settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕዋይ እንታይ ይብል? ኣብ ዕርቂ ፈውሲ ኣሎ ድዩ?

መልሲ


ኢሰያስ 53፡5፡ እዚኣ እታ ኣብ 1 ጴጥሮስ 2፡24 ተጠቒሳ ዘላ ቀንዲ ጥቕሲ ናይ ፈውሲ እያ፡ ኮይኑ ግን ሰባት ብዙሕ ግዜ ብጌጋ እዮም ዝርድእዋን ኣብ ዘይቦታኣ ድማ ይጥቀሙላን። “ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓወና።” “ሓወና” ዝብል ቃል ምስ ተተርጎመ ድማ ሓዲኡ ወይ መንፈሳዊ ወይ ስጋዊ ምሕዋይ ክኸውን ይኽእል እዩ። ኮይኑ ግን፡ ዓውደ-ጽሑፋት ናይ ኢሰያስ 53 ከሙኡ ድማ 1 ጴጥሮስ 2 ኣብኣ ብዛዕባ መንፈሳዊ ሕውየት ይዛረብ ከምዘሎ ንጹር ይገብሮ። “ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕንጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም።” (1 ጴጥሮስ 2፡24)። እዛ ጥቕሲ ብዛዕባ ሓጥያትን ጽድቅን እያ ትዛረብ ዘላ እምበር ብዛዕባ ምሕማምን ጠንቂ ሕማምን ኣይኮነትን ትዛረብ ዘላ። ስለዚ ድማ፡ “ሓወኹም” ዝብል ኣብ ክልቲኡ ጥቕሲታት ብዛዕባ ምሕዳግ ሓጥያትን ምድሓንን እዩ ዝዛረብ ዘሎ እምበር ብዛዕባ ብስጋ ሓወኹም ኣይኮነን ዝብል ዘሎ።

መጽሓፍ ቅዱስ ንስጋዊ ምሕዋይ ምስ መንፈሳዊ ምሕዋይ ብፍሉይ ኣየራኽቦን እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ሰባት እምነቶም ኣብ ክርስቶስ ምስ ገበሩ ብስጋ ይሓውዩ፡ ኩሉ ግዜ ግን ከም’ዚ ኣይኮነን እቲ ጉዳይ። ኣብ ገለ ግዜ ምሕዋይ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ እዩ፡ ኮይኑ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ኣይኮነን። ሃዋርያ ዮሃንስ እቲ ግቡእ ኣመለኻኽታ ሂቡና ኣሎ፡ “ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና (1 ዮሃንስ 5፡ 14-15)። ኣምላኽ ገና ታኣምራት ይገብር እዩ። ኣምላኽ ገና ንሰባት ይፍውስ እዩ። ስእነት ጥዕና፡ ሕማም፡ ቃንዛን ሞትን ገና ኣብ’ዛ ዓለም ብርግጽ ኣለዉ። ጎይታ ክሳብ ዝምለስ፡ ነፍሲ-ወከፍ ብሂወት ዘሎ ሰብ ክመውት እዩ፡ ከምኡ ድማ ብዙሓት ካብ’ኦም (እንከላይ ክርስትያናት) ብምኽንያት ስጋዊ ጸገም (ሕማም፡ ጥዕና ምስኣን፡ መጉዳእቲ) ድማ ክሞቱ እዮም። ኣምላኽ ብስጋ ክፍውሰና ኩሉ ግዜ ፍቓዱ ኣይኮነን።

ኣብ መጨረሽታ፡ ናህና ምሉእ ፈውሲ ኣብ ሰማይ ይጽበየና ኣሎ። ድሕሪ ደጊም ኣብ ሰማይ፡ ቃንዛ፡ ጥዕና ምስኣን፡ ሕማም፡ ስቓይ ወይ ሞት ኣይክህሉን እዩ (ራኢ ዮሃንስ 21)። ኩልና ንሕና ኣብዛ ዓለም ብዛዕባ ኣካላዊ ኩነታትና ብዙሕ ትሑዛት ክንከውን የብልናን ዝያዳ ድማ ብዛዕባ ናህና መንፈሳዊ ኩነታት ክንግደስ ኣሎና (ሮሜ 12፡1-2)። ካብኡ ንሕና ልብና ኣብ’ቲ ደጊምና ምስ ስጋዊ ጸገማትና ዘይንሓመሉ ኣብ ሰማይ ከተኩር ይኽእል። ራኢ 21፡4 ነቲ ንሕና ኩልና ክንናፍቖ ዘሎና ሓቀኛ ምሕዋይ ይገልጽ፡ “ ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።”

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምሕዋይ እንታይ ይብል? ኣብ ዕርቂ ፈውሲ ኣሎ ድዩ?
© Copyright Got Questions Ministries