኹን እምበር ንሱ ብኸምኡ ኣይዓይን፡፡ ቀስ ብቐስ እዩ ዝገልጸልና እሞ ቀስ ብቐስ ብእምነት እናዓበና መመሊስና ንዕኡ ንኣምን፡፡ ተወሳኺ ምርሒት ብዓቕሊ ክንጽበ እንከሎና እቲ ቕኑዕ ንገብር ምህላውና እዩ ዘገድስ (ያእቆብ 4፡17)፡፡

ኣምላኽ ዘርዚሩ ክሕብረና ንደሊ ኢና፡ ስራሕ ኣበይ ንሰርሕ፡ ንመን ከም እንምርዖ፡ ኣየነይቲ መኪና ከም እንዕድግ ወዘተ ዘርዚሩ ከፍልጠና ንደሊ፡፡ ንሕና ባዕልና ክንመርጽ ይደልየና እዩ፡ ኣብኡ ምስ እንውከል ከኣ ጌጋ ምርጫ ከይንወስድ ዝሕልወልና መንገዲ ኣለዎ (ግብሪ ሃዋርያት 16፡6-7)፡፡

ንሰብ ዝያዳ ምስ እንቐርቦን እንፈልጦን ነቲ ድልየታቱ ዝያዳ ንፈልጦ ኢና፡፡ ንኣብነት፡ ኩዕሶኡ ጽርግያ ዝነጠረቶ ቆልዓ ደድሕሪኣ ኣይጎይን እዩ ከመይሲ ኣቡኡ ኣብ ጽርግያ ክኣቱ ኣይፈትወሉን እዩ፡፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ነገር ንኣቡኡ ኣይሓትትን እዩ ከመይሲ ንኣቦኡ ይፈልጦ እዩ እሞ እንታይ ከም ዝብሎ ይርድኦ እዩ፡፡ ኣብ ኣምላኽ ድማ ከምኡ እዩ፡፡ ንቓሉ ኣሚንናን መንፈሱ ተወኪልና ምስ ጎይታ ኣብ እንኸደሉ ኣእምሮ ክርስቶስ ከም ዝዕደለና ንርኢ (1ቆሮንጦስ 2፡16)፡፡ ንዕኡ ንፈልጦ እሞ ፍቓዱ ድማ ክንፈልጥ ይሕግዘና፡፡ ምርሒት ኣምላኽ ተቐሪቡልና ንርኢ፡፡ ንፍጹም ሰብ እቲ ጽድቁ መንገዲ የቕንዓሉ፡ ንረሲእ ግና ረሲእነቱ የውርቖ፡፡ (ምሳሌ 11፡5)፡፡

ምስ ጎይታ ጠቢቕና ኣብ እንጎዓዘሉን ብሓቂ ኸኣ ኣብ ህይወትና ዘለዎ ፍቓድን ክንፈልጥ ኣብ እንደልየሉን ኣምላኽ ነቲ ዝደልዮ ኩሉ ኣብ ልብና የቐምጦ፡፡ እቲ መፍትሕ ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር ንፍቓድና ወይ ድልየትና ዘይምድላይ እዩ፡፡ ብእግዚኣብሄ ተሓጎስ ልብኻ ዝደልዮ ንሱ ኽህበካ እዩ፡፡ (መዝሙር 37፡4)፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ህይወተይ እንታይ ምዃኑ ብኸመይ ክፈልጥ ይኽእል፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንፍቓድ ኣምላኽ ምፍላጥ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries