settings icon
share icon
ሕቶ

ምቁማር ሓጢኣት ይቑጸርዶ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቁማር እንታይ ይብል?

መልሲ


መጽሓፍ ቅዱስ ንምቁማር፡ ምውርራድ ኮነ ሎተሪ ብቕሉዕ ኣይኵንኖን እዩ፡፡ ይኹን እምበር ካብ ፍቕሪ ገንዘብ ክንርሕቕ የጠንቅቐና (1ጢሞቴዎስ 6፡10፤ እብራውያን 13፡5)፡፡ ብተወሳኺ እውን ብቕልጡፍ ወይ ብኣቋራጭ ምህብታም ከይንደልን ከይንፍትንን የተባብዓና (ምሳሌ 13፡11፤ 23፡5፤ መክብብ 5፡10)፡፡ ቁማር ካብ ምፍታው ገንዘብ ዝብገስ ኮይኑ ሰባት ብቕልጡፍን ብቐሊሉን ምህብታም ክደልዩ የወናውኖም፡፡

ምቁማር እንታይ እዩ ኣበስኡ፤ ምቁማር ቆጢብካን ሓሓሊፍካን ዝግበር ምሕሻሽ ገንዘብ ብምዃኑ ኣጸጋሚ ጉዳይ ይገብሮ፡፡ ይኹን እምበር ብመሰረቱ ክፍኣት ወይ ሓጢኣት ኣይኮነን፡፡ ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ነገራት ይሕሽሹ ወይ ገንዘብ የባኽኑ እዮም፡፡ ምቁማር ካብ ፊልምታት ምርኣይ፡ ክቡር መግብታት ካብ ምብላዕ ወይ ኣብ ጥቕሚ ዘይውዕል ንብረት ካብ ምዕዳግ ዝፍለ ምሕሻሽ ወይ ኣበሳ ኣይኮነን፡፡ ግናኸ ገንዘብ ኣብ ካልእ ዝጠፍእ ወይ ዝሕሸሽ ምዃኑ ንምቁማር ቅኑዕ ዝገብሮ ኣይኮነን፡፡ ገንዘብ ብኸንቱ ክጠፍእ ወይ ክሕሸሽ ኣይግባእን፡፡ ትርፊ ገንዘብ ንመጻኢ ግዜ ይዕቆር ወይ ኣብ ዕዮ ጎይታ ይውዕል እምበር ኣብ ምቁማር ክውዕል ኣይግባእን፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ንቑማር ብቐጥታ ዘይጠቕሶ ይኹን እምበር ንፍጻመታት ዕድል ወይ ፋል ይጠቅስ እዩ፡፡ ንኣብነት ኣብ ኦሪት ዘሌዋውያን ነታ ንመስዋእቲ እትውዕልን ንበረኻ እትፍኖን ጤል ንምፍላይ ወይ ንምምራጽ ዕጫ ይወድቕ ነይሩ፡፡ እያሱ ኸኣ ብዕጫ ኣቢሉ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ነገዳት መሬት ኣካፈሎም፡፡ ነህምያ ብግዲኡ ኣብ ውሽጢ መናድቕ የሩሳሌም ንዝነብሩ ኣብ ምምራጽ ዕጫ ተጠቒሙ እዩ፡፡ ሃዋርያት ድማ መተካእታ ይሁዳ ኣስቆርታዊ ንምፍላይ ዕጫ ኣውደቑ፡፡ ምሳሌ 16፡33 ከምዚ ይብል፡ ዕጫ ናብ ሕቑፊ እዮም ዘውድቑ፡ ንመን ከም ዝበጽሖ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዝምድቦ፡፡

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣብ ግዜና ዝግበር ምቁማርን ሎተርታትን እንታይ ይብል፤ እዞም ካሲኖ ዝብሃሉ ዘመናውያን መቋመሪ ማእከላት ነቶም ተቛመርቲ ብዙሕ ገንዘብ ከፍስሱ ዝተፈላለዩ ሜላታት መሸጣ ይጥቀማ፡፡ ብሕሱር ወይ ብነጻ መስተ ብምቕራብ ከኣ እቲ ሰብ ሰኺሩ ወይ ውንኡ ስሒቱ ብዙሕ ከም ዝጻወት ይገብራ፡፡ ኩሉ እቲ ኣብ ካሲኖታት ወይ ማእከላት ቁማር ዝግበር ድማ ሓላፊ ተድላን ገንዘብ ብብዝሒ ንምግሓጥ ብጥንቃቐ ዝተኣልመ ሽርሕታትን እዩ፡፡ ኣታዊታት ሎተሪ ኸኣ ኣብ ትምህርትን ማሕበራዊ መደባትን ከም ዝውዕል ኮይኑ ይቐርብ እዩ፡፡ ይኹን እምበር ዝበዝሑ ካብቶም ኣብ ሎተሪ ዝሳተፉ ሰባት ኣብ ቲኬት ሎተሪ ዝውዕል ትርፊ ገንዘብ ዘይብሎም ምዃኖም ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ ኣሎ፡፡ እቶም ገንዘብ ጨኒቕዎም ዘሎ ነቲ ብቕልጡፍ ንምህብታም ዘወናውን ፈተናታት ኣይጻወርዎን እዮም፡፡ ሎተሪ ክትዕወት ኣዝዩ ጸቢብ ዕድል ጥራይ ስለ ዝኾነ ከኣ ብዙሓት ሰባት ንኸንቱ ገንዘቦም ኣባኺኖም ይተርፉ፡፡

ካብ ሎተሪ ዝመጸ ገንዘብ ንኣምላኽ ክቐርብ ወይ ከሐጉሶ ይኽእልዶ፤ ገለ ሰባት ነቲ ዝዕወትዎ ገንዘብ ኣብ ዕዮ ኣምላኽ ወይ ንኻልእ ሰናይ ነገር ከም ዘውዕልዎ የመኽንዩ፡፡ እዚ ጽቡቕ ሃቐና ክኸውን ይኽእል እዩ ይኹን እምበር ንገንዘብ ሎተሪ ኣብ ሰናይ ዘውዕልዎ ውሑዳት እዮም፡፡ መብዛሕትኦም ሎተሪ ዝተዓወቱ ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ኣብ ዝኸፍአ ጸገም ገንዘብ ከም ዝወድቁ ብዙሕ ዝተኻየደ መጽናዕታት የርኢ፡፡ ኣዝዮም ውሑዳት ጥራይ ኣብ ሰናይ መዓላ ኣውዒሎሞ ኣለዉ፡፡ ብተወሳኺ ድማ ኣምላኽ ዕዮኡ ንምፍጻም ገንዘብና ኣየድልዮን እዩ፡፡ ምሳሌ 13፡11 ከምዚ ይብል፡ ብኸምኡ ዝተረኽበ ገንዘብ እናጎደለ ይኸይድ፡ ብኢድ ዝእከብ ግና እናበዝሐ ይኸይድ፡፡ ኣምላኽ ኩሉ ከኣሊ እዩ እሞ ብቕኑዕ መንገዲ ኣቢሉ ንማሕበሩ ከቕርብ ኣይእግሞን እዩ፡፡ ኣምላኽ በቲ ካብ መኽሰብ ሓሽሽ ወይ ዕጸፋርስ ወይ ድማ ካብ ክትራን ዝመጸ ገንዘብ ይኸብርዶ፤ ኣይፋሉን፡፡ ከምኡ ድማ ነቲ ድኻታት ብምትላል ዝመጸ ገንዘብ ኣይቅበሎን እዩ፡፡

1ጢሞቴዎስ 6፡10 ከምዚ ይብል፡ እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኩሉ ክፍኣት እዩ እሞ ገሊኦም ንዕኡ እናተመጣጠሩ ካብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ፡፡ እብራውያን 13፡5 ድማ ከምዚ ይእውጅ፡ ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሓድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘለኩም ዕገቡ፡፡ ኣብ ማቴዎስ 6፡24 ድማ ከምዚ ተባሂሉ ኣሎ፡ ንኽልተ ጎይቶት ክግዛእ ዝኽእል የልቦን፡፡ ወይ ነቲ ሓደ ጸሊኡ ነቲ ሓደ ይፈቱ፡፡ ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተኣዚዙ ነቲ ሓደ ይንዕቕ፡፡ ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይኮነልኩምን እዩ፡፡

English



ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ

ምቁማር ሓጢኣት ይቑጸርዶ፤ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ቁማር እንታይ ይብል?
© Copyright Got Questions Ministries