settings icon
share icon
ሕቶ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሶዶማዊ መርዓ/መርዓ ሓደ ጾታ እንታይ ይብል?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረ ሶዶም ይገልጾ እኳ እንተኾነ፡ ብዛዕባ ሶዶማዊ መርዓ/መርዓ ሓደ ጾታ ግን ብግልጺ ኣይጠቅስን እዩ። ኮይኑ ግን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንግብረሶዶማዊነት ከም ዘይሞራላውን ዘይባህርያውን ሓጥያት ጌሩ ይኹኑኖ። ዘሌዋውያን 18፡22 ንግብረሶዶማዊነት ከም ጽያፍን ፍንፉንን ይርእዮ። ሮሜ 1፡26-27 ን ንግብረሶዶማዊ ድሌታትን ተግባራትን ከም “ዘሕፍርን” “ዘይባህርያውን” ጌሩ ይገልጾም። 1 ቆሮንጦስ 6፡9 ንግብረሶዶማውያን ንመንግስቲ ኣምላኽ ዘይወርሱሩ “ዓመጽቲ” ጌሩ ይገልጽ። ግብረሶዶማዊነት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ውጉዝ ብሙዃኑ፡ ስለዚ ድማ ዝምርዓዉ ግብረሶዶማውያን ከኣ ናይ ኣምላኽ ፍቓድ ኣይኮነን፡ ከም ሓቂ ድማ ሓጥያት እዩ።

ነፍሲ-ወከፍ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጥቀስ መርዓ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ሕብረት እዩ ዝገልጽ። እቲ ናይ ፈለማ ዝጥቀስ መርዓ ዘፍጥረት 2፡24፡ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ንምጥባቕ ኣብኡን ኣዲኡን ይሓድግ ኢሉ ይገልጾ። ብዛዕባ መርዓ መምርሒታት ኣብ ዝሓዘ ጽሑፋት ከም 1 ቆሮንጦስ 7፡2-16 ከምኡ’ውን ኤፌሶን 5፡23-33፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንመርዓ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝግበር ሙዃኑ ብንጹር ይፈልዮ። ብመጽሓፍ ቅዱስ መሰረት ንምዝራብ፡ መርዓ ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ናይ ሙሉእ ሂወት ሕብረት እዩ፡ ዕላሙኡ ድማ ብቐዳምነት ስድራቤት ምህናጽ ኮይኑ ከምኡ ድማ ርጉእ ዝኾነ ሃዋሁው ነታ ስድራቤት ምቕራብን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱሳዊ መረዳእታ ናይ መርዓ ከም ጥምረት ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ከኣ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ሰብኣዊ ስልጣኔ ኣብ ታሪኽ ናይ ዓለም ይርከብ። ዘመናዊ ዓለማዊ ስነኣእምሮ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ብስነኣእምሮን ብስሚዒትን ንሓድሕዶም ክመላልኡ እዮም ተሃንዲሶም ኢሉ ይቕበሎ። ብዛዕባ ስድራቤት፡ ናይ ስነ ኣእምሮ ኪኢላታት ሕብረት ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ንሱ ከኣ ክልቲኦም መጻምዲ ከም ጽቡቕ ናይ ጾታ ሞዴል ዘገልግሉሉ እቲ ዝበለጸ ብጹቡቕ ዝተቓነዩ ቆልዑ ዝዓብዩሉ ኣከባቢ እዩ ኢሎም ይካትዑ። ስለዚ ፍልጠት ስነኣእምሮ ብተወሳኺ ኣንጻር ሰዶማዊ መርዓ ይካታዕ። ብኣካላቶም ሰብኣይን ሰበይትን ብንጹር ብጾታዊ ርክብ ብሓደ ንክጋጠሙ እዮም ተቐሪጾም። እቲ “ባህርያዊ” ዕላማ ናይ ጾታዎ ርክብ ንምፍራይ እዩ፡ ነዚ ድማ ጾታዊ ዝምድና ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ጥራይ እዩ ክፍጸሞ ዝኽእል። በዚ መገዲ ተፈጥሮ ድማ ኣንጻር ሶዶማዊ መርዓ ትካታዕ።

ስለዚ፡ እንተድኣ ኩላቶም መጽሓፍ ቅዱስ፡ ስነኣእምሮን ተፈጥሮን መርዓ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን እዩ ዝግበር ኢሎም ተኻቲዕም--ስለምንታይ እዩ ሎሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘየሳማምዕ ነገር ዝመጽእ? ስለምንታይ እዮም እቶም ን ሶዶማዊ መርዓ/መርዓ ሓደ ጾታ ዝቃወሙ ሰባት ብዘየገድስ ክሳብ ክንደይ እቲ ተቓውሞ ብኣኽብሮት ቀሪቡ ከም ጽልኢ ዝመልኦም ሰባት ወይ ዘይጻወሩ ደረቐናታት ዝጽውዑ? ዝበዝሑ ሰባት፡ ሃይማኖታውያን ይኹኑ ዘይሃይማኖታውያን ንሶዶማውያን መጻምዲ ብመገዲ ዝኾነ ቅጥዒ ናይ ሲቪላዊ ሕብረት ከም ምርዕዋት መጻምዲ ተመሳሳሊ ሕጋዊ መሰላት ከምዘለዎም እንዳሓገዙ ንምንታይ እዩ ምንቅስቓስ ሶዶማዊ መሰል፡ ብጎነጽ ንሶዶማዊ መርዓ/መርዓ ሓደ ጾታ ዝደፍእ?

እቲ መልሲ ድማ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነፍሲወከፍ ግብረሰዶምነት ብተፈጥሮ ዘይሞራላውን ዘይባህርያውን ሙዃኑ ይፈልጥ እዩ። ሮሜ 1፡18-32 ኣምላኽ ነቲ ሓቂ ግልጺ ከም ዝገበሮ ይዛረብ። ኮይኑ ግን እቲ ሓቂ ተነጺጉን ብሓሶት ተተኪኡን እዩ። ሓሶት ድማ ይጋዋሕን ሓቂ ድማ ይጽቀጥን ኣሎ። ሓደ መገዲ ናይ ሓቂ መቕበሪ ድማ ን ግብረሶዶማውነት ንቡር ምግባርን ነቶም ዝቃወምዎ ድማ ምግላልን እዩ። ሓደ ጽቡቕ መገዲ ን ንግብረ ሶዶማውነት ንቡር ንምግባር ድማ ንሶዶማዊ መርዓ/መርዓ ሓደ ጾታ ኣብ ቦታ ጥንታዊ፡ ናይ ኣንጻር ጾታ መርዓ ማዕረ ጌርካ ምቕማጡ እዩ።

ንሶዶማዊ መርዓ/መርዓ ሓደ ጾታ ምጽዳቕ ማለት ድማ ን ግብረሶዶማዊ ኣነባብራ ሂወት ምፍቃድ ማለት ኮይኑ፡ ነዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ ብግልጽን ብንጹርን ከም ሓጥያት ይጽውዖ። ክርስትያናት ድማ ኣንጻር ሓሳብ ሶዶማዊ መርዓ/መርዓ ሓደ ጾታ ጸኒዖም ደው ክብሉ ይግባእ። ብተወሳኺ፡ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ’ውን ኣንጻር ሶዶማዊ መርዓ/መርዓ ሓደ ጾታ ሓያላት ሞጎታውያን ክትዓት ኣለው። መርዓ ኣብ ሞንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ሙዃኑ ንምቕባል ሓደ ሰብ ወንጌላዊ ክርስትያን ክኸውን ኣየድልዮን።

ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ፡ መርዓ ናይ ምሉእ ሂወት ስምረት ናይ ሰብኣይን ሰበይትን ኮይኑ እዩ ብኣምላኽ ተሰሪዑ (ዘፍጥረት 2፡21፡ ማቴዎስ 19፡4-6)። ሶዶማዊ መርዓ/መርዓ ሓደ ጾታ ከኣ ምግልባጥ ትካል ናይ መርዓን ከምኡ’ውን በደል ነቲ ንመርዓ ዝፈጠረ ኣምላኽን እዩ። ከም ክርስትያናት፡ ንሓጥያት ናጻ ኣይንገድፎን ወይ ሸለል ኣይንብሎን። እንታይ ድኣ፡ ንፍቕሪ ኣምላኽ ንነግርን ከምኡ ድማ ከም ናይ ዕርቂ ሉኡኻት ድማ ንዓዪ (2 ቆሮንጦስ 5፡18)። ንሕና ብየሱስ ክርስቶስ ንኹሉ ሰብ ዝተዋህበ ሕድገት ናይ ሓጥያት እንከላይ ግብረሶዶማውያን ንሕብር። ነቲ ሓቂ ብፍቕሪ ንነግር (ኤፌሶን 4፡15) ከምኡ ድማ ንሓቂ ብ “ብጭውነትን ኣኽብሮትን” ንካታዕ(1 ጴጥሮስ 3፡15)።

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሶዶማዊ መርዓ/መርዓ ሓደ ጾታ እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries