settings icon
share icon
ሕቶ

ማይ ኣይሂ ናይ ኖህ ዓለማዊ ድዩ ወይስ ዞባዊ?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ ማይ ኣይሂ ዓለማዊ ከምዝነበረ የነጽሩ። ዘፍጥረት 7፡11 “ናይቲ ዓበይቲ መዓሙቝ ዓይኒ ማያት ተቐደ፡ መሳዅቲ ሰማይ ድማ ተኸፍተ።” ይብለና። ኦሪት ዘፍጥረት 1፡6-7 ከምኡ ድማ 2፡6 ቅድሚ እቲ ማይ ኣይሂ ዝነበረ ኣከባቢ ካብ’ቲ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ኣዝዩ ዝተፈልየ ኔሩ። ኣብዚኣቶምን ኣብ ካልኦት መጽሓፍ ቅዱሳዊ መግለጺታት ብሙሙርኳስ፡ ብርትዓዊ መገዲ ዝግመት ነገር ከኣ ሓደ ግዜ መሬት ብናይ ማይ ጽላል ተሸፊና ከምዝነበረት እዩ። እዚ ጽላል ድማ ናይ ሃፋ ጽላል ኔሩ ክኸውን ኣለዎ፡ ወይ ድማ ቀለቤታት ማለት ከም ናይ ሳትሩን ናይ በረድ ቀለቤታት ማለት እዩ። እዚ ድማ ምስ ናይ ማይ ቀጸላ ናይ ትሕተ ባይታ ብምትሕውዋስ፡ ናብ መሬት ተፈንዩ (ዘፍጥረት 2፡5) ዓለማዊ ዕልቕልቕ ኣስዒቡ ክኸውን ኣለዎ።

ንመጠን’ቲ ማይ ኣይሂ ዝገልጹ ዝነጸሩ ጥቕሲታት ከኣ ዘፍጥረት 7፡ 19-23 እዮም። ብዛዕባ እቶም ማያት ድማ “ማይ ኣይሂ ድማ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ምድሪ ዘነመ። እቲ ማይ ከኣ በዝሔ፡ ነታ መርከብ ድማ ኣልዐላ ካብ ምድሪ ኸኣ ንላዕሊ ኽብ በለት። እቲ ማይ ድማ በርትዔ፡ ኣብ ምድሪ ኸኣ ኣዝዩ በዝሔ። እታ መርከብ ድማ ኣብ ልዕሊ ማይ ተጽባህልል ነበረት። እቲ ማይ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኣዝዩ እናበርትዔ ኸደ፡ ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማይ ዝነበረ ዅሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ። እቲ ማይ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ንላዕሊ ደየበ፡ እቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ። ሽዑ ኣብ ምድሪ ዚወሳወስ ስጋ ዘበለ ዅሉ ኣዕዋፍን እንስሳን ኣራዊትን ኣብ ምድሪ ለመም ዚብል ኵሉ ለመምታን ኵሉ ሰብን ሞተ። ኣብ ንቑጽ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ትንፋስ ህያው መንፈስ ዝነበሮ ሞተ። ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ጠፍኤ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳን ለመምታን ኣዕዋፍ ሰማይ ካብ ምድሪ ጠፍኡ። ኖህ ጥራይ ምስቶም ምስኡ ኣብ መርከብ ዝነበሩ ተረፈ።”

እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ጽሑፍ፡ “ኩሉ” ዝብል ቃል ተደጋጊሙ ጥራይ ኣይኮነን ተዘውቲሩ፡ እንታይ ደኣ “ኣብ ትሕቲ ብዘሎ ሰማይ ዝነበረ ዅሉ ነዋሕቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ” “እቲ ማይ ዓሰርተው ሓሙሽተ እመት ንላዕሊ ደየበ፡ እቲ ኣኽራን ከኣ ተጐልበበ ሽዑ ድማ “ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ጠፍኤ” ዝብል ውን ንረክብ። እዞም መግለጺታት ኣድማሳዊ ዕልቕልቕ ንምልእቲ ምድሪ ከም ዝሸፈነ ብንጹር ይገልጹ። እቲ ዕልቕልቕ ናይ ውሱን ቦታ ኔሩ እንተዝኸውን፡ ኣምላኽ ስለምንታይ ንኖህ ኣብ ክንዲ ናብ ካልእ ቦታ ገዓዝ ዝብሎን ነቶም እንስሳታት ድማ ዘግዕዞምን ንኖህ መርከብ ስራሕ ዝብሎ? ከምኡድማ ስለምንታይ ከ ንኖህ ንኩሎም ዝተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታት ክትሕዝ እትኽእል መርከብ ስራሕ ኢሉ ኣዚዝዎ? እቲ ዕልቕልቕ ዓለማዊ እንተዝይነብር መርከብ ኣይመድለየትን ኔራ።

ጴጥሮስ ውን ብዛዕባ ኣድማሳውነት ናይ ማይ ኣይሂ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3፡6-7 ይገልጽ፡ ኣብ’ዚ ድማ ንሱ “እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይ፡ ተሰጢማ ጠፍኤት። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ።” ኣብ’ዞም ጥቕስታት ጴጥሮስ ን “ኣድማሳዊ” ምምጻእ ፍርዲ ምስ ኣብ ግዜ ኖህ ዝነበረ ማይ ኣይሂ የወዳድሮን ከምኡ ድማ እታ ዝነበረት ዓለም ብማይ ከምዝጠፈአት ይገልጽ። ብተወሳኺ ድማ ብዙሓት ጽሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ታሪኻውነት እቲ ናይ ሙሉእ ዓለም ማይ ተቐቢሎሞ እዮም። (ኢሰያስ 54፡9 1 ጴጥሮስ 3፡20፡ 2 ጴጥሮስ 2፡5፡ እብራውያን 11፡7)። ኣብ መወዳእታ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣድማሳዊ ማይ ኣሚኑን ከምኡ ድማ ክመጽእ ከሎ ከም ዓይነት ናይ ዝመጽእ ጥፍኣት ናይ ዓለም ጌሩ ወሲድዎን (ማቴዎስ 24፡37-39፡ ሉቃስ 17፡26-27)።

ብዙሓት ናይ ሙሉእ ዓለም ጥፍኣት ከም ዓለማዊ ዕልቕልቕ ዘመልክቱ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝኾኑ መርትዖታት ኣለው። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣህጉር ዝተረኽቡ ሰፋሕቲ ናይ ፎሲል መቓብራትን ከምኡ’ውን ቅልጡፍ ሸፈነ ናይ ሰፊሕ ብዝሒ ናይ ኣትክልቲ ዝጠልብ ዓቢ መጠን ናይ ከሰል ድበታትን ኣለው። ናይ ባሕሪ ፎሲላት ድማ ኣብ ልዕሊ ጎቦታት ናይ ከባቢ ዓለም ይርከቡ። ኣብ ኩሎም ክፋላት ናይ ዓለም ዘለው ባህልታት ድማ ገለ ዓይነት ናይ ማይ ኣይሂ ኣፈ-ታሪኽ ኣለዎም። ኩሎም እዞም ሓቅታት እዚኦምን ካልኦት ብዙሓትን ድማ መርትዖ ናይ ዓለማዊ ማይ ኣይሂ እዮም።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ማይ ኣይሂ ናይ ኖህ ዓለማዊ ድዩ ወይስ ዞባዊ?
© Copyright Got Questions Ministries