settings icon
share icon
ሕቶ

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኸመይ ይቐንዕ?

መልሲ


ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንምቕናዕ ኣቐዲምና ዘይምቕናዕ እንታይ ምዃኑ ምርዳእ የድልየና፡፡ ዘይምቕናዕ ማለት ብሓጺሩ ሓጢኣት እዩ፡፡ ኩላቶም ዘምቢሎም፡ ብዘለዉ ኹላቶም ረኺሶም፡ ገለ ሰናይ ዝገብር የልቦን፡ ሓደ እኳ የልቦን (መዝሙር 14፡3)፡፡ ኩልና ኣንጻር ትእዛዛት ኣምላኽ ተቓዉሞ ኣልዓልና፡ ኩላትና ከም ኣባጊዕ ተባረርና (ኢሳይያስ 53፡6)፡፡

እቲ ዘሰንብድ ግን መቕጻዕቲ ሓጢኣት ሞት ምዃኑ እዩ፡፡ …እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ (ህዝቅኤል 18፡4)፡፡ እቲ ዘሐጉስ ብስራት ከኣ ኣምላኽ ናብ ድሕነት ንኸምጽኣና ይኽተለና ኣሎ፡፡ የሱስ ንመደቡ ብኸምዚ ኣወጆ፡ ንጥፉእ ክደልን ከድሕንን (ሉቃስ 19፡10)፡፡ ዝመደቦ ስለ ዝገበረ ኸኣ ኣብ መስቀል ተፈጸመ ኢሉ ሞተ (ዮሃንስ 19፡30)፡፡

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክትቀንዕ ወይ ምስ ኣምላኽ ቅኑዕ ርክብ ንምግባር ድማ ሓጢኣትካ ብምእማን ጀምር፡፡ ብድሕሪኡ ኸኣ ሓጢኣትካ ብምንሳሕ ደጊምካ ንዘይምድዳል ቁረጽ (ኢሳይስ 57፡15)፡፡ …ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ …(ሮሜ 10፡19-11)፡፡

እቲ ንስሓ ብእምነት ብፍላይ ከኣ ኣብቲ የሱስ ብመስዋእቱን ብትንሳኤኡን መድሓኒኻ ከኸውን ብቑዕ ምዃኑ ብምእማን ክስነ ይግባእ፡፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጎይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምውታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ ክትድሕን ኢኻ (ሮሜ 10፡9-11)፡፡ ከም ዮሃንስ 20፡27፤ ግብሪ ሃዋርያት 2፡16፤ ገላትያ 2፡16፤ 3፡11.26፤ ኤፌሶን 2፡8 ዝኣመሰሉ ጥቕስታት ንኣገዳስነት እምነት ዝገልጹ እዮም፡፡

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ምቕናዕ ማለት ነቲ ኣምላኽ ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ ምእንታኻ ዝገበሮ እትህቦ ምላሽ እዩ፡፡ ንሱ ነቲ መድሓኒ ለአኾ፡ እቲ መድሓኒ ስለ ሓጢኣትካ መስዋእቲ ገይሩ (ዮሃንስ 1፡29)፡፡ ከምኡ ድማ ነቲ ስም እግዚኣብሄረ ዝጽውዕ ዘበለ ክድሕን እዩ (ግብ 2፡21) ዝብል ተስፋ ሂቡካ ኣሎ፡፡

ንንስሓን ምሕረትን ኣብ ምስላ ናይቲ ጥፉእ ወዲ ንርእዮ (ሉቃስ 15፡11-32)፡፡ እቲ ንእሽቶ ወዲ ንገንዘብ ኣቦኡ ብቕለትን ሓጢኣትን ሓሸሾ (ፍቕዲ 13)፡፡ ዝበደሎ ምስ ተረድኦ ግና ናብ ቤቱ ክምለስ ወሰነ (ፍቕዲ 18)፡፡ ደጊም ከም ውሉድ ከም ዘይቁጸር መሲልዎ ነበረ (ፍቕዲ 19)፡፡ ግናኸ እቲ ኣቦስ ነቲ ዝተመልሰ ወዲ ከም ቀደሙ ደኣ ኣፍቀሮ (ፍቕዲ 20)፡፡ ኩሉ ዝበደሎ ተሓዲግሉ ኸኣ ድግስ ተገብረሉ (ፍቕዲ 24)፡፡ ኣምላኽ ነቲ ዝሃቦ ተስፋ ንምምላእን ነቲ ናይ ምምሓር ቃሉ ንምሕላውን እሙንን ሰናይን እዩ፡፡ እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረብኦም እዩ፡ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም (መዝሙር 34፡18)፡፡

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክትቀንዕ ምስ እትደሊ ኣብዚ እነሆልካ ጸሎት፡፡ እቲ ጸሎት ኮነ ካልእ ጸሎታት ምጽላይ ጥራይ ንበይኑ ኣየድሕነካ እዩ፡፡ ኣብ ክርስቶስ ብምእማን ጥራይ ትድሕን፡፡ እዩ፡፡ እዚ ጸሎት ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነትን ምሕረት ስለ ዝተገብረልካ ድማ ንምምስጋንን እትገብሮ እዩ፡፡ ዎ ኣምላኽ ኣብ ቅድሜኻ ሓጥእ ምዃነይን መቕጽዓቲ ጥራይ ከም ዝግብኣንን ይፈልጥ ኣለኹ፡፡ የሱስ ክርስቶስ ግና ነቲ ዝግብኣኒ መቕጻዕቲ ወሲዱለይ እዩ እሞ ኣብኡ ብምእማን ክመሓር ይኽእል እየ፡፡ ንድሕነተይ ኣባኻ ይውከል ኣለኹ፡፡ ስለ እቲ ዓብዪን ግሩምን ጸጋኻን ምሕረትካን፡ ስለ ውህበት ህይወት ዘልኣለም፡ ተመስገን፡፡ ኣሜን፡፡

ኣብዚ ብዘምበብኩሞዶ ኢኹም ብዛዕባ ክርስቶስ ውሳኔ ዝወሰድኩም? ከምኡ እንተኾይኑ፡ ብኽብረትኩም ስዒቡ ኣብ ዘሎ “ሎሚ መዓልቲ ንክርስቶስ ተቐቢለ።” ዝብለ ክሊክ ግበሩ/ጠውቑ
English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብኸመይ ይቐንዕ?
© Copyright Got Questions Ministries