settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መውስቦ ምስ ዘይዓልየትካ እንታይ ይብል?

መልሲ


ሕጊ ብሉይ ኪዳን ንእስራኤላውያን ካብ ዓለየቶም ወጻኢ ከየእትዉ ኣዚዙዎም ኢዩ (ዘዳግም 7:3-4):: ይኹን እምበር ናይዚ ምኽንያት ሃይማኖት እምበር ሕብሪ ቖርበት ወይስ ብሄር ኣይኮነን፡፡ እግዚኣብሄር ንኣይሁዳውያን ምስ ዘይዓሌቶም ከይምርዓዉ ዝኣዘዞም እቶም ኣብ ከባቢኦም ዝነበሩ ካልኦት ብሄራት ንጣኦታትን ኣማላኽቲ ሓሶትን ስለ ዘምልኹ እዩ፡፡ እስራአላውያን ምስ ኣምለኽቲ ጣኦታትን ኣህዛብን እንተዝመራዓዉ ኸኣ ብርግጽ ካብ እግዚኣብሄር ምረሓቑ፡፡ ብመሰረት ትንቢት ሚልክያስ ድማ እዚ እዩ እቲ ኣብ እስራኤል ዝኾነ፡፡

ኣብ ሓድሽ ኪዳን እውን ተመሳሳሊ ሕጊ መንፈሳዊ ንጽህና ኣሎ፡፡ እዚ ግን ብዛዕባ ዓሌት ኣይኮነን ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ፡፡ ማለት ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፤ (2ይ ቆሮንጦስ 6:14)፡፡ እቶም ኣመንቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝኾኑ እስራኤላውያን ምስ ኣምለኽቲ ጣኦት ከይማራዓዉ ከም ዝተኣዘዙ ኸኣ ንሕና ኣመንቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ዝኾንና ክርስትያን ምስ ዘይኣመንቲ ከይንምርዖ ተኣዚዝና ኢና፡፡ ርግጽ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንመውስቦ ምስ ዘይዓሌትካ ኣይወገዘን፡፡ በዚ መሰረት ከኣ ዝኾነ መውስቦ ምስ ዘይዓሌትካ ዝኽልክል ምስ ዝህሉ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ እዩ፡፡

ከምቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዘስተብሃሎ ድማ ሓደ ሰብ ብመጋብሩ እምበር ብሕብሪ ቖርበቱ ክምዘን ኣይግባእን፡፡ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣብ ህይወት ክርስትና ቦታ የብሉን (ያዕቆብ 2:1-10)፡፡ ብርግጽን ብግብርን ድማ እቲ ቅኑዕ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ርድኢትስ ሓደ ዓሌት ሰብ ማለት ኩሉ ሰብ ካብ ኣዳምን ሄዋንን ከም ዝተወልደ እዩ:: ክርስትያናት ድማ መጻምድቲ ኣብ ምምራጽ ከቐምጥዎ ዘለዎም እንኮ ረቛሒ፡ እቲ ዝደልይዎ ዘለዉ መጻምድቶም ብጎይታ የሱስ ክርስቶስ ምእማኑን ዳግማይ ምውላዱን ምርግጋጽ ጥራይ ክኸውን ኣለዎ (ዮሃንስ 3፡3-5)፡፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዝሃበና መዐቀኒ ከኣ ሕብሪ ቆርበት ዘይኮነስ እምነት ኣብ ክርስቶስ እዩ፡፡ መውስቦ ምስ ዘይዓሌትካ ናይ ቅኑዕን ግጉይን ጉዳይ ዘይኮነስ ናይ ልቦና፡ ምስትውዓልን ጸሎትን ጉዳይ እዩ፡፡

ንመርዓ ዝሓሰቡ መጻምድቲ ብዙሓት ረቛሒታት ከመዛዝኑ የድልዮም፡፡ ሕብሪ ቆርበት፡ መልክዕ፡ ትርኢት ኮነ ስም ወሳኒ ረቛሒ ክኸውን ኣይግባእን፡፡ ካብ ክልተ ዓሌት ዝመጹ ዝምስርትዎ ሓዳር፡ ኣደዳ ኣድልዎን ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡ ይኹን እምበር እቶም ሰብ ሓዳር ነቲ ምግላል፡ ንዕቀትን ጸቢብነትን ብመንገዲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሎም ክምክትዎ ይዳለዉ፡፡ ነቶም ዝጽውዕዎ ኹሎምውን ሃብታም እዩ እሞ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጉሌላን የልቦን (ሮሜ. 10:12)፡፡ ሕብሪ ቆርበት ዘይትፈላሊ ቤተ ክርሰትያን ከምኡ ኸኣ ካብ ነንበይኑ ዓሌታት ዝመጹ ክርስትያን ሰብ ሓዳር ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎና ማዕርነት ዘርኢ ክኸውን ይኽእል እዩ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መውስቦ ምስ ዘይዓልየትካ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries