settings icon
share icon
ሕቶ

ባህሪ ሰብ፡ ብምስልን መልክዕን ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ፡ ማለት እንታይ ማለት እዩ [ዘፍጥረት 1:26-27]?

መልሲ


ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ናይ ፍጥረት፡ ኣምላኽ በለ፡ “ከም ምስልና፡ ብመልክዕና ሰብ ንግበር”(ዘፍጥረት 1:26)። ስለዚ ስርሑ፡ “ብግብሪ ኢዱ” ፈጸመ። ኣምላኽ ንኣዳም ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ብእስትንፋሱ ኡፍ ኢሉ ድማ ህይወት ሃቦ፡ (ዘፍጥረት 2:7)። ብከምዚ ድማ፡ ካብ መንጎ ኩሉ ፍጥረታት ናይ ኣምላኽ፡ ባህሪ ሰብ፡ ክልቲኡ ዝርአ ኣካልን፡ ዘይርአ ነፍሲ/መንፈስን ዘለዎ ፍሉይ ፍጥረት እዩ።

“ምስሊ” ወይ “መልክዕ” ኣምላኽ ምህላው ማለት፡ ብሕጽር ዝብለ ኣገላልጻ፡ ንሕና ንኣምላኽ ክንመስል ዝተፈጠርና ማለት እዩ። ኣምላኽ ስጋን ደምን ከም ዘለዎ ገይርካ ብምሕሳብ፡ ኣዳም ንኣምላኽ ኣይመስልን። ቅዱስ ጽሑፍ “ኣምላኽ መንፈስ እዩ” ይብል፡(ዮሃንስ 4:24) ስለዚ ብዘይ ስጋዊ ኣካል ዝነብር እዩ። እንተኾነ ኣዳም ብፍጹም ጥዕና ዝተፈጥረን፡ ኣደዳ ሞት ከይኮነን ከሎ፡ ናይ ኣዳም ኣካል፡ ንህይወት ኣምላኽ የንጸባርቕ ነይሩ።

ምስሊ ኣምላኽ፡ (ላቲን: ኢማጎ ደይ) ነቲ ዘይርአ ክፋል ባህሪ ሰብ የመልክት። ንደቂ ሰብ ካብ ናይ እንስሳ ዓለም ፈልዩ ኣቖሞም፡ ኣብ ኣምላኽ ዝወጠኖ ግዝኣት፡ ኣብ ልዕሊ ኩላ ምድሪ ክመልኩን፡ (ዘፍጥረት 1:28)፡ ምስ ፈጣሪኦም ክራኸቡን ኣኽኣሎም። እቲ መልክዕ፡ ኣእምሮኣዊ፡ ሞራላውን ማሕበራውን መልክዕ እዩ።

ኣእምሮኣዊ ባህሪ ሰብ፡ ከም ርትዓውን ፍቓደኛን ኮይኑ ተፈጥረ። ብካልእ ኣዘራርባ፡ ደቂ ሰባት ብርትዒ ክሓስቡን [ከመዛዝኑን] ክመርጹን ይኽእሉ እዮም። እዚ ከኣ ነጸብራቕ ናይ ኣምላኽ ብልሕን ናጽነትን እዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን፡ ሓደ ሰብ። ማሽን ክህንድስ፡ መጽሓፍ ክጽሕፍ፡ ክቕብእ፡ ብውህደት ሙዚቃ ክፍሳህ፡ ድምር [ሕሳብ] ክቕምር፡ ወይ እንስሳ ዘቤት ክስይም፡ ንሱ ወይ ንሳ፡ ብምስሊ ኣምላኽ ምፍጣርና፡ በቲ ክውንነት ይገልጹ ኣለዉ።

ሞራላዊ፡ ባህሪ ሰብ ብጽድቕን ፍጹም ንጹህናን [በደል ኣልቦ]፡ ነጸብራቕ ቅድስና ኣምላኽ ኮይኑ ተፈጥረ። ኣምላኽ ንኩሉ ዝገበሮ ረኣዮ (እንኮላይ ንባህሪ ሰብ)፣ “ኣዝዩ ጽቡቕ” ኢሉ ከኣ ሰመዮ (ዘፍጥረት 1:31)። ሕልናና ወይ “ብሶላ ሞራል” ኣሰር ናይቲ ቀዳማይ መድረኽ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ዝኾነ እዋን ሕጊ ክጽሕፍ፡ ካብ ክፉእ ድሕር ክብልን፡ ንሰናይ ባህርያት ከመስግን፡ በደለኛ ምዃኑ ክስምዖ ከሎ፡ ንሕና ብምስሊ ኣምላኽ ምፍጣርና፡ በዚ ንሱ ወይ ንሳ ዘርእይዎ ክውንነት የረጋግጹልና።

ኣብ ማሕበራዊ መዳይ፡ ባህሪ ሰብ ንሕብረት/ንምሕባር ተፈጢሩ። እዚ ናይ ኣምላኽ ስላሴኣዊ ባህርን ፍቕሩን የንጸባርቕ። ኣብ ኤደን ናይ ባህሪ ሰብ ፈለማዊ ዝምድና ምስ ኣምላኽ እዩ ነይሩ (ዘፍጥረት 3:8 ሕብረት ምስ ኣምላኽ ይሕብር) ኣምላኽ ከኣ ነታ ቀዳመይቲ ሰበይቲ ገበረ፡ ምኽንያቱ “ሰብኣይ ንበይኑ ክኸውን ጽቡቕ ኣይኮነን” (Genesis 2:18)። ኣብ ዝኾነ እዋን ሓደ ዝምርዓው፡ ዕርክነት ዝዓርኽ፡ ቆልዓ ዝሓቍፍ፡ ወይ ቤተ-ክርስትያን ዘዘውትር፡ ንሱ ወይ ንሳ፡ ነቲ ክውንነት፡ ንሕና ብመልክዕ ኣምላኽ ምፍጣርና፡ ይገልጹ ኣለዉ።

ክፋል ናይቲ ብምስሊ ኣምላኽ ምፍጣር ዘርኢ ከኣ፡ ናይ ኣዳም ናጻ ሕርየታት/ምርጫታት ዝነበሮ ምዃኑ እዩ። ዋላ’ኳ ናይ ጽድቂ ባህሪ ይወሃቦም፡ ኣዳምን ሄዋንን ኣንጻር ፈጣሪኦም ክዓልዉ መሪጾም። በዚ ተግባራት እዚ፡ ኣብ ውሽጦም ዝነበረ ምስሊ ኣምላኽ ኣበላሽዮምን፡ ነቲ ዝተበላሸ መልክዕ ድማ፡ ናብ ኩሎም ወለዶታቶም ኣመሓላሊፎምን (ሮሜ 5:12)። ሎሚ፡ ንሕና ገና ዛጊት ምስሊ ኣምላኽ ዝሓዝና ክነስና (ያዕቆብ 3:9)፡ በሰላ ሓጢኣት እውን ዝሓዝና ኢና። ንሕና፡ ኣእምሮኣዊ፣ ሞራላዊ፡ ማሕበራውን ኣካላውን ውጽኢት ሓጢኣት ነርኢ ኣሎና።

እቲ ሰናይ ብስራት ዝበሃል እምበኣር፡ ኣምላኽ ንሓደ ሰብ ሓራ ምስ ገበሮ፡ እቲ ሰብ እቲ፡ ናብቲ ቅድም ዝነበሮ ምስሊ ኣምላኽ ምሕዳስ ይጅምርን “ሓዲሽ ሰብነት፡ ድማ ይፈጥር፡ እዚ ድማ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ብቅድስናን” ንመልክዕ ኣምላኽ ዝመስል ብምፍጣር እዩ (ኤፌሶን 4:24)። ካብቲ ካብ ኣምላኽ ዝፈልየና ሓጢኣት፡ በቲ ጸጋ ኣምላኽ ብእምነት፡ ብክርስቶስ የሱስ፡ ከም መድሓኒና፡ እቲ ድሕነት፡ ካብ ኣምላኽ ጥራሕ እዩ ዝርከብ (ኤፌሶን 2:8-9)። ንሕና ብክርስቶስ ብመልክዕ ኣምላኽ፡ ሓዲሽ ፍጥረት ኮይንና ኢና (2ይ ቆረንቶስ 5:17).

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ባህሪ ሰብ፡ ብምስልን መልክዕን ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ፡ ማለት እንታይ ማለት እዩ [ዘፍጥረት 1:26-27]?
© Copyright Got Questions Ministries