settings icon
share icon
ሕቶ

መንበር ፍርዲ ክርስቶስ እንታይ እዩ?

መልሲ


ሮሜ 14፡10-12 “ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና…እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።” ይብል። ካልኣይ ቆሮንጦስ 5፡10 ድማ “ነፍሲ ወከፍና ነቲ ብስጋኡ ኸሎ ዝገብሮ፡ ሰናይ ኰነ ወይስ እከይ፡ ምእንቲ ኪቕበል፡ ኵላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ብግዲ ኽንግሃድ ኢና።” ይብለና። ኣብ’ዚ ጽሑፍ፡ ክልቲኦም መጻሕፍቲ ንዘይኣመንቲ ዘይኮነ፡ ን ክርስትያናት እዮም ዝውከሱ ዘለው። ስለ’ዚ ድማ እቲ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ናይ ኣመንቲ ጸብጻብ ናይ ሂወቶም ን ክርስቶስ ምሃብ የጠቓልል። እቲ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ንምድሓን ኣይውስንን እዩ፡ እዚ ብናይ ክርስቶስ መስዋእቲ ኣብ ክንዳና ተወሲኑ እዩ (1 ዮሃንስ 2፡2) ከምኡ’ውን እምነትና ኣብ’ኡ ( ዮሃንስ 3፡16)። ኩሉ ሓጢኣትና ተሓዲጉልና እዩ፡ ብኦኦም ድማ ፈጺምና ኣይክንኩነንን ኢና (ሮሜ 8፡1)። ኣብ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ከኣ ኣምላኽ ንሓጢያትና ክፈርድ ክንርኢ የብልናን፡ እንታይ ደኣ ኣምላኽ ንሂወትና ዓስቢ ክህብ እምበር። እወ፡ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ፡ ንሕና ናይ ሂወትና ጸብጻብ ክንህብ ኣሎና። ገለ ክፋል ናይ’ዚ ብርግጽ ነቲ ዝፈጸምናዮ ሓጥያት ምምላስ እዩ። እንተኾነ ግን፡ እዚ ኣይኮነን ናይ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ዋና ኣተኩሮ ክኸውን።

ኣብ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ፡ ኣመንቲ ብመሰረት ክሳብ ክንደይ እሙናት ኮይኖም ንክርስቶስ ኣገልጊሎሞ እዮም ዓስቢ ዝውሃቡ (1 ቆሮንጦስ 9፡4-27፡ 2 ጢሜጢዎስ 2፡5)። ገለ ካብቶም እንፍረደሎም ድማ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ጌርና ነቲ ዓቢ ተልእኾ ተኣዚዝና እዩ (ማቴዎስ 28፡18-20)፡ ክሳብ ክንደይ ኣብ ልዕሊ ሓጥያት ዕዉታት ኔርና (ሮሜ 6፡1-4)፡ ከምኡ ድማ ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ጌርና ልሳንና ተቖጻጺርና (ያዕቆብ 3፡1-9)። መጽሓፍ ቅዱስ ኣመንቲ ክሳብ ክንደይ ንክርስቶስ እሙናት ኮይኖም ኣገሊጊሎም መሰረት ብምግባር ናይ ዝተፈላለዩ ነገራት ኣኽሊላት ከምዝውሃቡ ይዛረብ (1 ቆሮንጦስ 9፡4-27፡ 2 ጤሜጤዎስ 2፡5)። እቶም ዝተፈላለዩ ኣኽሊላት ድማ ኣብ 2 ጢሜጤዎስ 2፡5፡ 2 ጤሜጤዎስ 4፡8፡ ያዕቆብ 1፡12፡ 1 ጴጥሮስ 5፡4 ከምኡ’ውን ራኢ ዮሃንስ 2፡10 ተገሊጾም ኣለው። ያዕቆብ 1፡12 ከመይ ጌርና ብዛዕባ መንበር ፍርዲ ክርስቶስ ክንሓስብ ኣሎና ጽቡቕ መጠቓለሊ እዩ፡

“ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።”

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መንበር ፍርዲ ክርስቶስ እንታይ እዩ?
© Copyright Got Questions Ministries