settings icon
share icon
ሕቶ

ኣብ ሰማይ ዘለው ሰባት ናብ ታሕቲ ቁሊሕ ኢሎም ንዓና ነቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘሎና ክርእዩና ይኽእሉ ድዮም?

መልሲ


ገለ ገለ ኣብ እብራውያን 12፡1 ዘሎ ሓሳብ ኣብ ሰማይ ዘለው ሰባት ንታሕቲ ቁሊሕ ኢሎም ንዓና ክርእዩ ይክእሉ እዮም ኢሎም ይሓስቡ፡ “ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዝኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና…” እቶም “ምስክር” እቶም ኣብ እብራውያን 11 ተጸዊዖም ዘለው ናይ እምነት ጀጋኑ እዮም፡ ከምኡ ድማ ንሕና ብኦኦም “ተኸቢብና” ዝብል ክውንነት ን ገለ ጽሓፍቲ ነዞም ጀጋኑ (ካልኦት ሰባት ውን ክህልዉ ይኽእሉ) ንዓና እዮም ካብ ሰማይ ዝርእዩና ዘለው ናብ ዝብል ይመርሖም።

እቲ ካብ ሰማይ ንዓና እንታይ ንገብር ከምዘሎና ንታሕቲ ምርኣይ ዝብል ሓሳብ ኣብ ፍሉጥ ዝኾነ ባህሊ ልሙድ እዩ። ነቲ እቶም ዝሓደጉና ነፍቅሮም ሰባት ይርእዩና እዮም ዝብል እምነት ክሳብ ዝደለና መጠን ክንፈትዎ ንኽእል ኢና፡ ኮይኑ ግን እብራውያን 12፡1 ከምኡ ኣይኮነን ዝምህር ዘሎ። ጸሓፊ ኣብ እብራውያን 11 እናሃነጸ፡ ገለ ግብራዊ ዝኾነ ትምህርትታት ከቐምጥ ጅምር (ስለ’ዚ እዩ ድማ ምዕራፍ 12 “ስለ’ዚ” ኢሉ ዝጅምር)። እቶም “ምስክር” ከኣ እቶም ኣምላኽ ኣብ ምዕራፍ 11 ንእምነቶም ዝነኣዶም ሰባት እዮም፡ ካብኣቶም ድማ ኣብ ሰማይ ብዙሓት ኣለው። እቲ ሕቶ ድማ፡ ብኸመይ መገዲ እዮም “ምስክር”?

እቲ ግቡእ ትርጉም ናይ እብራውያን 12፡1 ከኣ ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ “ብኽንድዚ ዝኣክል ደበና ምስክር” ዝብል ዘቑሙ ኮይኖም ንሳቶም ነቲ ክብሪ ናይ ብእምነት ዝንበር ሂወት ምስክር እዮም። ናቶም ናይ ብሉይ ኪዳን ታሪኽ ድማ ንበረኸት ምምራጽ እምነት ኣብ ልዕሊ ፍርሒ ምስክር ይህብ።ንመእተዊ ናይ እብራውያን 12፡1 ብኻልእ ኣበሃህላ ንምጽሓፍ “ንሕና ዝተፈተኑን ብዙሓት ሓቐኛ ኣብነታት ናይ ዝተረጋገጸ እምነት ስለዘለዉና…” ስለዚ ከኣ ኣብ ሰማይ ዘለው ሰባት ይርእዩና ኣይኮኑን ዘለው ( እዚ ከኣ ኣብ ምድሪ ዘሎ ሂወትና ሰሓቢ ስለዝኾነ ወይ ንሳቶም ካልእ ዝሓሸ ዝግበር ስለዘይብሎም!)፡ ኮይኑ ግን እቶም ቅድሜና ዝሓለፉ ናይ ሓዋሩ ኣብነት ገዲፎሙልና ከይዶም ኣለው። ታሪኽ ናይ ሂወቶም ድማ ምስክር ንእምነት፡ ንኣምላኽን ንሓቅን የርኢ።

ቀጺሉ እብራውያን 12፡1 “ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚኣክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና፡ ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀናን ሓጢኣትን ነርሕቕ፡ በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ። ብምኽንያት እምነትን ጽንዓትን ናይ’ቶም ቅድሜና ዝሓለፉ ኣመንቲ፡ ንሕና ድማ ኣብ ናህና ጉያ ናይ እምነት ኣብ መገድና ክንጸንሕ እዩ ዘበራትዓና። ንሕና ኣብነታት ናይ ኣብራሃምን ሙሴን ረሃብን ጊደዎንን ወዘተ ንስዕብ።

ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ሉቃስ 16፡28 ዘሎ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነሕዋቱ ዝበሎ ከም መረጋገጺ ብምጥቃስ፡ ዝሓለፋ ነፍሳት (ብውሑዱ ኣብ ስፍራ ምዉታን) ኣብ ምድሪ ዘሎ ፍጻሜታት ክርእዩ ይክእሉ እዮም ይብሉ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ጽሑፍ ፈጺሙ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነሕዋቱ ክርእዮም ይኽእል እዩ ኣይብልን፡ ንሱ ኣሕዋት ከምዝነበርዎን ኣመንቲ ድማ ከምዘይነበሩን ይፈልጥ ኔሩ። ብተወሳኺ፡ ገለ ሰባት ን ራኢ ዮሃንስ 6፡10 ከም መረጋገጺ ጽሑፍ ይጥቀሙሉ፡ ናይ’ቲ መከራ ሰማእት ንኣምላኽ ሕነ ደሞም ክፈዲ ይጽውዑ። እንደገና፡ እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ እዞም ሰማእት ኣብ ምድሪ ንዘለው ሰባት ከምዝርእዩ ወልሓደ ነገር ኣይዛረብን እዩ፡ ፍትሒ ከምዝግበኦምን እግዚኣብሄር ድማ ስጉምቲ ክወስድ ከምዝደልዩን ጥራይ እዩ ዝዛረብ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ኣብ ሰማይ ዘለው ሰባት ናባና ንታሕቲ ክጥምቱ ኣይክእሉን እዮም ኣይብልን እዩ፡ ስለዚ ድማ ንሕና ዶግማቲክ ክንከውን ኣይንኽእልን። እንተኾነ ግን፡ ከምኡ ክገብሩ ብዙሕ ዘይመስል እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለው ሰባት ዳርጋ ብካልእ ነገራት እዮም ትሑዛት፡ ከም ንኣምላኽ ምምላኽን ብኽብሪ ናይ ሰማይ ምሕጓስን እዩ ክኸውን ዝኽእል።

ኣብ ሰማይ ዘለው ሰባት ናብ ታሕቲ ናባና ክርእዩና ይኽእሉ ዶ ኣይክእሉን ዝብል፡ ንሕና ንዖኦም ኢልና ኣይኮናን ጉያና ንቀዳደም ዘሎና። ንሕና ንናቶም ኣፍልጦ ወይ ንናቶም ጣቕዒት ኣይኮናን ተስፋ ንገብር። እብራውያን 12፡2 ንጠመተና ናብ’ቲ ክኾኖ ዝግበኦ እዩ ዝሕዞ፡ “ ናብ’ቲ ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት” ካልእ ዘይኮነ ድማ የሱስ እዩ እቲ ብሩኽ ተስፋና (ቲቶስ 2፡13)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣብ ሰማይ ዘለው ሰባት ናብ ታሕቲ ቁሊሕ ኢሎም ንዓና ነቶም ገና ኣብ ምድሪ ዘሎና ክርእዩና ይኽእሉ ድዮም?
© Copyright Got Questions Ministries