settings icon
share icon
ሕቶ

እንታይ እዩ ዓቢ ናይ ጻዕዳ ዝፋን ፍርዲ?

መልሲ


እቲ ዓቢ ናይ ጻዕዳ ዝፋን ፍርዲ ኣብ ራኢ ዮሃንስ 20፡ 11-15 ዘሎ ኮይኑ ንሱ ድማ እቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ቅድሚ እቶም ጥፉኣት ናብ ቀላይ ሓዊ ምድርባዮም ዘሎ እዩ። ንሕና ካብ ራኢ ዮሃንስ 20፡7-15 ከም ንምሃሮ እዚ ፍርዲ ድሕሪ ሽሕ ዓመትን ከምኡ ድማ ድሕሪ ሰይጣን ናብ’ቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን ዝርከብዎ ቀላይ ሓዊ ምድርባዩን እዩ ክኸውን (ራኢ ዮሃንስ 19፡19-20፡ 20፡7-10)። እቶም ዝተኸፍቱ መጻሕፍቲ (ራኢ ዮሃንስ 20፡12) ድማ ናይ ነፍሲወከፍ ጸብጻብ ናይ ግብሪ፡ ማለት ሕማቕ ይኹን ጽቡቕ ዝሓዙ እዮም፡ ምኽንያቱ ኣምላኽ ኩሉነገር ዝተባህለ፡ ዝተገብረ፡ ወይ ዝተሓስበ ከማን ይፈልጥ እዩ፡ ከምኡድማ ንሱ ንነፍሲ ወከፍ ከከም ግብሩ ክሽልሞ ወይ ከኣ ክቐጽዖ እዩ (መዝሙር 28፡4፡ 62፡12፡ ሮሜ 2፡6፡ ራኢ ዮሃንስ 2፡23፡ 18፡6፡ 22፡12)

ብተወሳኺ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ እቲ “ መጽሓፍ ሂወት” ዝብሃል ካልእ መጽሓፍ ድማ ተኸፊቱ (ራኢ ዮሃ 20፡12)። እዚ መጽሓፍ እዩ ድማ ሓደ ሰብ እንተድኣ ዘልኣለማዊ ሂወት ምስ ኣምላኽ ዝወርስ እንተኾይኑ ወይ ድማ ኣብ ቀላይ ሓዊ ዘልኣለማዊ መቕጻዕቲ ዝቕበል እንተኾይኑ ዝውስን። ዋላ’ኳ ክርስትያናት ንግብሮም ዝሕተቱ እንተኾኑ፡ ብክርስቶስ ተሓዲግሎም እዩ ከምኡ ከኣ ኣስማቶም “ካብ ምስራት ዓለም ኣብ መጽሓፍ ሂወት” ተጻሒፎም እዮም (ራኢ ዮሃንስ 17፡8)። ካብ ጽሑፍ ከም እንፈልጦ ድማ ኣብ’ዚ ፍርዲ’ዚ እዩ እቶም ዝሞቱ “ከከም ግብሮም ክፍረዱ” (ራኢ ዮሃንስ 20፡12) ከምኡ ከኣ “ናይ ዝኾነ ይኹን ስም” ኣብ “መጽሓፍ ሂወት ዘይተረኽበ” “ናብ ቀላይ ሓዊ ክድርበ እዩ” (ራኢ ዮሃንስ 20፡15)።

ንኩሎም ሰባት ማለት ንክልቲኦም ኣመንትን ዘይኣመንትን ናይ መወዳእታ ፍርዲ ክህሉ እዩ ዝብል ሓቂ ኣብ ብዙሓት ጽሑፋት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ብንጹር ተረጋጊጹ ኣሎ። ሓደ መዓልቲ ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ክርስቶስ ክቐውንም ንግብሩ ወይ ግብራ ድማ ክፍረድ እዩ። እቲ ዓቢ ናይ ጻዕዳ ዝፋን ፍርዲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ሙዃኑ ኣዝዩ ንጹር ኮይኑ፡ ክርስትያናት ብኸመይ ምስ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ካልኦት ፍርድታት ከምዝተኣሳሰር ብፍላይ ድማ፡ መን እዩ ኣብ’ቲ ዓቢ ናይ ጻዕዳ ዝፋን ፍርዲ ዝፍረድ ከምዝተኣሳሰር ኣይሰማምዑን እዮም።

ገለ ክርስትያናት እቶም ጽሑፋት ክመጹ ዘለዎም ሰለስተ ዝተፈላለዩ ፍርድታት ይገልጹ ኢሎም ይኣምኑ። እቲ ቀዳማይ ፍርዲ ናይ ኣባጊዕን ናይ ኣጣልን ወይ ሓደ ፍርዲ ናይ ኣህዛብ እዩ (ማቴዎስ 25፡ 31-36)። እዚ ከኣ ድሕሪ ናይ መከራ እዋን ዝኸውን ኮይኑ ግን ከኣ ቅድሚ እቲ ሽሕ ዓመት እዩ፡ ዕላሙኡ ድማ መን ናብ መንግስቲ ሽሕ ዓመት ከምዝኣቱ ንምውሳን እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ፍርዲ ናይ ኣመንቲ እዩ “ግብሪታት፡ ብዙሕ ግዜ ከም “መንበር ፍርዲ ናይ ክርስቶስ” ኮይኑ ይጥቀስ፡ (2 ቆሮንጦስ 5፡10)። ኣብ’ዚ ፍርዲ፡ ክርስትያናት ናይ ግብሮም ወይ ናይ ኣገልግሎቶም ኣምላኽ በብደረጀኦም ሽልማት ክውሃቡ እዮም። እቲ ሳልሳይ ድማ እቲ ኣብ መወዳእታ ናይ ሽሕ ዓመት ዘሎ እቲ ዓቢ ጻዕዳ ናይ ፍርዲ ዝፋን እዩ። (ራኢ ዮሃንስ 20፡11-15)። እዚ ከኣ እቲ ፍርዲ ናይ ዘይኣመንቲ እዩ፡ ኣብ’ዚ ከኣ ከከም ግብሮም ክፍረዱን ናብ ናይ ዘልኣለም ጥፍኣት ድማ ኣብ ቀላይ ሓዊ ክፍረዱ እዮም።

ካልኦት ክርስትያናት ድማ ኩሎም እዞም ሰለስቲኦም ፍርድታት ሰለስተ ዝተፈላለዩ ፍርድታት ዘይኮነ ሓደ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ይዛረቡ ኢሎም ይኣምኑ። ብካልእ ኣብሃህላ፡ እቲ ኣብ ራኢ ዮሃንስ 20፡ 11-15 ዘሎ እቲ ዓቢ ጻዕዳ ናይ ፍርዲ ዝፋን ድማ ኣመንትን ዘይኣመንትን ብሓደ ዝፍረዱሉ ግዜ ክኸውን እዩ። እቶም ኣስማቶም ኣብ መጽሓፍ ሂወት ዝተረኽበ ድማ እቲ ዝቕበሉዎ ወይ ዝስእንዎ ዓስቢ ንምውሳን ከከም ግብሮም ክፍረዱ እዮም። እቶም ኣስማቶም ኣብ መጽሓፍ ሂወት ዘይተረኽበ ድማ ዝረኽብዎ መጠን መቕጻዕቶም ኣብ ቀላይ ሓዊ ንምውሳን ከከም ግብሮም ክፍረዱ እዮም። እቶም ነዚ ርእይቶ ዝሕዙ ድማ ማቴዎስ 25፡31-46 ካልእ መግለጺ ናይ’ቲ ኣብ ዓቢ ጻዕዳ ናይ ፍርዲ ዝፋን ዝኸውን እዩ ኢሎም ይኣምኑ። ንሳቶም ድማ ውጺኢት ናይ’ዚ ፍርዲ ከኣ ምስ’ቲ ድሕሪ እቲ ኣብ ራኢ ዮሃንስ 20፡11-15 ዘሎ ዓቢ ጻዕዳ ናይ ፍርዲ ዝፋን ዝረአ ሓደ እዩ ኢሎም ነቲ ክውንነት የመልክቱ። እተን ኣባጊዕ (ኣመንቲ) ናብ ዘልኣለማዊ ሂወት ይኣትዋ፡ እተን ኣጣል (ዘይኣመንቲ) ከኣ ናብ “ዘልኣለማዊ ስቓይ” ይድርበያ። (ማቴዎስ 25፡46)።

ሓደ ሰብ ናይ’ቲ ዓቢ ጻዕዳ ናይ ፍርዲ ዝፋን ዝኾነ ይኹን ካብ’ዞም ኣረኣእያታት ይሓዝ፡ብዛዕባ ዝመጽእ ፍርዲ(ታት) ዘሎ ራኢ ናይ ክውንነታት ዘይምግዳፍ ኣገዳሲ እዩ። መጀመርያ። የሱስ ክርስቶስ እቲ ፈራዲ ክኸውን እዩ፡ ኩሎም ዘይኣመንቲ ድማ ብክርስቶስ ክፍረዱ እዮም፡ ከምኡከኣ ንሳቶም ከከም ግብሮም ክቕጽዑ እዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኣመንቲ ኣንጻር ርእሶም ቁጥዓ የዋህልሉ ከምዘለው ኣዝዩ ንጹር ይገብሮ (ሮሜ 2፡5) ከምኡ ድማ ኣምላኽ “ንነፍሲወከፍ ከከም ግብሩ ክፈድዮ እዩ” (ሮሜ 2፡6)። ኣመንቲ ድማ ብክርስቶስ ክፍረዱ እዮም፡ ግናኸ ናይ ክርስቶስ ጽድቂ ናባና ስለዝተቖጽረ ከምኡድማ ኣስማትና ኣብ መጽሓፍ ሂወት ስለዝተጻሕፈ፡ ንሕና ዓስቢ ኣሎና እምበር ከም ግብርና ኣይንቕጻዕን ኢና። ኣብ ሮሜ 14፡10-12 ከኣ ኩላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፈርዲ ክርስቶስ ደው ክንብል ኢና፡ ነፍሲ-ወከፍና ከኣ ናብ ኣምላኽ ጸብጻብ ክንህብ ኢና ይብል።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

እንታይ እዩ ዓቢ ናይ ጻዕዳ ዝፋን ፍርዲ?
© Copyright Got Questions Ministries