settings icon
share icon
ሕቶ

ጋሃነም ርግጽ ድዩ? ጋሃነም ንዘልኣለም ድዩ?

መልሲ


ዘገርም ነገር ብርክት ዝበለ ሚእታዊት ናይ ሰባት ካብ ህላውነት ናይ ጋህነም፡ ኣብ ህላውነት መንግስተ ሰማይ ይኣምኑ። ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ጋህነም’ውን ልክዕ ከም መንግስተ ሰማይ ርጉጽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹርን ብግልጽን ጋህነም ረሲኣን/ዘይኣመንቲ ድሕሪ ሞት ዝኸዱሉ ርጉጽ ቦታ ሙዃኑ ይምህር።ንሕና ኩልና ኣንጻር ኣምላኽ ሓጢእና (ሮሜ 3፡23)። እቲ ፍትሓዊ መቕጻዕቲ ናይ’ቲ ሓጢኣት ድማ ሞት እዩ (ሮሜ 6፡23)። ኩሉ ሓጢያትና ኣብ መጨረሽኡ ኣንጻር ኣምላኽ ስለዝኾነ (መዝሙር 51፡4) ከምኡ ድማ ኣምላኽ ደረት ኣልቦን ዘልኣለማውን ስለዝኾነ፡ እቲ መቕጻዕቲ ናይ ሓጥያት ዝኾነ፡ ሞት ድማ ደረት ኣልቦን ዘልኣለማውን ክኸውን ኣለዎ። ጋሃነም ድማ ብሰንኪ ሓጥያትና ዝረኸብናዮ እቲ ደረት ኣልቦን ዘልኣለማውን ሞት እዩ።

መቕጻዕቲ ናይ’ቶም ዝሞቱ ረሲኣን ኣብ ጋሃነም ከኣ ኣብ ሙሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ከም “ዘልኣለማዊ ሞት” (ማቴዎስ 25፡41)፡ “ዘይጠፍእ ሓዊ” (ማቴዎስ 3፡12)፡ “ሕፍረትን ናይ ዘልኣለም ነውርን” (ዳኒኤል 12፡2)፡ ቦታ ናይ “ዘይጠፍእ ሓዊ” (ማርቆስ 9፡44-49)፡ ቦታ ናይ “ስቓይን” ከምኡከኣ “ሓዊ” (ሉቋስ 16፡23-24)፡ “ዘልኣለማዊ ጥፍኣት” (2 ተሰሎንቄ 1፡9)፡ ቦታ ናይ “ትኪ ናይ ስቓይ ከኣ ንዘልኣለም ኣለም ይወጽእ” (ራኢ ዮሃንስ 14፡10-11)፡ ከምኡ ድማ “ ቀላይ ናይ ዝነድድ ዲን” እዚ ከኣ እቶም ረሲኣን “ ለይትን መዓልትን ንዘልኣለም ኣለም ክሳቐዩ እዮም” (ራኢ ዮሃንስ 20፡10)።

መቕጻዕቲ ናይ ረሲኣን ኣብ ግሃነም ድማ ከምቲ ፍስሃ ናይ ጻድቃን ኣብ መንግስተ ሰማይ መወዳእታ የብሉን። የሱስ ባዕሉ ከምቲ ሂወት ኣብ መንግስተ ሰማይ ንዘልኣለም ዝኾነ እቲ መቕጻዕቲ ኣብ ገሃነም ከምኡ ሙዃኑ ይሕብር። (ማቴዎስ 25፡46)። ረሲኣን ድማ ናብ ናይ ዘልኣለም ኩራን ቁጠዐን ኣምላኽ ክኣትዉ እዮም። እቶም ኣብ ገሃነም ዘለው ነቲ ፍጹም ዝኾነ ፍትሒ ኣምላኽ ክእመኑ እዮም።(መዝሙር 76፡10)። እቶም ኣብ ገሃነም ዘለው መቕጻዕቶም ግቡእ ሙዃኑን ከምኡ ድማ ባዕሎም ከም ዝሕተቱን ክፈልጡ እዮም። (ዘዳግም 32፡3-5)። እወ፡ ገሃነም ርግጽ እዩ። እወ፡ ገሃነም ንዘልኣለም ኣለም ዝነብር መወዳእታ ዘይብሉ ቦታ ናይ ስቓይን መቕጻዕትን እዩ። ኣምላኽ ይመስገን፡ ንሕና ብየሱስ ነዚ ዘልኣለማዊ ዕጫ ክንሃድመሉ ኢና (ዮሃንስ 3፡16፡ 18፡ 36)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ጋሃነም ርግጽ ድዩ? ጋሃነም ንዘልኣለም ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries