settings icon
share icon
ሕቶ

ኣምላኽ ኣሎዶ፤ ኣምላኽ ብርግጽ ከም ዘሎ ብኸመይ ኣርጊጸ ክፈልጥ ይኽእል?

መልሲ


ኣምላኽ ከም ዘሎ ኣርጊጽና ንፈልጥ ምኽንያቱ ብሰለስተ መንገድታት ኣርእዩና እዩ፡ ብፍጥረት፡ ብቓሉ፡ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ፡፡

እቲ መሰረታዊ መረጋገጺ ህላውነት ኣምላኽ እቲ ንሱ ዝገበሮ ወይ ዝፈጠሮ ዘበለ እዩ፡፡ ዘማኻንይዎ ምእንቲ ኽስእኑስ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዝፍለጥ ዘይርአ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘልኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርአ፡፡ (ሮሜ 1፡20)፡፡ ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ፡ ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ፡፡ (መዝሙር 19፡1)፡፡

ሓንቲ ሰዓት ወዲቓ ምስ እትረክብሲ፡ ካብ ዘየልቦ መጺኣ ሽዑ ዝተረኽበት ወይ ኩሉ ግዜ ዝነበረት እያ ኣይትብልን፡፡ ንስርሓትን ኣሰራርሓን ናይታ ሰዓት ርኢኻስ ሰራሒ ከም ዘለዋ ኢኻ ትግምት፡፡ ካብኡ ኣዝዩ ንላዕሊ ድማ ኣብ ዓለምን ከባቢናን ብዙሕ ዝበልጽ ስርሓትን ውሕልነትን ኣሎ፡፡ ኣቆጻጽራ ግዜ ብሰዓት ዘይኮነስ ኣብ ስርሓት ኣምላኽ፡ ኣብቲ ልሙድ ዑደት ምድሪ (ከምኡ ድማ ኣብ ጨረርታ ኣቶም ሴስየም-133) እዩ ዝምርኮስ፡፡ ኣድማስ ማለት ኩሉ ፍጥረት ንሓደ ውሕሉል ኣሰራርሓን ሰራሕን የመልክት፡፡

ሓደ ዝተመስጠረ (ብምስጢር ዝተጻሕፈ) መልእኽቲ ምስ እትረክብ ከኣ ነቲ ምስጢር ኣጸሓሕፋ ክትበጽሖ ትህቅን፡፡ እቲ መልእኽቲ ብሓደ ነቲ ምስጢር ክፈጥር ዝኸኣለ ፈላጥ ኣካል ከም ዝተላእከ ትግምት፡፡ ኣብ ዋህዮታት ኣካላትና ሒዝናዮ ዘሎና ኮድ ዲኤንኤ ክንደይ ዝተሓላለኸ እዩ፡፡ ምትሕልላኽን ዕላማን ናይዚ ዲኤንኤ ድማ ስለ ሓደ ኣዝዩ ፈላጥ ሰራሕ ኮድ ኣይዛረብንዶ?

ኣምላኽ ሰራሕ ናይዚ ሕልኽላኽን ውህደት ዘለዎን ግኡዝ ዓለም ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልቢ ነፍሲወከፍ ሰብ ስምዒት ዘልኣለም ሰዅዑ እዩ (መክብብ 3፡11)፡፡ ሰብ ዘበለ ኣብ ህይወት ካብቲ ብዓይኒ ዝርአ ንላዕሊ ከም ዘሎን ካብዚ ንቡር ህይወት ንላዕሊ ህይወት ከም ዘሎን ይስወጦ እዩ፡፡ እቲ ስምዒት ዘልኣለማውነት ብኽልተ መንገድታት ይግለጽ፡ ብምንዳፍ ሕግን ብኣምልኾን፡፡

መብዛሕትኡ ስልጣነታት ወዲ ሰብ ተመሳሳሊ ሕግታት የኽብር፡፡ ንኣብነት፡ ፍቐሪ ኣብ ኩሉ ክኸብር እንከሎ ምሕሳው ድማ ብኹሉ ጽሉእ እዩ፡፡ እዚ ሓባራዊ ምፍታውን ምጽላእን ማለት ኣድማሳዊ ርድኢት ክፉእን ጽቡቕን፡ ናብቲ ነዚ ምፍላጥ ዝሀበ ሓደ ላዕለዋይ ኣካል ዘመልክት እዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ሰብ፡ ከከም ባህሉ፡ ስርዓት ኣምልኾ ኣማዕቢሉ እዩ፡፡ እቲ ዝምለኽ ኣካል ዝፈላለ ይኹን እምበር ንላዕለዋይ ኣካል ኣፍልጦ ምሃብሲ ሰብ ዘበለ ኹሉ ዝገብሮ እዩ፡፡ እቲ ዝንባለ ኣምልኾ ድማ ብምስሊ ኣምላኽ ከም ዝተፈጠርና ዘመልክት እዩ (ዘፍጥረት 1፡27)፡፡

ኣምላኽ ንርእሱ ኣብ ቃሉ ማለት ብመጽሓፍ ቅዱስ ገሊጹልና ኣሎ፡፡ ኣብ መላእ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ህላወ ኣምላኽ ከም ውሁብ ወይ ከም ርጉጽ ተወሲዱ ኣሎ (ዘፍጥረት 1፡1፤ ዘጸኣት 3፡14)፡፡ ሰብ ንግላዊ ታሪኹ ክጽሕፍ እንከሎ ንህላውኡ ከረጋግጽ ኣይደክምን እዩ፡፡ ብተመሳሳሊ ድማ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፉ ህላውኡ ንምርግጋጽ ኣይፍትንን፡፡ እቲ ህይወት ዝልውጥ፡ ቅኑዕን ተኣምራትን መጽሓፍ ቅዱስ ተምሳጥ ዘሕድር እዩ፡፡

ኣምላኽ ንርእሱ ዝገለጸሉ ሳልሳይ መንገዲ ድማ ብወዱ የሱስ ክርስቶስ እዩ (ዮሃንስ 14፡6-11)፡፡ ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ፡፡ እቲ ቓል ስጋ ኾነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሓደረ፡፡ ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዱ ነቦኡ ርኤና፡፡ (ቆሎሴ 1፡1.14፤ ብተወሳኺ ኣብ ቆሎሴ 2፡9 ረአ)፡፡

የሱስ በቲ ዘገርም ህይወቱ ኣቢሉ ንመላእ ሕግን ትንቢታትን ብሉይ ኪዳን መሊእዎን ፈጺምዎን እዩ (ማቴዎስ 5፡17)፡፡ ንመልእኽቱን ኣምላኽነቱን ድማ ብግብሩን ተኣምራቱን ኣረጋጊጽዎ እዩ (ዮሃንስ 21፡24-25)፡፡ ብድሕርዚ ድማ ሰለስተ መዓልታት ድሕሪ ስቕለቱን ሞቱን ካብ ምውታን ተንሲኡ ብብዙሓት ተራእየ (1ቆሮንጦስ 15፡6)፡፡ የሱስ መን ምዃኑ ከኣ ብዙሕ ታሪኻዊ መዛግብቲ መሊኡ ኣሎ፡፡ ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝበሎ ድማ እዚ ኣብ ውሻጠ ኣይተገብረን …(ግብሪ ሃዋርያት 26፡26)፡፡

ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሓት ተጠራጠርቲ ከም ዝህልዉን ነቲ መረጋገጺ ከም ዘይቅበልዎን ንግንዘብ ኢና፡፡ ገለ ድማ ዝኣክል መረጋገጺ ከም ዘየእምኖም ንፈልጥ ኢና (መዝሙር 14፡1)፡፡ ኩሉ ኣብ እምነት እዩ ዝምርኮስ (እብራውያን 11፡6)

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣምላኽ ኣሎዶ፤ ኣምላኽ ብርግጽ ከም ዘሎ ብኸመይ ኣርጊጸ ክፈልጥ ይኽእል?
© Copyright Got Questions Ministries