settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንፉዕ ወላዲ/ት እንታይ ይብል?

መልሲ


ወላዲ ሙዃን ኣጸጋምን በዳህን ዋኒን ክኸውን ይኽእል እዩ፡ ግን ከኣ ብተመሳሳሊ ድማ እቲ ቀንዲ ዓስቢ ዘለዎን ተስፋ ዝህብን ክኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብ ዓወት ዘለዎ መገዲ ደቅና ናይ ኣምላኽ ሰባት ጌርና ንምዕባዮም ብዙሕ ዝብሃል ነገር ኣለዎ። እቲ ቀዳማይ ክንገብሮ ዘሎና ነገር ድማ ብዛዕባ ሓቅነት ቃል ኣምላኽ ምንጋር እዩ።

ጎኒ-ጎኒ ናብ ንትእዛዛቱ ብምውፋይ ንኣምላኽ ምፍቃርን ፈሪሃ ኣምላኽ ሃልዩ’ኳ ኣብነት ሙዃንን፡ ንደቅና ተመሳሳሊ ነገር ክገብሩ ብዛዕባ ምምሃሮም ንትእዛዝ ዘዳግም 6፡7-9 ከነቕልብ የድልየና። እዚ ጽሑፍ ንባህሪ ንቀጻልነት ናይ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ምምሃር ይጸቅጥ። እዚ ኩሉ ግዜ ክግበር ኣለዎ--ኣብ ገዛ፡ ኣብ መገዲ፡ ኣብ ምሸትን ኣብ ንግሆን። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ሓቂ መሰረት ናይ ናይ ቤትና ክኸውን ኣለዎ። ንመምርሒታት እዞም ትእዛዛት ብምስዓብ፡ ንሕና ንደቅና ንኣምላኽ ምምላኽ ቀጻሊ ክኸውን ኣለዎ፡ ጸሎት ንሰንበት ንግሆ ወይ ናይ ምሸት ክሕዛእ የብሉን።

ዋላ’ኳ ደቅና ብዙሕ ነገር ብቀጥታዊ ምምሃር ዝምሃሩ እንተኾኑ፡ ዝያዳ ንዓና ብምርኣይ ይምሃሩ። በዚ እዩ ድማ ብኩሉ ንገብሮ ኣዚና ጥንቁቓት ክንከውን ዝግብኣና። ንሕና መጀመርታ ብኣምላኽ ዝተዋህበና ዕማማት ክንእመን ኣሎና። ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ክከባበሩን ክገዛዝኡን ኣለዎም (ኤፌሶን 5፡21)። ብተመሳሳሊ፡ ኣምላኽ ክሕሎ ዘለዎ መስርዕ ናይ ስልጣን ኣቚሙ ኣሎ። “ግናኸ ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ፡ ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ፡ ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ክትፈልጡ እፈቱ ኣሎኹ።” (1 ቆሮንጦስ 11፡3)። ሰበይቲ ትሕቲ ሰብኣይ ከምዘይኮነት፡ ክርስቶስ ድማ ትሕቲ ኣምላኽ ከምዘይኮነ ንፈልጥ ኢና። እንተኾነ ግን ኣምላኽ፡ ንስልጣን እንተዘይተገዚእካ ስርዓት ከምዘየሎ ይፈልጥ እዩ። ናይ ሰብኣይ ሓላፍነት ከም ርእሲ ናይ ገዛ ከኣ ንሰበይቱ ከም ኣካሉ ከፍቅራ፡ እዚ ከኣ ልክዕ ከም’ቲ ክርስቶስ ን ማሕበር ብመስዋእቲ ዘለዎ መገዲ ዘፍቀራ እዩ (ኤፌሶን 5፡25-29)።

ከም መልሲ ናይ’ዚ ፍቕራዊ ዝምድና፡ ሰበይቲ ንናይ ሰብኣያ ስልጣን ክትግዛእ ኣጸጋሚ ኣይኮነን (ኤፌሶን 5፡24፡ ቆሎሴ 3፡18)። ናታ ቀዳማይ ሓላፍነት ከኣ ንሰብኣያ ከተፍቅርን ክትሓልን፡ ብጥበብን ንጽህናን ክትነብር ከምኡድማ ንገዝኣ ክትሓልን እዩ (ቲቶስ 2፡4-5)። ደቀንስትዮ ብተፈጥሮ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ንላዕሊ ተኸናኸንቲ እየን፡ ምኽንያቱ ንሳተን ቀዳሞት ተኸናኸንቲ ናይ ደቀን ክኾና እየን ተሃንዲሰን።

ዲሲፕሊንን ምምሃርን ቀንዲ ኣካላት ናይ ምዕባይ ቆልዑ እየን። ምሳሌ 13፡24 ድማ “ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ” ይብል። ኣብ መቕጻዕቲ ዘይብሉ ገዛ ዝዓብዩ ቆሉዑ ዘይድለዩን ዘይቡቑዓትን ኮይኑ ይስመዖም። ምርሒትን ነብሰ-ግትኣትን ይስእኑን እናዓበዩ ድማ ይዓልዉን ንዝኾነ ስልጣን እንከላይ ንኣምላኽ ድማ ውሑድ ወይ ከኣ ወልሓንቲ ኣኽብሮት ኣይህቡን። “ገና ተስፋ ኸሎ፡ ንወድኻ ቕጽዓዮ፡ ክሳዕ ንምቕታሉ ግና ኣይትናደድ።” (ምሳሌ 19፡18)። ብተመሳሳሊ ድማ ዲሲፕሊን ድማ ምስ ፍቕሪ ክመጣጠን ኣለዎ ወይ ድማ ቆልዑ ጽልኢ ዝመለኦም፡ ተስፋ-ዝቖረጹን ዓለወኛታትን ኮይኖም ይዓብዩን (ቆሎሴ 3፡21)። ከጋጥም ከሎ ኣምላኽ ዲሲፕሊን መሪር ሙዃኑ ይፈልጥ እዩ (እብራውያን 12፡11) ኮይኑ ግን ብናይ ፍቕሪ እርማት ክስዓብ ከሎ፡ ርኡይ ዝኾነ ረብሓ ኣለዎ ነቲ ቆልዓ። “ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።” (ኤፌሶን 6፡4)።

ንቆልዑ ንኣሽቱ ከለው ኣብ ናይ ቤተክርስትያን ስድራቤትን ጉዳይን ምስታፎም ኣገዳሲ እዩ። ቀጻሊ ኣብ ኣመንቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኾና ኣብያተ ክርስትያን ምስታፍ (እብራውያን 10፡25)፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ ክርእዩኻ ኣፍቅደሎም፡ ከምኡ-ድማ ምስኦም ኮንካ ኣጽንዓዮ። ምስኦም ኮንካ ድማ ንዓለም ከምታ ዝርእዩዋ የዕልልን ከምኡ ድማ ብናይ መዓልታዊ ሂወት ጌርካ ብዛዕባ ክብሪ ኣምላኽ ምሃሮም። “ ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።” (ምሳሌ 22፡6)። ንፉዕ ወላዲ ሙዃን ማለት ኣብ ምእዛዝን ምምላኽን እግዚኣብሄር ንኣብነት ናትካ ዝስዕቡ ውሉድ ምዕባይ ማለት እዩ።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ንፉዕ ወላዲ/ት እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries