settings icon
share icon
ሕቶ

ኢየሱስ ኣምላኽዶ እዩ? ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹዶ ይፈልጥ?

መልሲ


ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብልክዕ ኢየሱስ ‘ኣምላኽ ኢየ’ ዝብል ቃል ከምዝተዛረበ ተመዝጊቡ ኣይንረክብን ኢና። እዚ ማለት ግና ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑ ኣይገለጸን ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ዮሓ. 10፡30 ኢየሱስ ዝበሎ እንተሪኢና፡ “ኣነን ኣቦይን ሓደ ኢና”። ነቲ ክርስቶስ ዝበሎ መልሰግብሪ ናይቶም ኣይሁድ ብምርኣይ ጥራይ፡ ኣምላኽ ምኳኑ ይገልጸሎም ከምዝነበረ ንርዳእ። ብሰኪ እዚ መሰረታዊ ምኽኒያት እዮ ከኣ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ዝሓቀኑ። “…ሰብ ከሎኻ ንርእስኻ ኣምላኽ ምብግባርካን” (ዮሓ. 10፡33)። እቶም ኣይሁድ ክርስቶስ እንታይ ይእውጅ ከም ዝነበረ [ማለት ኣምላኽነቱ] ተረዲእዎም እዮ። ንተዓዘብ፡ ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑ ከቶ ኣይከሓደን። ኢየሱስ “ኣነን ኣቦይን ሓደ ኢና” (ዮሓ. 10፡30) ክብል ከሎ፡ ንሱን ኣቦን ሓደ ባህርን ህላውነትን ከምዘለዎም እዩ ዝገለጸ። ዮሓ. 8፡58 እውን ካልእ ኣብነት እዩ፡ “ብሓቂ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣሎኹ፥ ኣብርሃም ከይተወልደ ከሎ ‘ኣነ ኣሎኹ’”። ነዚ ዝሰምዑ ኣይህድ ከምቲ ሕጊ ሙሴ ዝእዝዞም (ዘሌ. 24፡15) ንኣምላኽ ጸሪካ ብምባል ንኢየሱስ ብዳርባ እምኒ ክቀትልዎ ሃቀኑ።

ወንጌል ዮሓንስ ንኣምር ኣምላኽነት ኢየሱስ ዳግም ኣስሚሩሉ እዩ፡ “ቃል ብቐደሙ ነበረ፥ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቃልውን ኣምላኽ ነበረ” ቀጺሉ ድማ “እቲ ቃል ሰብ ኮነ” (ዮሓ. 1፡1, 14) ይብል። እዞም ጥቕስታት ብልክዕን ብንጹርን ኢየሱስ ስጋ ዝለበሰ ኣምላኽ ምዃኑ ይገልጹ። ግ.ሓ. 20፡28 ከምዚ ይብለና፡ “ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ቤተ ክርስትያን ኣምላኽን …”። ግ.ሓ. 20፡28 ኣምላኽ ንቤተ ክርስትያኑ ብገዛእ ደሙ ከምዝዓደጋ እዩ ዝምስክር፡ ስለዚ ድማ ኢየሱስ ኣምላኽ እዩ።

ንክርስቶስ ኣመልኪቱ ወዲ-መዝሙር ቶማስ ከምዚ ኢሉ መስከረ፡ “ጐይታይን ኣምላኸይን” (ዮሓ. 20፡28)። ኢየሱስ ድማ ክእርሞ ኣይፈተነን። ቲቶ. 2፡13 ንምጽኣት ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብተስፋ ክንጽበ የተባብዓና (2ጴጥ. 1፡1 እውን ርአ)። ኣብ ዕብ. 1፡8 እግዚኣብሄር ኣቦ ብዛዕባ ኢየሱስ ከምዚ ይብል፡ “ብዛዕባ ወልድ ግና፥ ‘ኦ ኣምላኸይ! ዝፋንካ ንዘለዓለም ይንበር፥ ንመንግሥትኻ ብጽድቂ ተመሓድር..’”። እግዚሃብሄር ኣቦ ንኢየሱስ ‘ኦ ኣምላኽ’ ኢሉ ጸውዖ፡ እዚ ድማ ኢየሱስ ብርግጽ ኣምላኽ ምዃኑ የረድእና።

ኣብ ራእይ ዮሓንስ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሓንስ፡ ንኣምላኽ ጥራይ ከምልኽ ኣዘዞ (ራእይ 19፡10)። ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ብዙሕ ጊዜ ክርስቶስ ኣምልኾን ስግዳን ከምዝተገበረሉ ተጻሒፉ ኣሎ (ማቴ. 2፡11, 14:33, 28:9, 17; ሉቃ 24:52; ዮሓ. 9:38)። ግናኸ ኢየሱስ ንከየምልኽዎ ወይ ከይሰግድሉ ንሰባት ከቶ ኣጠንቂቕዎም ኣይፈልጥን። ኢየሱስ ኣምላኽ እንተዘይከውን ነይሩ፡ ከምቲ እቲ መልኣኽ ኣብ ራእይ ከይትሰግደለይ ኢሉ ንዮሓንስ ዘጠንቀቖ፡ ኢየሱስውን ንሰባት ከይሰግድሉን ከየምልኽዎን መጠንቀቖም ነይሩ። ንኣምላኽነት ኢየሱስ ዝምስክሩ ብዙሓት ካልኦት ጥቕስታት ቅዱስ መጽሓፍውን ኣለዉ።

ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑ ብግዲ እዩ፡ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምኽኒያት ድማ ኢየሱስ ኣምላኽ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ሞቱ ንሕድገት-ሓጢኣት መላእ ዓለም እኹል ኣምበይ ምኾነን ነይሩ (1ዮሓ. 2፡2)። ኢየሱስ ኣምላኽ እንተ ዘይከውን ነይሩ፡ ሓደ ፍጡር ምኾነ ነይሩ ማለት እዮ፡ ሞቱ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ መወዳእታ ዘይብሉ ኣምላኽ ንዝገበርናዮ ሓጢኣት መመዳእታ ኣልቦ መቕጻዕቲ ኪኸፍሎ ኣይምይ ምኸኣለን። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ነዚ መወዳእታ ኣልቦ መቕጻዕቲ ኪኸፍሎ ዝኽእል። ኣምላኽ ጥራይ እዩ ነቲ ሓጢኣት ናይ ዓለም ክወስድን ክስሪዮን (2 ቆሮ. 5፡21) ክመውትን፡ ንሓጢያትን ንሞትን ስዒሩ ከኣ ክትንስእ ዝኽእል።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኢየሱስ ኣምላኽዶ እዩ? ኢየሱስ ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጹዶ ይፈልጥ?
© Copyright Got Questions Ministries