settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረሶዶም እንታይ ይብል፤ ግብረሶዶም ሓጢኣት ድዩ?

መልሲ


ግብረሶዶም ሓጢኣት ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ደጋጊሙ ይነግረና (ዘፍጥረት 19፡1-13፤ ዘሌዋውያን 18፡22፤ ሮሜ 1፡26-27፤ 1ቆሮንጦስ 6፡9)፡፡ ብፍላይ ሮሜ 1፡26-27 ከኣ ግብረሶዶም ውጽኢት ምኽሓድን ዘይእምእዛዝን ኣምላኽ ምዃኑ ይምህረና፡፡ ሰባት ኣብ ሓጢኣትን ዘይምእማንን ምስ ዝተሩ፡ እቲ ካብ ኣምላኽ ርሒቖም ዝገብርዎ ኩሉ ኸንቱን ቅቡጽን ምዃኑ ምእንቲ ክርእዩ ኣምላኽ ንኸፋእን ሕሱርን ሓጢኣት ኣሕሊፉ ይህቦም፡፡ 1ቆሮንጦስ 6፡9 ድማ ግብረሶዶማውያን መንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርሱ ይእውጅ፡፡

ኣምላኽ ንሰብ ግብረሶዶማዊ ድልየት ወይ ፍትወት ዘለዎ ገይሩ ኣይፈጠሮን፡፡ ሰባት ሶዶማውያን ዝኾኑ ብሰሪ ሓጢኣትን ብምርጫኦምን ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና (ሮሜ 1፡24-27)፡፡ ከምቲ ገለ ሰባት ንዓመጽ ወይ ካልእ ሓጢኣት ዘንቢሎም ዝውለዱ፡ ገለ ሰባት ድማ ንግብረሶዶም ዘንቢሎም ወይ ተቓሊዖም ክውለዱ ይኽእሉ፡፡ እዚ ግና እቲ ሰብ ናብ ክፉእ ድልየታት ብምኻድ ክሓጥእ ዘመኽንየሉ ኣይኮነን፡፡ ሓደ ሰብ ንሕርቃን ወይ ነድሪ ተቓሊዑ ወይ ዘንቢሉ ምስ ዝፍጠር እሞ ብቐጻሊ ምስ ዝሓርቕን ዝንድርን ቅኑዕ ይገብር ኣሎዶ፤ ኣይፋልን፡፡ ኣብ ግብረሶዶም ድማ ከምኡ እዩ፡፡

ይኹን እምበር፡ ግብረሶዶም ካብ ካልእ ሓጢኣት ዝበኣሰ ዘይምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና፡፡ ኩሉ ሓጢኣት ዘበለ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምእባስ እዩ፡፡ ግብረሶዶም ከኣ ሓደ ካብቶም ኣብ 1ቆሮንጦስ 6፡9-10 ተዘርዚሮም ዘለዉ ንሰብ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ዘርሕቕዎ በደላት እዩ፡፡ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ድማ ከምቲ ንዘማዊ፡ ንኣምላኺ ጣኦት፡ ንቐታሊ፡ ንሰራቒ ወዘተ ዝግበረሉ ምሕረት ነቲ ሶዶመኛ ድማ ምሕረት ይግበረሉ እዩ፡፡ ብተወሳኺ ኸኣ ኣምላኽ ነቶም ንድሕነቶም ብየሱስ ክርስቶስ ዝኣምኑ ኩሎም ኣብ ልዕሊ ግብረሶዶም ይኹን ካልእ ኩሉ ሓጢኣት ዘበለ ክስዕሩ ከም ዘሐይሎም ተስፋ ሂቡ ኣሎ (1ቆሮንጦስ 6፡11፤ 2ቆሮንጦስ 5፡17፤ ፊልጲ 4፡13)፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ግብረሶዶም እንታይ ይብል፤ ግብረሶዶም ሓጢኣት ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries