settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ ክልሰ-ሓሳብ ናይ በሊሕ ዲዛይን?

መልሲ


ክልሰ-ሓሳብ ናይ በሊሕ ዲዛይን ከምዝብሎ ሕልኽላኽ ዝኾኑ፡ ብሓበሬታ ዝሃብተሙ ቅርጽታት ናይ ስነ-ሂወት ንምግላጽ በላሕቲ ጠንቅታት ኣድለይቲ እዮም ይብል፡ ከምኡ ድማ እዞም ጠንቅታት ድማ ብተመክሮ ዝልለዩ እዮም። ገለ ስነ-ሂወታዊ ጠባያት ነቲ መደበኛ ናይ ዳርዊን ወዝቢ-ዕድል ዝብል መግለጺ ይቃወሙ፡ ምኽንያቱ ንሳቶም ዝተሃንደሱ ይመስሉ። ብስነ-መጎት፡ ምህንዳስ በሊሕ ሃንዳሲ ስለዘድልዮ፡ ተርእዮ ናይ ምህንዳስ ከም መርተዖ ናይ ሃንዳሲ ይጥቀስ እዩ። ኣብ ክልሰ-ሓሳብ ናይ በሊሕ ዲዛይን ሰለስተ ቀዳሞት ሞጎተታት ኣለዋ፡ 1) ዘይጎድል ምትሕልላኽ፡ 2) ዝተነጸረ ምትሕልላኽ፡ ከምኡ’ውን 3) ናይ ስነ-ሰብ መትከል።

ዘይጎድል ምትሕልላኽ ከኣ “...ንጽል ስርዓት ኮይኑ ኣጸቢቖም ብዝተሳነዩ ንሓድሕዶም ዝዋስኡ ኣካላት ዝቖመ እዩ፡ ንሶም ድማ ነቲ መሰረታዊ ዕማም የበርክቱ፡ ኣብ’ዚ ምእላይ ናይ ዝኾነ ኣካላት ድማ ነቲ ስርዓት ብኣድማዕነት ካብ ምዕያይ ደው የብሎ።” ተባሂሉ ይትርጎም። ብቀሊል ኣበሃህላ፡ ሂወት ዝተጠናነጉ ኣካላት ዝሓዘት እያ፡ እዚኣቶም ድማ ጠቐምቲ ንክኾኑ ኣብ ንሓድሕዶም ይደጋገፉ። ናይ ወዝቢ ለውጢ ድማ ንምዕባለ ናይ ሓድሽ ኣካል ይሕሰብ ይኸውን፡ ኮይኑ ግን ነቲ ስርዓት ንክዓዪ ዘድልይዎ ብሓደ ዝፍጸም ምዕባለ ናይ ብዙሓት ኣካላት ኮይኑ ክሕሰብ ኣይክኣልን። ንኣብነት፡ ብርግጽ ናይ ሰብ ዓይኒ ኣዝዩ ጠቓሚ ስርዓት እዩ። ብዘይ ኩዕሶ ዓይኒ፡ ነርቭ ናይ ህዋስ ምርኣይን ከምኡ’ውን ሽፋን ምርኣይን፡ ሃንደበታዊ ለውጢ ናይ ዘይተወደአት ዓይኒ ድማ ብሓቂ ንህላወ ናይ ዓሌታት ዓንቃፊ ክኸውን እዩ፡ ስለዚ ድማ ብመስርሕ ባህርያዊ ሕርያ ክእለ እዩ ማለት እዩ። ኩሎም እቶም ኣካላቱ እንተዘይሃልዮምን ኣብ ሓደ ግዜ ብጉቡእ እንተዘይሰሪሖምን ዓይኒ ጠቓሚ ስርዓት ኣይኮነን።

ውሱን ምትሕልላኽ ከኣ ሓደ መረዳእታ ኮይኑ፡ ውሱናት ዝተሓላለኹ ኣቃውማ ኣብ ሂወታውያን ክርከብ ስለዝክኣል፡ ንመቦቆላውነቶም ገለ ዓይነት መራሒ ተሓሲቡ ኔሩ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ውሱን ምትሕልላኽ ሞጎተ፡ ሕልኽላኽ ኣቃውማታት ብ ናይ ወዝቢ መስርሓት ክምዕብሉ ዘይክኣል እዩ ይብል። ንኣብነት፡ ብ 100 ኣህባይን ብ 100 ኮምፒተራት ዝመለአት ክፍሊ መወዳእትኡ ውሑዳት ቃላት ወይ ምናልባት ሓረግ ናይ ቃል እያ እተፍሪ፡ እምበር ፈጺማ ከም ናይ ሸክስፔር ዝመስል ጸወታ ኣይተፍርን። ስነ-ሂወታዊት ዝኾነት ሂወት ማዕረ ክንደይ እያ ካብ ናይ ሸክስፔር ጸወታ ንላዕሊ ሕልኽላኽ?

ናይ ስነ-ሰብ መምርሒ ዓለምን ኣድማስን ንሂወት ኣብ መሬት ንምፍቃድ “ብደቂቕ-ዝተቓነዩ” እዮም ይብል። መጠን ባእታታት ኣየር ናይ መሬት ቅሩብ እንተዝልወጡ ኔሮም፡ ብዙሓት ዓሌታት ቀልጢፎም ምጸነቱ ኔሮም። መሬት ቅሩብ ማይላት ናብ ጸሓይ እንተትቐርብ ወይ ካብ ጸሓይ እንተትርሕቕ፡ ብዙሓት ዓሌታት ምጸነቱ ኔሮም። ንህላወን ምዕባለን ናይ ሂወት ኣብ መሬት ብዙሓት ነገራት ብልክዕ ክጋጠሙ የድሊ፡ እዚ ከኣ ኩሎም እዞም ነገራት ብናይ ወዝቢ ዘይተወሃሃደ ፍጻሜታት ናብ ህላወ ክመጹ ዘይክኣል እዩ።

ክልሰ ሓሳብ በሊሕ ዲዛይን ንምንጪ ናይ ብልሒ (ኣምላኽ ድዩ ወይ ዩፎ ወይ ካልእ ሓደ ነገር) ክፈልዮ ኣይሓስብን እዩ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ናይ በሊሕ ዲዛይን ክልሰ-ሓሳባውያን ከኣ ኣተይስትስ (ኣብ ኣምላኽ ዘይኣምኑን) እዮም። ንስነሂወታዊ ዓለም ዝመልእ ተርእዮ ዲዛይን ከም መርትዖ ናይ ህላወ ኣምላኽ ይርእይዎ። ኣንተኾነ ግን ኣለዉ ገለ ውሑዳት ኣተይስትስ (እምነት ኣምላኽ ዘይብሎም) ነቲ ሓያል መርትዖ ናይ ዲዛይን ዘይክሕዱ፡ ግን ከኣ ንፈጣሪ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ክኣምኑ ፍቓደኛታት ዘይኮኑ። ንሳቶም ነቲ ዳታ ከም መርትዖ ናይ መሬት ብገለ ዓይነት ማስተር ዓሌት ናይ ኣብ መሬት ዘይነብሩ ፍጡራት (ኣሌንስ) ተዘሪኣ ኢሎም ክትርግሙዎ ይደልዩ። ከምኡ ድማ ብርግጽ ንምንጪ ናይ ኣብ መሬት ዘይነብሩ ፍጡራት/ኣሌንስ ኣይጠቕሱን እዮም፡ ስለዚ ብዘይእመን መልሲ ናብ’ቲ ናይ ፈለማ ክትዕ ይምለሱ።

ክልሰ ሓሳብ በሊሕ ዲዛይን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስነ-ፍጥረታዊ ኣይኮነን። ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ መርገጺታት ኣገዳሲ ፍልልይ ኣሎ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስነ-ፍጥረታውያን ብ መደምደምታ ይጅምሩ፡ እዚ ከኣ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጸብጻብ ናይ ስነ-ፍጥረት ዘተኣማምንን ቅኑዕን እዩ፡ ስለዚ ሂወት ኣብ መሬት ብ ሓደ በሊሕ ኣካል እዩ ተሓንጺጹ እዚ ድማ ብኣምላኽ እዩ። ካብ’ኡ ንሶም ነዚ መደምደምታ ንምድጋፍ ካብ ባህርያዊ ዓለም መርትዖ ይደልዩ። ክልሰ ሓሳባውያን በሊሕ ዲዛይን ብባህርያዊ ዓለም ይጅምሩን ከምኡድማ ሂወት ኣብ መሬት ብሓደ በሊሕ ኣካል (ዝኾነ ክኸውን ዝኽእል) እያ ተሃንዲሳ ዝብል መደምደምታ ይበጽሑን።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ ክልሰ-ሓሳብ ናይ በሊሕ ዲዛይን?
© Copyright Got Questions Ministries